Tigrigna.Voanews.com: ሃዋሁ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮጵያን ኤርትራን (1ይ ክፋል)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 15 Sep 2015 19:38:36 +0200
Ethiopia - EritreaEthiopia - Eritrea

ኣይሰላም ኣይኹናት ሃዋሁ ኤርትራን-ኢትዮጵያን፣ንክልቲኦም መንግስታት ዘይፍታሕ ፀገም ካብ ዝኾኖም ዓመታት ተቖፂሩ’ሎ። ኣብ’ዚ ቅነታትን ኣዋርሕን ግና ክልቲኦም መንግስታት ነናይ ባዕሎም መግለፂታት እናሃቡ’ዮም ፀኒሖም።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ቅድሚ ኣዋርሕ ‘ኤርትራ ንህድኣት’ቲ ዞባ ሓደጋ ምኻና እንተቐፂላ ስጉምቲ ንክንወስድ ክንግደድ ኢና።ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣፍሊጥና ኢና’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ። ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ መግለፂ ዘውፀአ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ‘መግለፂታት ፈኸራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ኤርትራ ከሪሙ’ሎ።ካብኡ ሓሊፉ ኢትዮጵያ ‘ኹናት ክንከፍት ኢና፣ናይ ኣሜሪካ ሓምላይ መብራህቲ ረኺብና’ለና’ ከምዝበለት ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንክዘራረቡ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ኣቶ ሃይላይ ሓድጉ ካብ መቐለ፣ ኣቶ ዮሃንስ ክፍሌ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ’ዮም።

Received on Tue Sep 15 2015 - 13:38:37 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved