ብኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዬ ዝተዳላወ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ኣብ ከተማታት ኢጣልያ ሉዑል ኣድናቆት ረኪቡ ” ኤርትራዊያን ስብ ጸጋ ኣብ ስነ ጥበብ ከውፍሩ ድማ ጻዊዒት ቀሪቡ “ሬድዬ ኣዳል.

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 13 Sep 2015 15:35:30 +0100

ፈነወ ሬድዬ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊ ብሰንበት13 መስከረም 2015 ምስ ስነጥበባዊት ተ/ጋ ንግስቲ ገብረመስቀል፤ ካብ
ከተማ ኢጣልያ ብቴሌፎን ንዑደት ምርኢተን ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ናይ 60 ደቃይቅ ቃለ መሕተት ተ/ጋ ንግስቲ ገብረመስቀል
ንሓፈሻዊ ጥርናፊኤን ኣመልኪታ ሰፊሕ መብርሒ ደሕሪ ምሃባ ፤ ኣብ ሃማድኤ ዞባ ማእከል ተጠርንፈን ክነጣጠፍ ከም ዝጸንሓ
ኣብ ጥርናፈኤን ዝርከባ ኣስታት 26 ስነ ጥበባዊያን ደቂ ኣንስትዬ ገሊን ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን
ምኳነን ብምሕባር፤ ኣብ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ካይላ፤ቅብኣ ፤ ኢደ ስርሓትን ወዘተን ሓያሎ ድንቂ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ
ስርሓት ከም ዝሰርሓን ዉጺኢት ስርሓን ፤ ኣብ ኣህጉራዊ ምርኢት ከም ዝበቅዔን ብምዝካር ኣብ ኩሉ ዕማማተን ዉን ሉዑል
ደገፉ ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ ከም ዘይተፈለየንን ብፍላይ ደገፍ ማእከላይ ቤ/ጽ ሃማድኤ ሉዑል ምኳኑን ብዘይካ’ዚ ካብ
ሚኒስትርታት ቱሪዝምን፤ ዕዬን ሰብዊ ድሕነትን ዘድሊ ኩሉ ምትብብዓት ከም ዘይተፈልየን ጠቂሳ።

ብዕለት 20/05/2015 ሓያሎ ስነ ጥበዊ ስርሓት ብምሓዝ ናብ ኤርራዊያን ፈስቲቫል ኢጣልያ 2015 ንምስታፍ ካብ
ኣስመራ ምስ ስለስተ ርእሳ ከም ዝተበገሳን ፤ ብዝወጸ ውጥን መደባት መሰረት ድሕሪ ኣብ ፈስቲቫል ዘቅረበኦ ምርኢት ድማ
ዛጊት ኣብ ከተማታት ሚላኖን ፤ ቦሎኛን ብበጻሕቲ ወጻእተኛታትን ፤ ኤርትራዊያንን ዕውትን ኣድቆት ዘትረፍ ውጽኢት ስነ
ጥበባዊ ስርሓተን ከም ዘቅረባ ኣረዲኣ።
ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ከም ኣብ ኩሉ ጽላታት ኣብ ስነ ጥበብ ዉን ንከዉፍሩ ተመሓላልፉዬ መልእክቲ ኣለኪ’ዶ?
ንዝብል ዝቀረበላ ሕቶ ተ/ጋ ንግስቲ ክትምልስ ከላ፤ ብሓፍሻ ኣብ ደገ ዝርከቡ ወነንቲ ዝተፉላለየ ትካላት ውጽኢት ስነ
ጥበባዊ ስርሓትና ብቀጥታ ካባና ብምግዛእ ናብ ዕዳጋት ዓለም ከቅርብዎ ኩፍት ዕድላት ከም ዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር
እደሊ፤ ድሕሪ ምባል ብፍላይ ኤርትራዊያን ስብ ጸጋ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ፍርያት ኣብ ዓለም ሉዑል ተወዳዳሪ ብቅዓት ከም
ዘለዎ ተገንዚቦም ምስ ስነ ጥበባዊያን ተሻሪኮም ገንዘቦም ከውፍሩን ኤርትራዊ ስነ ጥበብ ናብ ሃገራዊ ፍርያት እንዲስትሪ
ክቅይርዎን ኣብ ምምዕባል ኤርትራዊ ፍርያት ሰነ ጥበብ እጃሞም ከበርክቱ እጽውዕ ኢላ።

ምስ ተ/ጋ ንግስቲ ገብረመስቀል ዘካየድና’ዬ ሰፊሕ ናይ 60 ደቃይቅ ቃለ- መሕተት ሙሉእ ትሕዝቱኡ ሶኒ 14 መስከረም
2015 ከነቅርበልኩም ኢና።

ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/





n7bPs6ghoREr.png
(image/png attachment: n7bPs6ghoREr.png)

Received on Sun Sep 13 2015 - 10:35:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved