ዕላል ዳን ኮኔል ምስ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)-1ይን 2ይን ክፋላት ብጥርኑፍ-ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 26 Oct 2015 15:57:28 +0100
ዕላል ዳን ኮኔል ምስ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
ጋዜጠኛን ኣባል ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣሜሪካ ኮይኑ ንሰውራ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ዝስልል ዝነበረ ዳን ኮኔል፡ ኣብ ነሓሰ 2001፡ ምስ ምኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ምርኩስ ብምግባር ዝተዳለወ ጽሑፍ

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት:

ጥቅምቲ 15, 2008 (26/10/2015)

ላም ከመይ ቀኒኹም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ፡ ነቲ ብመንገዲ ናይ ትማሊ ናይቲ ግሁድ ሕቡእ ጋዜጠኛ፡ ኣባል ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣሜሪካ (ማወስ) ኮይኑ ንሰውራ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ዝስልል ዝነበረ ዳን ኮኔል፡ ኣብ ድሮ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ወርሓት ነሓሰ፡ ቅድሚ ምቕያድ ጉጅለ 15 ምስ ገለ ካብ ኣባላት ጉጅለ 15 ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብሩት ሃብተማሪያም ናይ ዝትተርጎመ መወከሲ ሰነድ መበገሲ ብምግባር፡ ነቲ ዘካየደሎም ቃለ መሕትት ብምህያስን ዝተጨበጠ ምላሽ ናይቲ ምስ ምኒስተር ጴጥሮስ ሰለሞን፡ ምስ ጀነራል ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ ምስ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ምርኩስ ብምግባር፡ ናይ ዝገበርናዮ መድርኽ ምቅላዕ ክውንነታዊ ነገራት ሓቅን ሓሶትን፡ ገጽ-ንገጽ! ኣቕሪብናልኩም ምንባርና ይዝከር፡፡

ንሎሚ ኸኣ፡ ምስ ቀንዲ ካብ ኣውራታት ናይ ጉጅለ 15 ዝኾነ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ካብ’ቲ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ’ቲ እዋናዊ ሕቶታት ጥራይ ብምትዃር፡ ናይ 2ይ ክፋል ዕላል ምስ ዳን-ኮኔል ዝተኻየደ ጥራይ ብምቕራብ፡ ኣብ’ቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ 1ይ ክፋል ዕላል ዳን-ኮኔል ምስ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ዕላል ዳን-ኮኔል ምስ ማሕሙድ ሸሪፎ ዝተኻየደ ዕላል፡ ንሕሉፍ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝምልከት ብምዃኑ፡ ኣብ’ዚ ታሪኽ እዚ ብዙሕ ዝተደለዝን ዝተበረዘን ብዘይምህላዉ፡ ግዜ ንዘይምውሳድ ሰጊርናዮ ኣለና። ሎሚ ከኣ 2ይ ክፋል ናይ'ቲ ዕላል ብሰፊሕን ዝርዝርን ይቐርብ።

ኣብ’ዚ ዝቕጽል እነቕርቦ ትሕዝቶ ጽሑፋትና ግን፡ ዝያዳ ንምርድኡ ክጥዕም፡ ንነባቢ ንዘይምድንጋር ነቲ ብወገና ዝቐረበ፡ ብቐይሕ ሕብሪ ጽሒፍናዮ ኣለና። ብተመሳሳሊ ነቲ ናዕታ ዘለዎ ኸኣ፡ ኣብ ሳንዱቕ ሕብሪ የእቲናዮ ኣለና።..............

ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ መራኸቢ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ንዝርዝራቱ ኣምብብዎ ኢኹም።

ብርሃነ ሃብተማርያም

ሰናይ ንባብ፦


Received on Mon Oct 26 2015 - 10:57:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved