Haddas Ertra: “ኮለጃትና ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝፈልየን ኣሰያይማ ጥራይ’ዩ” – ፕሮፌሰር ታደሰ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 18 Oct 2015 00:35:54 +0200

 |

professor Tadesse Mehari
ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትምህርቲ ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ

ሸሃብ ኣርኣያ | ንሓዳስ ኤርትራ፡

ጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትምህርቲ ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ኮለጃት ዘምጽእኦ ዘለዋ ለውጢ፡ ብድሆታት ናይተን ትካላት ትምህርቲ ከምኡ’ውን ናይ መጻኢ ስትራተጂኤን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ኤረትረያ ኣልሓዲሳ ንዘካየዶ ቃለ መሕትት እንሆ፦

ሕቶ: ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብቕዓተን ክብ ንምባል ጻዕርታት ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ። እቲ ምዕባለ ኣበይናይ ኣርእስተ ጉዳይ ዘተኮረ ምዃኑ እንተተብርሃልና?

ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ፡  ምዕባይ ክንብል እንከሎና ኩለንትናዊ መዳይ ዘጠቓለለ ማለት’ዩ። ብቐንዱ ዕድል ላዕለዋይ ትምህርቲ ምስፋሕ ክኸውን እንከሎ፡ ዕድል ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንዝግብኦ ዜጋ ምሃብ’ውን ማለት’ዩ። ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ተምሃራይ ይኹን ሰራሕተኛ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዚ ዕድል ምስ ዝረክብ ዕብየት ነርኢ ኣለና ማለት’ዩ።

ጽፈት ናይ’ቲ ዝወሃብ ትምህርቲ’ውን ብመንጽሩ ከነዕብዮ ኣለና። ጽፈትን ብቕዓትን ትምህርቲ ምስ ግዜ እናማዕበለ ዝኸይድ እንበር፡ ብሓደ እዋን ዝመጽእ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ ብቕዓት ተማሃሮናን መምህራንናን፡ ብቕዓት ናይ’ቲ እንህቦ ስርዓተ ትምህርትን ናይ መሳለጥያታትን፡ ብቕዓት ናይ’ዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትና፡ ኣብ’ተን ከምአን ዝኣመሰላ ኣብ ዓለም ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተሞርኮሰ’ዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ነቲ ጽፈትን ብቕዓትን ናይ’ቲ ትምህርቲ በብደረጅኡ እናወሰኽናሉን እናኣዕበናዮን ክንከይድ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ እተን ዘለዋና ላዕለዎት ደረጃ ትካላት ትምህርቲ ንግዚኡ’ኳ እኹላት’የን እንተበልና፡ እቲ ዓቕሚ እናደለበን እናበዝሐን ብዝኸደ መጠን ግና፡ ክኣኽላና ስለዘይኮና፡ እቲ ዘሎ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መሳለጥያታት እናስፋሕና፡ ዘድሊ ናውቲ ትምህርቲ እናማላእና፡ ካልኦት ሓደስቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ ብዝተፈላለየ ዓውደ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት ሃገርና ክንከፍት መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ንግዚኡ ግና እቲ ዝዋሃብ ዘሎ ዓውደ ትምህርቲ፡ ብቐዳማይ ዲግሪ፡ ብዲፕሎማ፡ ብናይ ድሕረ ምረቓ ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ምምዕባሉ፡ ነዛ ሃገር ጠቓሚ ብምዃኑ፡ ሓደስቲ ዓይነታት ትምህርቲ ኣድለይቲ ኮይኖም ስለዝርከቡ፡ እናወሰኽናሉ ክንከይድ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ስለ’ዚ በዚ መዳያት እዚ እናስፋሕናዮን እናዕበናዮን ክንከይድን እዚ ናይ ምልእኣኽ ትምህርቲ (distance Education) ነቶም ኣብ’ዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣትዮም ዕድል ትምህርቲ ዘይረኽቡ ስርሖም እናሰርሑ ብምልእኣኽ ትምህርቶም ክከታተሉን፡ ደረጃኦም ከዕብዩን ዕድል ምሃብ’ውን፡ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ሕቶ: ሕጽረት መምህራን ማሕንቖ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ ። ነዚ ንምቅላል ብጭቡጥ እንታይ ዝተኣታተወ መደባት ኣሎ?

ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ፡  እቲ ቀንዲ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆ ሕጽረት መምህራን’ዩ። ነዚ ከይበዳህና ድማ፡ ናብ’ቲ እንደልዮ ደረጃ ትምህርቲ ምብጻሕ ከጸግመና’ዩ። ከም ግዝያዊ ፍታሕ ተባሂሉ ካብ ደገ ከቢድ ወጻኢታት ብምፍሳስ እነምጽኦም፡ ኣብ’ዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘገልግሉና መምህራን ኣለውና። መብዛሕትኦም ህንዳውያን’ዮም ኔሮም። ኣብ’ዚ ሓጺር ግዜ ግና፡ ካብ ኬንያ ዝተወሰኑ መምህራን ኣምጺእና ኣሎና። እዚ ግና ነባሪ ፍታሕ ክኸውን ስለዘይክእል፡ ነብስና ክንክእል ኣለና ዝብል መደብ ሒዝና፡ ነቶም ብሉጻት ተሓጋገዝቲ መምህራን ኢልና ኣብ ኮለጃትና እነትርፎም ምሩቓት ናብ ደገ ብምስዳድ ነምህሮም ኣሎና። ክሳብ ሕጂ ከባቢ 450 ንትምህርቲ ናብ ደገ ዝሰደድናዮም ተመሊሶም፡ ነቲ ብወጻእተኛታት ተታሒዙ ዘሎ ዓውደ ትምህርቲ ክትክኡ’ዩ መደብና።

እዚ መዳይ ወጽኢቱ ኣዕጋቢ ኮይኑ ስለ ዘይረኸብናዮ፡ ከም ካልኣይ ስትራተጂ ሒዝና ንሰርሓሉ ዘለና ኣብ’ዘን ዘለዋና ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቲ ጀሚርና። እቲ መደብ ናትና ናይ ማስተርስ ፕሮግራም ብምትእትታው ዘለዉና ተሓጋገዝቲ መምህራን ባዕልና ከነምህር’ዩ። እዚ ኣብ ክልተ ካብ ኮለጃትና ተጀሚሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ማይ ነፍሒን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎን ጽቡቕ ወጽኢት ረኺብናሉ ከባቢ 70 ዝበጽሑ፡ ኣብ ውሱን ዓውደ ትምህርቲ ድኣ ይኹን እምበር፡ ተመሪቖም መምህራን ኮይኖም የገልግሉ ኣለው። ስለ’ዚ ኣብ’ተን ዓውደ ትምህርቲ እዚአን፡ ወጻእተኛታት መምህራን ካብ ምምጻእ ተገላጊልና ኣለና።

እተን ካልኦት ትካላት ትምህርትና ድማ ብዘለወን ዓቕሚ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቲ ብምጅማር፡ መምህራን ከፍርያ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን ይግበረለን ኣሎ። እዚ ካብ’ቲ ኣዕጋቢ ኮይኑ ረኺብናዮ ዘለና ስትራተጂ’ዩ። ሳልሳይ ናይ ምልእኣኽ ትምህርቲ ኮይኑ፡ ኣብ’ዘን ዘለዋና ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣትዮም ትምህርቶም ክቕጽሉ ዘይክእሉ፡ ዕድላት ትምህርቲ ክረኽቡ ዝግበኦም ስራሕተኛታት መንግስቲ እናተለለዩ ብናይ ምልእኣኽ ትምህርቲ ከም ዝመሃሩ ይግበር ኣሎ። ዛጊት ኣስታት 120 ዝኾኑ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ተኸፋፊሎም ኣለዉ። እቶም ቀዳማይ ጉጅለ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ክምረቑ’ዮም። ብድሕሪ’ዚ እንተ ተኻኢሉ ካብ’ተን ሚኒስትሪታት ናብ’ተን ኮለጃት ግዒዞም ከም ዝሕግዙና ክንገብር ኢና። እዚ እንተዘይተኻኢሉ ድማ፡ ኣብ ናጻ ግዚኦም ናብ’ተን ኮለጃት ብምኻድ ክምህሩ መደብ ተታሒዙ’ሎ። እቲ ራብዓይ ስትራተጂና ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝርከቡ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም መጺኦም ክሕግዙና ናይ ምርድዳእ መዘክር ተፈራሪምና ኣሎና። ውጽኢቱ’ውን ኣዕጋቢ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ተስፋ ንገብር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዓቕምና ኣደልዲልና ዘድልዩና ኤርትራውያን መምህራን ኣብ’ዘን ኮለጃትና ከነፍሪ።

ሕቶ: ኣህጉራዊ መዐቀኒ ናይ’ዘን ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገርና ተዘርጊሐን ዝርከባ ኮለጃት ብኸመይ ይግምገም? ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝፈልየንከ እንታይ’ዩ?

ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ፡  መምህራንና ኣብ ደገ ኣብ ፍሉጣት ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን’ዮም ተማሂሮም። ገለ ብማህደረ ትምህርቲ እቲ ካልእ ድማ ከፊልና ናብ ኣመሪካ ኤውሮጳን ሃገራት ኤስያን ከም ህንዲን ጃፓንን፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን’ውን ናብ ታይላንድን ቱርኪን ከምኡ’ውን ኣብ ኬንያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆሞ ኬንያታ ሰዲድና ነምህሮም ኣለና። ብሓጸሩ እዞም ኤርትራውያን ተማሃሮ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም’ዮም ዘለዉ። ኣብ ዝኸድዎ ከኣ፡ ካብ መዛኑኦም ጸብለል ኢሎም’ዮም ትምህርቶም ዝዛዝሙን ሒደት መወዳደርቲ ዝረኽቡን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ’ውን ኣብ ዝኾነ ዓውደ ስራሕ ምስ እንዕዘቦ፡ እዞም ኣብ ኮለጃትና ዝተመረቑ ተማሃሮና ኣዝዮም ብሉጻት’ዮም።

ንኣብነት እዞም “ማይኒን ኢንጂነሪን” ተማሂሮም ኣብ ቢሻ ዘገልግሉ ዘለዉ መንእሰያት ውጽኢታውያን ምዃኖም’ዩ እቲ ዝመጸና ጸብጻባት ዝሕብረና። እቶም ካብ ደገ ዝመጹን፡ ብቐዳማይ ዲግሪ ወዲኦም ኣሽሓት ዶላራት እናተኸፍሉ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ካብዞም ናትና ተምሃሮ ዝበልጹ ኣይኮኑን።

ብተወሳኺ ኣብ መብዛሕትኡ ዓውደ ትምህርቲ ናይ ሽርክነት ዝምድናታት ስለ ዘሎና፡ እዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትና፡ ምስ ናይ ደገ ኮለጃት፡ ዩኒቨርሲታትን ካልኦት ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲን ሽርክነት ኣለወን። ብዓለም ደረጃ ሓደ ዓይነት ተቐባልነት ዘለዎ ካሪክለም ምእንቲ ክህሉ፡ ካብ ደገ መጺኦም ነቲ ናትና ካሪክለም፡ ምሳና ኮይኖም የመዓራርዩዎ። ከም ፈተንትን ኣማኸርቲ ተምሃሮን ኮይኖም’ውን ይሕግዙና። እዚ ንባዕሉ ብደረጃ ዓለም ተቐባልነትን ተፈላጥነትን ዘውህበካ’ዩ። ካልእ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት፡ ካብ ኖርወይ ዝመጸት ሓንቲ ጉጅለ ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ኣብ መብዛሕትአን ኮለጃትና ድሕሪ ምብጻሕ ኣብ ዝጸሓፍዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ብቕዓቱ ዝሓለወ ትምህርቲ ከም ዝዋሃብ’ዮም መስኪሮም

ኮለጃትና ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝፈልየን ኣሰያይማ ጥራይ’ዩ እምበር፡ ኣብ ደረጃ መጺእካ ዝፈልየን የለን። ክንጅምር እንከለና፡ ትሕት ኢልና ንጀምር ኢልና ኢና ብኮለጃት ጀሚርናዮ። እንተኾነ እዘ’ን ኮለጃት ድሕሪ ምጅማረን፡ ብቀዳማይ ዲግሪን ዲፕሎማን ካብኡ ሓሊፈን’ውን ናይ ድሕረ ምረቓ (ማስተርስ) መደባት ይህባ ኣለዋኣማኢት ዓመታት ዝገበራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ካልእን ክሳብ ሕጂ ኮለጃት እናተባህላ ይስመያ ኣለዋ። ንኣብነት እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝበለጸ ሕክምና ስኒ ዝህብ ኮለጅ፡ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት’ዩ ተመስሪቱ። ክሳብ ሕጂ ድማ “መዲካል ኮለጅ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። እቲ ወሳኒ ነገር እቲ ዝዋሃብ ዓይነት ትምህርቲ’ዩ

ሕቶ: እዘን ኮለጃት ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ርክባት ኣለወንዶ?

ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ፡  ርክባት ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ ኣብ’ቲ ዘድልየካ መዳያት ኢኻ ኣተኲርካ እትሰማማዕ። ስለ’ዚ ምስ ዝተፈላለያ ትካላት፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ዝምድና ኣለና። ከም ኣብነት ምስ “ዩኒቨርሲቲ ሕርሻን ተክኖሎጂን ጆሞ ኬንያታ” ናይ ኬንያ፡ ናይ ኣርባዕተ መዳያት ስምምዕ ተፈራሪምና ኣሎና። ንሱ ከኣ ተማሃሮ ብምስዳድ፡ ብማስተርስን ብዶክትረይትን ትምህርቲ ምሃብ፡ ምልውዋጥ መምህራንን፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ምርምራት ብሓባር ኮይንካ ምክያድ ይርከቦ።

ሕቶ: 90% ካብ ተመሃሮ ኣብ ዝመረጽዎ ዓውደ ትምህርቲ ከምዝኣትዉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዜና ገሊጽካ ኔርካ። መብዛሕትኦም እቶም ልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ፡ ሕክምናን ምህንድ ስናን ዶ ኣይኮኑን ዝመርጹ?

ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ፡  ኣብ እዋን ምርጫ ሓደ ተማሃራይ፡ ኣብተን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኣብ ዘለዋ ምርጫታት እንተድኣ ኣትዩ፡ ኣብ’ቲ ዝደልዮ ምርጫ ኣትዮ’ሎ ኢልና ክንግምግም ንኽእል። እቲ እንጥቀመሉ ኣገባብ፡ ኣብ ብዝሒ ነጥቢ፡ ዝንባለ ዓይነት ትምህርቲ፡ ዘሎና ቦታ ከምኡ ድማ ኣብ’ቲ ምርጫ ናይ ተማሃሮ’ዩ ዝምርኮስ። ድምር ናይ’ዚ ኩሉ ተቐቢልና፡ ኣብ’ቲ ፕሮግራም ኣስፊርና በብዓመቱ ምስ እንርእዮ፡ ክሳብ 90% ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ሰለስተ ምርጫታቶም’ዮም ዝኣትዉ። ስለዚ ኢና ተመሃሮና ኣብ’ቲ ዝደልዩዎ ዓውደ ትምህርቲ ኣትዮም ኣለዉ እንብል።

እቶም ትሕት ዝበለ ነጥቢ ዘምጽኡን፡ ተወዳዲሮም ክዕወቱ ዘይከኣሉን ብመሰረት ነጥቦም፡ ናብ ዘየድልዮም ዓውደ ትምህርቲ ይኣትዉ’ዮም። እቲ ጸገምና መብዛሕትኦም ኣብ ኮለጅ ጥዕናን ምህንድስናን ክኣትዉ’ዮም ዝደልዩ። ኣብ’ተን ጸጋ ዘለወን ሃገራት ዝተፈላለያ ዓይነታት ኮለጃት ስለ ዘለዋን፡ ተማሃሮ ብዙሕ ወጻኢታት ከፊሎም ስለ ዝማሃሩን፡ ዝኾነ ተማሃራይ ናብ’ቲ ዝደልዮ ዓውዲ’ዩ ዝኣቱ። ኣባና ግና መንግስቲ ልዑል ባጀት ብምስላዕ፡ ንዜጋታቱ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ስለዝህብ፡ ምስ ዓቕምን ቀረብን ኢና ክንጓዓዝ ዘለና። ብኡ መሰረት ከኣ’ዩ ተማሃሮ ተወዳዲሮም ኣብ’ቲ ዝደልዩዎ ዓውደ ትምህርቲ ዝኣትዉ።

የቐንየልና ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ።

Received on Sat Oct 17 2015 - 18:35:56 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved