ውሳነታት 6ይ TOT መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ "ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 29 Oct 2015 09:50:01 +0000

ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ፡ ካብ 23 - 25 ጥቅምቲ 2015፡ ”YPFDJ፡ ሕመረት ዉሁድ ኤርትራዊ ግሎባዊ
መኸተ!” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ቦሎኛ - ኢታልያ ኣካይድና።

ኣብ’ዚ መደብ፡ ዝበዝሓ ጨናፍር ምንቅስቃስና ወከልተን ልኢኸን።

ኣብ’ዚ ዓመታዊ ርክብ፡ ብጻይ ፍስሃጽዮን ጵጥሮስ ኣምባሳደር ሃገር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፡ ጠቕላሊ ቆንስልን ሓላፊ
ህዝባውን ኮማውን ጉዳያትን ኢጣልያ፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ሃገራዊ ሽማግለ፡ ማIኮምን ሃማደኤን ን/ጨንፈር ቦሎኛ ተረኺቦም፡
ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣቕሪቦም።

መደብ ስልጠና ሰልጠንቲ፡ ንወዳቢት 6፡ይ TOT፡ መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ኢጣልያ ብሓፈሻ፡ ንንኡስ ጨንፈር ቦሎኛ ከኣ
ብፍላይ፡ ውዳቤታትናን፡ ንኩልንትናዊ ኣበርክትኦም ምስጋና የቕርብ።

6፡ይ TOT፡ ብመሰረት ኣብ መበል 11 ዋዕላና፡ ዝጸደቐ መደብ ስራሕ ንትግባረኡ ዘርኢ ጸብጻባት፡ ናይ ማእከላይ ኮሚተን
ጨናፍርን ሰሚዑ።

 ዘለዉ ብልጫታትን ድኻማትን መዚኑ። ንህልዊ ኩነታት ሃገርን ቀዳምነታትን ብዕቱብ ዘትዩ መረዳእታ ኣዕሙቑ። መድረኻዊ
ሃገራዊ ቀዳምነታት፡ ዉሁድ ግሎባዊ ኤርትራዊ መኸተ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ተራን ሓላፍነትን ምንቅስቓስና ተገንዚቡ።

 ውድባዊ ድልዳለን ምህናጽ ትካላዊ ብቕዓትን መስርሕ ምዃኑ መረዳእታ ብምዕሟቕ፡ ንድፊ ሰነደ ”ውሽጣዊ ዓንደ-ሕጊ”፡
ንምውዳብ ዘበርኽ ውጥን መሳለጥን ዘትዩሉ፡ ብተመሳሳሊ፡ ንትካላዊ ኣሰራርሓና ዘሐይል ኣገባባትን መሳርሕን፡ መምርሒ
ኣቓውማን ዕማማትን ጨንፈር ዘነጽር ንድፊ-ሰነድ ዘትዩሉ፡ ዓመታዊ መደብ ስራሕን ቀዳምነታትን ምንቅስቓስ መንእሰያት
ዳግማይ ብዝርዝር ብምርኣይ፡ ተኻቲዑሉ ሓባራዊ መረዳእታ ኣዕዚዙ።

ብተወሳኺ ንስትራተጂካዊ ውጥንን ኣገዳስነቱን ዘትዩሉ ተኸሊሱ ዳግማይ ከም ሰንደ መርሓን ትግባረን ኪቐርብ ተረዳዲኡ።

መበል 12 ዋዕላ መ/ህግደፍ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኢጣልያ 24-28 መጋቢት 2016፡ ንምክያድ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ገስጋስ ስራሕ
ጸብጻብ ሰሚዑን ተረዲኡን፡ ኮታ ተሳተፍቲ ኣጽዲቁን። 6፡ይ TOT: ትካላዊ ዓቅምን ኣወዳድባን ኣገባባትን ብዕቱብ
ኪስርሓሉ ዳግማይ ብምስማር፡ ንዓመት መመላእታ ዝተዘተየሉ ንድፊ ”ዓንዲ-ሕጊ” ምንቅስቓስ ብደረጃ ኤውሮጳ፡ ካብ’ዛ ዕለት
ኣብ ትግባረ ኪውዕል፡ ብወግዒ ኣብ 2፡ይ ጉባኤ (መበል 12 ዋዕላ) ኪጸድቕ ወሲኑ። ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርን መኸተናን
ብምዝታይ፡ ቀዳምነት ቀዳምነታትና ዉህድ ግሎባዊ መኸተ ስለዝኾነ፡ ምንቅስቃስና ሕመረት ግሎባዊ መኸተ ኮይኑ ኪቃልስ ወሲኑ።

 መደባት ፖለቲካዊ ትምህርቲን ንቕሓትን ምውዳብን ምጽፋፍ ኣባላትን መሳለጥን ብዝለዓለ ኪድፍኣሉን ኪሰፍሕን፡ መደባት
ካድራዊ ስልጠና ኣብ ጨንፈራትን ዞባ-ኤውሮጳን ኪተኣታቶ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ መደባት ተሳታፍነትና ኪዓብን ዳግማይ
ወሲኑ።

ናይ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ ስትራተጂካዊ ውጥን 2011-2014 ምስ ሸቶታቱ፡ ጌና ብምልኣት ዘይተተግበረ ብምዃኑን
ኣብ ኩሉ ንጥፈታትና ወሳኒ መርሓ ስለዝኹነን፡ ዘድሊ ክለሳ ተገይሩሉ ኪቕጽል ምእንቲ ኣብ ዋዕላና ዳግማይ ኪጸድቕ ወሲኑ።

ሞያውን ቁጠባውን ኣበርክቶ ኣብ ሃገር ንምብራኽ ምስ ሃማመተኤን ካልኦት ሃገራዊ ኣካላትን፡ ብትካላዊ መቓንን ብግብርን
ኪሰርሓሉ ወሲኑ።

ዝቕጽል 7፡ይ TOT 2016: ኣብ ፈረንሳ ወይ ኣብ ኖርወይ ወይ ቦሎኛ ኪካየድ ወሲኑ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

ዓወት ንሓፋሽ!

26 ጥቅምቲ 2015, ቦሎኛ - ኢጣልያ





oie_animation__1_.gif
(image/gif attachment: oie_animation__1_.gif)

Received on Thu Oct 29 2015 - 05:50:02 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved