ECSS-Online.com: ጸጥታዊ-ቅርጺ ዓለማዊ ስርዓት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 12 Oct 2015 21:51:48 +0200
ጸጥታዊ-ቅርጺ ዓለማዊ ስርዓት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን
ጥቅምቲ 01, 2008 (12.10.2015)
ጸጥታዊ-ቅርጺ ዓለማዊ ስርዓት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን
 
ድሕረ-ባይታ
 
ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ-ዘመን፡ መመሊሱ እናገደደ ዝኸይድ ቀጻሊ ዕግርግር፡ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ርግጸት ፍትሕን ስእነት ውሕስነት መሰላት ሰብን ገኒንሉ ዘሎ እዋን እዩ። ቅልውላውን ዕግርግርን ካብ ዞባ ናብ ዞባ እናለሓመ፡ ሃልሃልታኡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንዝሰፍሐ ከባቢታትን ህዝብታትን ይልብልብ ኣሎ። ሰፊሕ ዞባታት ናይ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜንን ምብራቓውን ኣፍሪቃ ብኣዕናዊ፡ ግን ከኣ ክውገድ ዝኽእል ኲናት ይሕመስ ኣሎ። ዝሓቶ ዘሎ ሰብኣውን ቁጠባውን ዋጋ ከኣ ዘስካሕክሕ እዩ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝብታት ኣብ ውሽጢ ዓድታቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ። ሚልዮናት ካልኦት ከኣ ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ክዕቆቡ ብኣዝዩ ሓደገኛ ጉዕዞ ይስደዱ ኣለዉ። እዚ ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ፊናንስያዊ ቅልውላውን ካልእን ዘጋደዶ፡ ኣብተን ተቐበልቲ ሃገራት ዘሎ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ስምዒታት ኣብ ዝጓሃሃረሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ከኣ ተወሳኺ ጸገም እዩ።
 
እዚ እናተጠናነገ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ቅልውላውን እናተራብሐ ዝመጽእ ዘሎ ውግኣትን፡ ብርግጽ ዘቤታዊ ኣንፈትን ጠንቅን እኳ እንተለዎ፡ ዝበዝሕ እዋን፡ እዞም ኣብዚ ዘተሓሳስብ ዘመን ዝውልዑን ዝጓሃሃሩን ዘለዉ ውግኣት ብናይ ወጻኢ ኣጀንዳታትን ረብሓታትን ዝምብድበዱ ዘለዉ እዮም።
 
ኣብዚ ዓለማዊ መሪሕነት ተሳኢንሉ ዘሎን ቀወምቲ ኣህጉራውያን ኣዕኑድን መትከላትን ናይ ጸጥታ ዝብሕጎጉሉን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትዉሉን ዘለዉ እዋን፡ ሃጸያዊ ትዕቢትን ዕንደራን፡ ዘይጸዓድ ቦታ ሒዙ ኣሎ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ቀጻልነት ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋእን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። ኣህጉራዊ ሕጊ ድሌታትን ሕልምታትን ናይ ውሱናት ሓይልታት ወይ ወገናት ናብ ምግልጋል ደረጃ ወሪዱ፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ኣስማትን ጉልባባትን ዝውልዑ ናይ ወራርን ዕብለላን ውግኣት ክከላኸል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ጃምላ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ርግጸት ፍትሒን ስእነት ዋሕስ መሰላት ሰብን ብጭካነን ተሓታትነት ብዘይብሉን ኣገባብ ይፍጸሙ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እናገደዱ እውን ይኸዱ ኣለዉ።
 
ሎሚ፡ እቶም ቀወምቲ ናይ ልኡላውነት ህዝብታትን ሃገራትን መትከላትን ልምድታትን ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ንሃገራት ኣብ ኣህጉራውን ክልተኣውን ዝምድናታተን፡ ንባህርያተንን ጠባያተንን ዝገዝኡን ዘመዓራርዩን ዓንድታት ካብ ምዃን ዓዲ ውዒሎም እዮም። እዚ ኣንፈት’ዚ ኣንጻር’ቲ ንምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላም ዝምልከት መሰረታዊ መትከል ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ማዕረ መሰላትን ርእሰ-ውሳኔን ህዝብታት፡ ልኡላዊ ማዕርነት ኣባል ሃገራት፡ ኣባል ሃገራት ንመሬታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ናይ ዝኾነት ሃገር ብሓይሊ ካብ ምግሃስ ክቑጠባ ዝብሉ መትከላት ኣብ ዓንቀጽ 1.1፡ 1.2 ከምኡውን ኣብ 2.1ን 2.4ን ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሪቖም ዘለዉ እዮም። እዞም መትከላት እዚኣቶም ኣብ ሕግታት ካልኦት ክፍለ-ዓለማውያንን ዞባውያንን ውድባትን ማሕበራትን እውን ብእዉጅ ዝሰፈሩ እዮም። ይኹን’ምበር፡ ብዙሓት ፍጻመታት ናይዚ ዘለናዮ እዋን ከም ዘነጽርዎ፡ ገለ ሓይልታት ነዞም ዘይሕከኹ መትከላትን መሰላትን’ዚኣቶም ንምጥምዛዝን ግብራውያን ከምዘይኮኑ ንምግባርን፡ ልዕሊ ሕጊ ከይዶም ካብ ዝጨውዩዎም ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።
 
ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዑላውነት ህዝብታትን ሃገራትን ዝተሰረተ እዩ። ናጽነት፡ ልኡላውነት፡ ሓድነትን መሬታዊ ሓድነትን፡ ብጹኣት መሰላት ናይ ህዝብታት እዮም። ነዞም መትከላት’ዚኣቶም ደይ መደይ ኢልካ ምጥሓስ ድማ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ጥራይ እዩ ዘምርሕ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ዕግርግር እዋን፡ እዞም ዝተሓላለኹ ተርእዮታት ይዓርጉ እዮም ዘለዉ።
 
ካልእ ተዛማድን ኣካታዕን ሕቶ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ምርጫ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓታ ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ እቶም ወሰንቲ መን እዮም? ነዞም ጉዳያት’ዚኣቶም ንምውሳን መሰረታዊ መሰል ወይ ስልጣን ዘለዎ መን እዩ? እዚ ናይ ፍልስፍናዊ ወይ ኣካዳምያዊ ‘ዲስኩር’ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ሕመረታዊ ሕቶ ዝስትውዓለሉን ዝምጎተሉን ኣገባብ፡ ኣብ ስርዓተ-ህንጻ ኣህጉራዊ ጸጥታን ኣብ ጠባያት ናይቶም ዓለማውያንን ዞባውያንን ተዋሳእትን፡ ኣብ ማእለማ ናይቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ዝምድናን ከቢድ ጽልዋታት ኣለዎ።
 
ኣብዚ፡ እቲ ማእከላይ ነጥቢ፡ ኣብ ኩሉ ዘስርሕ ኣድማሳዊ ቅድታትን ወርቃዊ መለክዕን ናይ ፖለቲካዊ ስርዓታት ዘይምህላው እዩ። ንኹሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኩለን ሃገራት ክብየን ዝኽእል ሓደ ዓቐን ዘለዎ ስርዓት የለን። እዚ ነቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ዝግደፍ ልኡላዊ መሰልን ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያን እዩ። ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት ክመርጽን ከስገድድን ሞራላዊ በሪኽ ባይታ፡ መሰል ወይ ውክልና ዘለዎ ናይ ደገ ሓይሊ ወይ ትካል የለን። ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘሎ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ገጽ-መሬት ብብሩህ ስእሊ ንምርዳእ እምበኣር፡ ንግዜኡ ነቲ ዘይድህሰስን ክልሰ-ሓሳባውን ‘ዲስኩር’ ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ግብራዊ ኣብነታት ምጥቃስ ሓጋዚ ክኽውን ይኽእል።
 
ኣብዚ ነጥቢ’ዚ፡ ርትዓውነትን ተግባራውነትን ናይቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኔዘርላንድስን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን ዘሎ ዘውዳዊ ቅርጽታት ኣብ ሕቶ ከነእትዎ ኣገባብ ድዩ? ስዑዲ ዓረብ፡ ባሕረይን፡ ዮርዳኖስን ሞሮኮን ንግስነታት ይኹና ኣይኹና መን ይውስን? ቅኑዕ እዩ ወይ ኣይኮነን ኢሉ ዝውስን መን እዩ? ብተመሳሳሊ፡ ዖማን ሱልጣናዊት ክትከውን መን ይውስን? ኩወይት፡ ኢማራት፡ ቐጠር፡ ኢማራታውያን ክኾና መን ይውስን? ሃገራት ሪፓብሊካዊ፡ ፈደራላዊ ወይ ኮንፈደራላዊ ኣቃውማ ክህልወን ዘይክህልወን ዝምድብን ብእኡ ዘጠምቐንን ኣድማሳዊ መዐቀኒ ኣሎ ድዩ? ኣብ ሓደ ሃገር ርእሰ-ማላዊ ወይ ማሕበርነታዊ ስርዓተ-ቁጠባ ክህሉ መን ይውስን? እንኮ-ሰልፋውን ብዙሕ-ሰልፋውን ስርዓታት ክቐውም ዘይክቐውም መን ይውስን? ቻይና እንኮ-ሰልፋዊ፡ ኣመሪካ ማንታ-ሰልፋዊ ክኾና መን ይውስን? እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ።
 
እቲ ማእከላይ መልእኽቲ ግን ሓደ እዩ። እዚኣቶም ነቶም ዝምልከቶም ህዝብታት ዝግደፉ ልኡላዊ መሰላትን ምርጫታትን እዮም። ናይ ወጻኢ መሻርኽቲ፡ ንንኣሽቱ ይኹና ዓበይቲ፡ ሃብታማት ይኹና ድኻታት ሃገራት ፖለቲካዊ ቅርጽታት ክእዝዙለን መሰል ይኹን ስልጣን የብሎምን። እቲ ሃቐነ ብተንኮል ድዩ ብግርህና ዝብል ሕቶ ኣገዳሲን ምስዚ ጉዳይ’ዚ ዝተኣሳሰርን ኣይኮነን። እቲ ኣገዳሲ፡ ካብዚ ሓቂ’ዚ ወጺእካ ምህውታት፡ ንመትከላት ሰላማዊ ሓባራዊ ህላወ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ቀጻሊ ዕግርግርን ግጭትን ዘሳውርን ጥራይ ምዃኑ ምርዳእ እዩ።
 
ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሰል ህዝብታትን ሰባትን
 
ኣብ ዘመናት ናይዚ ዞባ ታሪኽ፡ ሃገራት ከምዚ ሎሚ እንፈልጠን ከይቆማ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ‘ኣይግዛእን፡ ኣይርገጽን!’ ሓርበኝነት፡ ስኑድን ዘሐብንን ታሪኽ እዩ። እዚ ንባዕዳውያን ኣይግዛእን ናይ ምባል ሓርበኛዊ ተቓውሞ፡ ኣብዚ ዞባ ኣንጻር ሰራዊት መስፋሕፋሕቲ መሳፍንቲ ከምኡ’ውን ካብ መበል 15 ክሳብ 19 ክፍለ-ዘመን ኣንጻር ወራራት ግብጽን ቱርኪን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
እዚ ዘዅርዕ ታሪኽ ሓርበኝነትን ጅግንነትን፡ ኢጣልያ ንዶባት ኤርትራ ወሲና ንኤርትራ ግዝኣታ ምስ ገበረታ እውን ቀጺሉ እዩ። ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ጣልያን፡ ምእንቲ መሰላቶም “ኣይንግዛእን!” ኢሎም ዝተረሸኑን ዝተሓየሩን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሮማን ኣዲስ ኣበባን ሴፎም ዘልዓሉን ቦምባ ዝደርበዩን ጀጋኑ፡ ውሑዳት ኣብነታት እዮም።
 
ኢጣልያ ኣብ 1941 ብሓይልታት ኪዳን ተሳዒራ፡ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምብቅዑ፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ልዑላውነትን፡ በታ ሽዑ ዓብላሊት ዝነበረት ኣመሪካ “ናጽነት ኤርትራ ኣንጻር ስትራተጂያዊ ረብሓና እዩ” ተባሂሉ ከምዝተዀልፈ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራን ሃገራት 20 ክፍለ-ዘመንን ካብ ዝተፈጸመ ምግሃስ ኣህጉራዊ ሕግን ምግሃስ መሰል ሰባትን ሓደ እዩ።
 
ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ በቲ መሰሉ ንምኽሓድ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ዓመጽ ኣይተምበርከኸን። ኣንጻር ድሌቱ ብሓይሊ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከምዝቑረን ምስተገብረ፡ ምስናይ ውህደቱን ሓይሉን፡ ድምጹ ንምዕባስ ዝተኻየደ ሸርሕን ጭፍለቓን፡ ሰላማዊ ተቓውሞኡ ከየሰልከየ ን20 ዓመታት ኣብነታዊ መኸተኡ ንሃገራውን ሰባውን መሰላት ኣመስኪሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ብዘይካ ንዓመጽ ብሓይሊ ምግጣም ካልእ ምርጫ ስለዘይነበሮ፡ ሕጋዊ ሰላማዊ ተቓውሞኡ ብሓይሊ ጭፍለቓ ንምጽዓዱ ኣብ ዝተሃቀነለን ክልተ ዓሱረ-ዓመት ኢዱ ከይሃበ፡ ቃልሱ ምእንቲ ሕጋዊ ሃገራዊ መሰሉ ንምቕጻል፡ ኣብ መስከረም 1961 ዕጥቃዊ መኸተ ኣበጊሱ።
 
ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናት፡ ካብ ቅድሚ 1961 ክሳብ 1974 ኣመሪካን ሰብ ኪዳናን፡ ካብ 1974 ክሳብ 1991 ድማ ሕብረት ሶቭየትን ሰብ ኪዳናን፡ ተበራርዮም ገዚፍ መግዛእታዊ መኪና ወኪል ሓይሊ ነዲቖም፡ ንሓደ ንእሽቶ ህዝቢን መሰላቱን ንምድሃኽ ኣብ ዘካየድዎ ወራራት፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሕጋዊ መሰላቱ ክምህ ከይበለ መኪቱ፡ ተዓዊቱ፡ ቅያ ታሪኽ ኣብ መሰል ህዝብታትን ሰባትን ሰሪሑ እዩ። ብሓያል መኸተኡ ምሉእ መሬቱ ሓራ ምስ ኣውጽአ እውን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምኽባር፡ ናብ በይናዊ ኣዋጅ ናጽነት ከይተደናደነ፡ መሰሉ ንናጽነትን ልዑላውነትን ብመንገዲ ረፈረንደም ኣብ 1993 ብምርግጋጽ፡ ነቕ ዘይብል ፖለቲካዊ ባህልን መትከልን ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን መሰል ህዝብታትን ክስርት ክኢሉ እዩ።
 
ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብጅግንነትን መስዋእትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ክልተ ወለዶታት ብዝዀስኰሶ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ነታ ነዊሕ ተጓዒዙ ዘረጋገጻ ሃገረ ሓርነትን ልዑላውነትን፡ ነቲ ውርሻ እትበቅዕ፡ ብዘይ ዕብለላን ዝምታን ጊልያነትን ግዳማዊ ምትእትታውን ሸርሒታትን፥ ሓቀኛ ናጻን ልዑላዊትን ውህድትን ሃገር ንምህናጽ እኳ እንተተበገሰ ናይ ክልተ ወለዶታት ተጻብኦ ግን ኣየዕረፈን።
 
ናይ ታሪኽን ግዜን ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱን ልዑላውነቱን ዝጨበጠሉ እዋን፡ ኣብ ሚዛንን ኣቃውማን ዓለማዊ ሓይሊ ገዚፍ ምቅይያር ዝተራእየሉ እዋን እዩ ነይሩ። ዝሑል ኲናት ዘኽተመሉ እዋን ብምንባሩ፡ ስርዓት ሕብረት ሶቭየት ተሳዒሩ ተባሂሉ፡ ኣመሪካን ሰብ ኪዳናን “ተዓዊትና!”፡ “እንኮ-ቑጥባዊ ዓለም ክንሃንጽ ኢና” ናብ ዝብል ዓንዳሪ እምነት ዘሊሎም። በዚ እምነት’ዚ ድማ፡ ንዕቀትን ርግጸት ኣህጉራዊ ሕግን ንምንጋስ፡ ጸጋታት ህዝቢታት ዓለም ንምብሓትን ምምዝማዝን፡ ንዓለም ኣብ ዞባታት ጽልዋ ከፋፊሎም፡ ናይ ዞባታት ጽልዋ (መልሕቓት) ወኪላት ሰዪሞም፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዞባውያንን ዓለማውያንን ውድባት ከም መጋበርያ መሓውር ዓብሊሎም፡ ዓንዳሪ ስስዐኦም ንምርዋይ፡ ብምስሉይነትን ሓሶትን ምስምሳት እናፈሓሱ ብታህዲድን (black mail) ጭፍለቓን ወራርን ኣጋሊቦም። እዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ቅልውላዋትን ዘይርግኣትን ህልቂትን ዕንወትን ብምስባብ፡ ናይ ርግጸት ኣህጉራዊ ሕግን መሰላት ሰባትን ጎባልል (champions) ዝኾንሉ እዋን እዩ ነይሩ።
 
ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝሰዓበ ሓድሽ ኣህጉራዊ ስርዓት፡ ኣብ ሓባራዊ ሰላማዊ ህይወትን ኣህጉራዊ ውህደትን ዝተሰረተ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ቅሉዕ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ብስስዐ ዓለማዊ ጸጋታት ምግባት፡ ንዓለም ንጸቢብ ረብሓታትካ ብዘሳሲ መንገዲ ናብ ናይ ጽልዋ ዞባታት ምምቕቓል . . . ልሙዳት ኣካዪዳ ናይዞም ሓደስቲ ተዋሳእቲ ዓለም ኮይኖም።
 
ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ህዝብታትን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቀጻሊ ተጻብኦ እምበኣር፡ ኣብ ክሊ ናይዚ ዓንዳርን ዝንቡዕን እምነትን ፖሊሲታትን ዝረአ እዩ።
 
ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ እኩይ ተጻብኦታት ብዝምልከት፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምጥቃስ ጥራይ እኹል ስእሊ ዝህብ እዩ።
  1. ህዝቢ ኤርትራ ንህንጸት ሃገር ተበጊሱ ብዙሕ ከይሰጎመ፡ ኣብ ታሕሳስ 1995 ብወኪላቶም ኣብ የመን ዝተበገሰ፡ ሕጋዊ መግዛእታዊ ውዕላት ዘየሳሰዮ፡ ቀዲሙ ተላዒሉ ዘይፈልጥ፡ ናይ ባሕራዊ-ዶብ ቅልውላው (“ግጭት ሕኔሽ” ዝተሰምየ) ድሕሪ ምፍጣር፡ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ እውን ብምትእትታው፡ ሰበብ ወጥርን ዘይምርግጋእን ኣንጺፎም። መንግስቲ ኤርትራ፡ ዓሎቕ እናተራእዮ፡ ምእንቲ ዞባዊ ርግኣት፡ ውዕላት ኣኽቢሩ ነቲ ውዲት ሓሊፍዎ።
  2. ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣብ ግንቦት 1998፡ በቲ ዞባዊ ወኪሎም ክኸውን ዝቘጸርዎ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ብግጭት “ባድመ” ዝፍለጥ፡ ዝኾነ ሕጋውን መጎታውን ምኽኑይነት ዘይነበሮ ቅልውላው ዶብ ኣበጊሶም፡ ወተሃደራዊ ወራራት መሪቖም፡ ንክልተ ዓመታት፡ ብደማዊ ኲናት፡ ወጥርን ህልቂትን ዕንወትን ከምዝነግስ ገይሮም።
  3. ኣብ 2000 ነቲ “ግጭት” ፍርዳዊ መዕለቢ ንምግባር፡ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ክኸውን ውዕል ብዝተፈረመሉ መሰረት፡ ዳናዪ ኣካል ቆይሙ፡ ንኽርክር ዘይርሖ ውሳኔኡ ኣብ 2002 ሂቡ። እቲ ግጭት ከኣ በቲ ውሳኔ ከኸትም ነይርዎ።
  4. እቲ ጉዳይ ንሃንደስቱ፡ ናይ ዶብ ሽግር ኣባሪዕካ ምዕላብ ዘይኮነ፡ ዘይዓርፍ (perpetual) ወጥሪ ምፍጣር ስለዝነበረ፡ እቲ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ተነጺጉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ጸጥታኡን ሓላፍነቶም ከየልዕሉ ተቐዪዶም፡ ወራር ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ን13 ዓመታት ቀጺሉ ኣሎ።
  5. ዶባዊ ቅልውላዋት እናኾመርካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሩፍታ ረኺቡ ህንጸት ሃገሩ ከየሰላስል ጅሆ ንምሓዙ፡ ናይ የመንን ኢትዮጵያን “ዶባዊ” ህውከት ሸውሃቶም ስለዘየጽገበ፡ ናይ ጅቡቲ-ኤርትራ ህውከት ዝበልዎ፡ ብመንግስቲ ጅቡቲ ኣበጊሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኩነኔ ኣዊጆም፡ ኲናት ኣባሪዖም፡ ከም መሳበቢ ዞባዊ ቅልውላው ክሓላልኽዎ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ዘይምልከቶም ምትእትታዋት ክህቅኑ ጸኒሖም ኣለዉ።
  6. ኩሉ’ዚ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝረገጸ ወራራትን ብቐጻሊ ዘሰነዮ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ሸርሒታትን፡ ንመኸተ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንሃገራውን ሰባውን መሰላት ስለዘየጽዓደ፡ መኸተን ርእሰ-ምክልኻልን ህዝቢ ኤርትራ ንምልሕላሕን ኣቓልቦ ዓለም ንምጥዋይን ተባሂሉ ብዝተፋሕሰ ሓሶት፡ ኣብ ቅድመ-ልደት 2009 ብሓደ መዓልቲ፡ ብዘስደምም ድራማቲካዊ ምድንጋር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ፡ ዝኾነ ሕጋዊ ባይታን መርትዖታትን ዘይብሉ “እገዳ” ከምዝብየን ተገይሩ። እዚ’ውን ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ተነጺጉ፡ ተመኪቱ።
  7. እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፡ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕልና ፍትሒ ክምህ ስለዘይበለ በቲ ሓደ፡ ሸውሃት ወረርትን ገሃስቲ ኣህጉራዊ ሕግን ስለዘየዕገበ ድማ በቲ ካልእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ “ፍልሰት ሰባት” ተበዪኑ፡ ብትካላት ስለያ ብዝተራቐቐ ውጥን ዝምወልን ዝእለን ውዱብ ዓለማዊ ገበን፡ ምስናይ ጽዑቕ መደናገሪ ፕሮፓጋንዳኡ ኣብ መስርሕ ይርከብ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝምልከቶም ወገናትን ግዴታኦም ከየልዕሉ ከኣ ተዓፊኖም ይዕዘቡ ኣለዉ።
ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ጻውዒቱ ንመኸተ ምእንቲ መሰል ህዝብታትን ሰባትን
 
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብወራርን ምትላልን ምስይጣንን ታህዲዳትን ሸርሒታትን ከይተሰናበደን ከይተዓግተን፡ ከምቲ ንወለዶታት ዘመስከሮ ጽንዓት፡ መኸተኡ ምእንቲ ልዕልና ሕግን ፍትሕን መሰላት ህዝብታትን ሰባትን፡ በዚ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንዓለም “ብሕግታት ጫካ” ንምግዛእ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ዓንዳሪ ጸወታታት ተሪሩ እምበር ኣይሰነፈን።
ህዝብታትን መንግስታትን ዓለም፡ ነዚ ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት፡ ኣህጉራዊ ሕግን ፍትሕን ናብ ዝገዝኦ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት መበል 21 ክፍለ-ዘመን ንምቕያሩ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ጸጥታኡን ካልኦት ዓለማውያንን ዞባውያንን ውድባትን ቅርጻዊ ምትዕርራይ (structural reform) ክካየደሎም ምጥላቦም ሃንደበት ዘይኮነ፡ ንኹሉ ህቀናታት “ሕግታት ጫካ” ስለዝነቕሕሉ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ህዝብታት ዓለም ብሓፈሻ፡ ህዝብታት ዞባና ከኣ ብፍሉይ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኩለን ኣባል ሃገራቱን፡ ኣህጉራዊ ሕግን መባእታውያን መሰላት ህዝብታትን ሰባትን ዝኽበረላ ዓለም ንምፍጣር፡ “ሕግታት ጫካ” ንምንጋስ ዝካየዱ ህቀናታት ንምግታእን ንምእላይን፡ መኸተኦምን ምሕዝነቶምን ከሐይሉ፡ ጻውዒት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እዩ። 
 
 
 
Received on Mon Oct 12 2015 - 15:51:49 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved