“ንሞያን ቅያን ስዉኣትናን ስንኩላትናን ዘቕስን ታሪኻዊ ሓወልቲ ክንስንድ ንዳሎ ኣሎና” ብሪጋደር ጀነራል ተስፋይ ይስሓቕ “ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን”…

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 12 Sep 2015 16:54:28 +0100

ክፍሊ ወተሃደራዊ ሃንደሳ፡ “ስዉኣትና ብታሪኽና ይደበሱ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ንታሪኹን ዘካየዶ ንጥፈታትን ንምስናድ
ዝሕግዝ ቀዳማይ ዋዕላ፡ ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም ኣብ ከተማ ከረን ኣካዪዱ። ኣዛዚ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ብሪጋደር ጀነራል
ተኪኤ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ታሪኽ ሰፊሕን ዓሚቚን ብምዃኑ ኣብ ሓጺር መዓልታት ዝውዳእ ከምዘይኮነ፡ እንተዀነ
ግን ክብገስ ምኽኣሉ ጥራይ ዓቢ ስጒምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

“ንሞያን ቅያን ስዉኣትናን ስንኩላትናን ዘቕስን ታሪኻዊ ሓወልቲ ክንስንድ ንዳሎ ኣሎና” ዝበለ ካብ መስረትቲ ወተሃደራዊ
ሃንደሳ ብሪጋደር ጀነራል ተስፋይ ይስሓቕ ድማ፣ እቲ ዋዕላ ዝመጽእ ወለዶታት ታሪኹ ብግቡእ ፈሊጡ ንዘጋጥሞ ብድሆታት
መኪቱንኽዕወትደራኺተራከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ሰብታሪኽንኹሉጸገማቶም ተጻዊሮም ቆፎ ታሪኾም ክብርብሩ ኣዘኻኺሩ። ናይ ምስናድ
ታሪኽ ዋዕላ ምክያድ ሓደስጒምቲንቕድሚትምዃኑዝሓበሩ ተሳተፍቲ፣ ታሪኽ ዋንነቱ ብቐንዱ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ
ስለዝኾነ፡ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ጀሚርዎ ንዘሎ ዕማም ቀጻልነቱ ብዘውሕስ መንገዲ ነቲ ታሪኽ ብዝግባእ ክብርብሮ ተላብዮም።
ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ንፈጸምቱ ከይተረፈ ዘደነቐሓያሎፍጻሜታትከምእተተረኸን ከረን፡ ቀዳማይ ዋዕላ ትረኻ ወተሃደራዊ ሃንደሳ
ተኻዪዱ ከምእተሰነደን፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብ መወዳእታ ዋዕለኛታት፣ ሰብ ታሪኽ ዘለዎም ዛንታ ብጽሑፍ ናብ ኮሚቴ ከቕርቡ፣ ኮሚቴ ብቐጻሊ ናይ ምትራኽ መደባት
ክትሰርዕ፣ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ንምድማቕ ኣብዝካየድጽንብላት፡ኣባላትማሕበራት ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ኣበርክቶ
ክህልዎም፣ ዝተሰነደ ሓቀኛ ታሪኽ ድማ ናብ ህዝቢ ዝበጽሓሉ ባይታ ክጣጣሕ ተላብዮም። ንሃንደሳዊ ዕማማት ዝምልከት
መጽናዕቲ ንምግባርን ሰነዳት ንምእካብን ዝቘመት ኮሚቴ ከምዘላን ዘተባብዕ ንጥፈታት ተሰላስል ምህላዋን፡ ዝረኸብናዮ
ሓበሬታ የረድእ።

ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/





y6Gi9nBlibtM.jpg
(image/jpeg attachment: y6Gi9nBlibtM.jpg)

Received on Sat Sep 12 2015 - 11:54:29 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved