Tigrigna.Voanews.com: ሃዋሁ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናበይ ገጹ ይእንፍት? (1ይን 2ይን ክፋላት)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 10 Oct 2015 00:20:46 +0200

ሃዋሁ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮጵያን ኤርትራን (1ይ ክፋል)

Ethiopia - Eritrea
 
Ethiopia - Eritrea

ኣይሰላም ኣይኹናት ሃዋሁ ኤርትራን-ኢትዮጵያን፣ንክልቲኦም መንግስታት ዘይፍታሕ ፀገም ካብ ዝኾኖም ዓመታት ተቖፂሩ’ሎ። ኣብ’ዚ ቅነታትን ኣዋርሕን ግና ክልቲኦም መንግስታት ነናይ ባዕሎም መግለፂታት እናሃቡ’ዮም ፀኒሖም።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ቅድሚ ኣዋርሕ ‘ኤርትራ ንህድኣት’ቲ ዞባ ሓደጋ ምኻና እንተቐፂላ ስጉምቲ ንክንወስድ ክንግደድ ኢና።ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣፍሊጥና ኢና’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ። ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ መግለፂ ዘውፀአ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ‘መግለፂታት ፈኸራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ኤርትራ ከሪሙ’ሎ።ካብኡ ሓሊፉ ኢትዮጵያ ‘ኹናት ክንከፍት ኢና፣ናይ ኣሜሪካ ሓምላይ መብራህቲ ረኺብና’ለና’ ከምዝበለት ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንክዘራረቡ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ኣቶ ሃይላይ ሓድጉ ካብ መቐለ፣ ኣቶ ዮሃንስ ክፍሌ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ’ዮም።

ክትዕ ክልተ ኣጋይሽ

1: http://tigrigna.voanews.com/audio/2954375.html

*************************************************************************

ኩነተ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ናበይ ገጹ ይእንፍት? 2ይ ክፋል

 ኩነተ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮ-ኤርትራ
ኩነተ ኣይሰላም ኣይኹናት ኢትዮ-ኤርትራ

ብመሰረት ኣብ’ዚ ቀረባ ዝወፀ መግለፂ ሚኒስቴር ዜና ኤርትራ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መጥቃዕቲ ክትፍንው ትኽእል’ያ’ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ግን ንክሲ ኤርትራ ይነፅጉዎ።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ኤርትራ ብጠንቂ ትኽተሎ ኣላ ዝበልዎ ተፃባኢ ተግባራት፣መጥቃዕቲ ክንፍንው ንኽእል ኢና’ ከምዝበሉ ይፍለጥ። ናይ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ’ውን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ነቲ መጠንቀቂ'ቲ ደጊሞሞ’ለው።

ኹናትን ወረ ኹናትን ናበይ ዘብፅሕ’ዩ? ኩነታት ኣይሰላም ኣይኹናት ከመይ ገይርካ ይሰገር? ኣብ ዝብል ክካትዕሉ ንክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።

ኤርትራዊ ዮሃንስ ክፍሌ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላ ስለዝኣተወት፣ምስ ኤርትራ ናብ ኹናት ትኣትወሉ ዕድል ኣሎ ክብል ከሎ፣  ኢትዮጵያዊ ሃይላይ ሓድጉ ግና ኢትዮጵያ ኣብ ካልእ ዋኒናት ልምዓት ተፀሚዳ ስለዘላ ንኹናት ጊዜ የብላን ይብል።

ክትዕ ክልተ ኣጋይሽ
2: http://tigrigna.voanews.com/audio/2995786.html
Received on Fri Oct 09 2015 - 18:20:47 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved