Tigrigna.Voanews.com: አቦ - መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ዝነበሩ አቶ ሞላ አስገዶም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝአተው መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴምህትን አረጋጊጾም

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 15 Sep 2015 15:18:34 +0200

አቦ - መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) አቶ ሞላ አስገዶም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝአተው መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴምህት አረጋጊጾም::

አቦ - መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) አቶ ሞላ አስገዶም ውድቦም ራሕሪሖም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝአተው መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴምህትን አረጋጊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞላ ልዕሊ 800 ሰራዊት ሒዞም መጺኦም ክብል ከሎ ምክትል አቦ-መንበር ዴምህት አቶ መኮንን ተስፋይ ግን “እቲ ቁጽሪ ኣዚዩ ዝተጋነነ’ዩ አቶ ሞላ ሒደት አባላት ሒዙ‘ዩ ሓዲሙ” ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ሞላ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስጢር ይሰርሕ ምንባሩ ይገልጽ። ም/ኣ ደምህት ድማ " ከምኡ ክገብር ዝኽእል ዓቕሚ ኣይነበሮን፡ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ በቲ ዝካየድ ዝነበረ ግምገማ ስለዝፈለጠ`ዩ ሃዲሙ" ይብል።

ኣቶ ሞላ ኣብ ሓደ ናይ ዩ-ቲዩብ ድምጹ "ንሰራዊት ሻዕቢያ እናጸራረግና መጺና" ይብል። ኣቶ መኮነን ድማ፡ ኣብ`ቲ ቦታ ሰራዊት ኤርትራ ኣይነበረን፡ መሬት ሱዳን`ዩ፡ ሰራዊት ደምህት ምስተኸታተሎ ግና ኣባላቱ ምስ ሰራዊት ደምሕቲ ተኹሲ ከፊቶም ኔሮም፡ ዝተታሕዙ`ውን ኣለዉ" ይብል።

  • ንክልቲኡ ወገናት ዝሓዘ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

http://tigrigna.voanews.co/audi/2963533.html

 

 

Received on Tue Sep 15 2015 - 09:18:35 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved