Tigrigna.Voanews.com: ቃለ-መጠይቕ ምስ ደራሲ " የመለስ ራእይ ሲፈተሽ ' ኣቶ ኣስገደ ገብረስላሰ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 19 Oct 2015 22:30:06 +0200

`ራእይ መለስ` ዝብል ብኢህወደግ ዝወጸ መጽሔት፡ ነዛ መጽሓፍ ክጽሕፍ ከምዘገደዶ ይገልጽ

ኣቶ ኣስገደ ገብረስላሰ፡ ካብ መስረቲ ሕወሓት ሓደ እዩ። ካብ ሕወሓት ወጺኡ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዝኣቱ ንድሓር ፡ ጋህዲ ቀዳማይ መጽሓፍን ጋህዲ ካልኣይ መጽሓፍን ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ጽሒፉ`ዩ።

Asgede Gebreslasse

Asgede GebreslasseAsgede Gebreslasse

ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ድማ፡ ' የመለስ ራእይ ሲፈተሽ` ብዝብል ሓዳስ መጽሓፍ ኣውጺኡ`ሎ።

ኣብ ዙርያ መልእኽቲ መጽሓፉ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

1. ቀዳማይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/2999049.html

**************************************************************

ኣቶ ኣስገደን መምህር መሓሪን ኣብ `ራእይ መለስ` ተገራጫዊ ርእይቶ ይህቡ

ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ሕወሓት ሓደ ኣቶ ኣስገደ ገብረስላሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን “ ናይ መለስ ራእይ እንክፍተሽ” ዝብል ትርጉም ዝሓዘት ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ከምዘሕተመ ይፍለጥ። ዕላማ መጽሓፉ፡ ነታ ኣቐዲማ ብኢህወደግ ዝወጸት “ ራእይ መለስ ” ትብል መጽሄት ንምንቃፍ ምዃኑ ይገልጽ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ ግን ምስ ርእይቶ ኣቶ ኣስገደ ኣይሰማማዕን።

2. ምሉእ ትሕዝቶ ናይ ክልቲኦም መጎተ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3009163.html

 

Received on Mon Oct 19 2015 - 16:30:07 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved