ጸብጻብ ፈስቲቫል ኤርትራን ጽንብል ባሕቲ መስከረምን ከተማ ዊንፐግ ካናዳ መስከረም 5-7, 2015 ኣብ ትሕቲ “ልምዓት ብጽንዓት” ዝብል ቴማ ብዓወት ተዛዚሙ።

From: Eritrean Media <erican.media_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 14 Sep 2015 12:29:32 -0400

ቀዳም 5 መስከረም 2015 ኣብ ሜዳ ሰይት ቪታል ፓርከ ዝተኻየደ መደብ ብዝተፈላለየ ናይ ዓበይትን ናኣሽቱን ስፖርታውን
ባህላውን መደብ፡ በኣዴታት ዝቐረበ ዝተፈላለየ ባህላዊ መግብታትን መስተን ብናይ ንኤርትራን ምዕባሊኣን ዘንጸባርቑ
ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን ባንዴራን ወቂቡ ዊዒሉ።

ሰንበት መስከረም 6, 2015 ዝተኻየደ ናይ ሳዕስዒትን ባህላውን ምሸት ብናይ ዊኒፐግ ሰነጥበባውያንን፡ ብመንእሰያትን
ዝቐረበ ግጥምታትን መግለጽታትን ንወኒን ልብን ህዝቢ ዘንቀሳቐሰን ንሃገራውነት ዘበረኸን መደብ ነይሩ።

ከም መዛዘሚ ሰሚናርና ሰኑይ መስከረም 7, 2015 ብኣቶ ኤልያስ ኣማረ ኣገዳስን እዋናውን ሰሚናር ተዋሂቡ። ኣቶ ኤልያስ
ኣማረ ናይ ዝሑል ኩናት ምብቃዕን ብድሕሪኡ ዝተከሰተ ዓውሎማን/ግሎባላይዘሽን ሳዕቤናቱ ኣብ ልዕሊ ዓለምን ኤርትራን
ብዘየማትእ ቃላት ብንጹር ንህዝቢ ኣብሪሁ። ብተውኺ ኤርትራን ህዝባን ግዳይ ናይ ዘይሓላፍነታዊ እገዳን ጸቕጥታትን
መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚተ ብዛዕባ ኤርትራ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብማእለያ ዘይብሎም ሓሶታት ዝተላዕጠጠን፡ ንቡር
ናይ ምርምርን ፍተሻን ኣገባብ ዘይተኸተለን ከምዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ኣማረ ጭብጥታት ብምስናይ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ። ኣብ
መጨረሻ ኣቶ ኤልያስ ህዝቢ ከምቀደሙ ሓድነቱ ኣትሪሩ መኸትኡ ከበርትዕ ብምልባው መደሩኡ ዛዚመ



ኣብ መጨረሻ ገዛ ንሕቶን መልስን ከፋት ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ ሕቶታቶም ኣቕሪቦም ንሕቶታቶምውን ኣዕጋቢ ምልሲ ከምዝረኸቡ
ድሕሪ ምግላጾም ሰሚናር ተዛዚሙ።



ሽማግለ ብዓላት ዊኒፐግ ማኒቶባ!!


P1130257.JPG
(image/jpeg attachment: P1130257.JPG)

P1130037.JPG
(image/jpeg attachment: P1130037.JPG)

P1130180.JPG
(image/jpeg attachment: P1130180.JPG)

P1130183.JPG
(image/jpeg attachment: P1130183.JPG)

P1130201.JPG
(image/jpeg attachment: P1130201.JPG)

P1130203.JPG
(image/jpeg attachment: P1130203.JPG)

Received on Mon Sep 14 2015 - 12:29:35 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved