TesfaNews: ተባዕታይ ደርሆ እንተነቀውሲ መሬት ብሳላኡ ትወግሕ ዘላ ይመስሎ:: ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 19 Oct 2015 23:13:50 +0200

|

eri-players-botswana
… ጌና እቲ ናይ ለመምታ ተጻብኦ ኤርትራ ነፈግታ ብዘይብሉ መንገዲ፡ ኪኖ ዓንቀሩ ጊዒሩ ኣብ ዝጸፈሉ ዘሎ ህሞት፡ ኤርትራ ካብ ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ግዳምን ተጻወቲ ብምጥርናፍ ኣብ ኣህጉራዊ ዓለምለኻዊ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እትሳተፍ ሕርይቲ ጋንታ ናብ ሀገረ ቦትስዋና ለኣኸት …

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት:

ብቲ ኣብ ቀዳማይ ባቢሎን እትብል ዝጸሓፍናዮ ጽሑፍ ዝተወሰደ መእተዊ ጌርና ናብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ክንኣቱ እንከለና ካብ ባዶ ተበጊስና ኣይኮነን። መበገሲ መልእኽትና ከም`ቲ ኣብ ኣርእስትና ሂብናዮ ዘለና፡- “ተባዕታይ ደርሆ እንተነቀወሲ መሬት ብሳላኡ ትወግሕ ዘላ ይመስሎ”። ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራት ዓለም ሉኡላውነታ ዘረጋገጸት ጥራይ ዘይኮነት፡ እታ እንኮ ኣብ ሕርያኣ ንጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት እትቕይስን እትመርሕን ዘላ፡ ንበትርን ካሮትን ዘይተአንግድ ብልጽቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ኣብ ዝመስከረትሉ ህሞት፡ ጌና እቲ ናይ ለመምታ ተጻብኦ ኤርትራ ነፈግታ ብዘይብሉ መንገዲ፡ ኪኖ ዓንቀሩ ጊዒሩ ኣብ ዝጸፈሉ ዘሎ ህሞት ኢያ ካብ ናይ ውሽጢ ሃገርን፡ ናይ ግዳምን ብምጥርናፍ ኣብ ኣህጉራዊ ዓለምለኻዊ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እትሳተፍ ሕርይቲ ጋንታ ናብ ሀገረ ቦትስዋና ዝለኣኸት።

ኣቀዲሙ፡ ወኪል ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብስም Eritrean Movement for Human Rights and Democracy (EMHDR) ዝተመዝገበ ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ተጻብኦን ዕንደራን ኣብ ትሕቲ ጉልባብ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰላስል ትካል ናብ ቦትስዋና ኣትዩ ኣሎ። ብኣባላት ማሕበር ሞያውያን ሕጊ ዝብል ስም፡ ኣብ ኣሜሪካ ብሕጊ ዝተመዝገበ ትካል ብመንገዱ ነቲ Local Firm Bayford and Associates ስፖተኛታት ካብ ኤርትራ ናብ ቦትስዋና መጺኦም ክጻወቱ ምዃኖምን፡ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ክሓቱ ምዃኖም ብሕጋዊ መንገዲ እንታይ ክግበረሎም ከም ዝኽእል ይዘራረብ ኣሎ። Bayford and Associates ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ምጥባቕ መስርሕ መሳለጢ $350,000 ዶላር ክሓትት ምዃኑ ተሰማሚዑ ኣሎ። ነቲ ገንዘብ ድማ ብመንገዲ ዶክተር ትሪችያ ረድከር ሆፕነር ናብ Eritrean Youth Solidarity for Change (International Commission on Eritrean Refugees [ICER]) ወጻኢ ተጌሩ ክመሓላለፍ ኩሉ ምድላዋት ተወዲኡ ኣሎ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ነታ ሃገራዊ ጋንታ ናብ ቦትስዋና ክትኣቱ ምጽባይ ጥርሕ ኮነ።...............

ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ መራኸቢ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ንዝርዝራቱ ኣምብብዎ ኢኹም።

ብርሃነ ሃብተማርያም

ሰናይ ንባብ፦

http://de.scribd.com/doc/285741967/ተባዕታይ-ደርሆ-እንተነቀውሲ-መሬት-ብሳላኡ-ትወግሕ-ዘላ-ይመስሎ

Received on Mon Oct 19 2015 - 17:13:52 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved