(VOA Tigrigna-Audio)ቪኦኤ ምስ ኣብ ሪችመንድ ዝተሳተፈት ሃገራት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 30 Sep 2015 15:55:16 +0000 (UTC)

ቪኦኤ ምስ ኣብ ሪችመንድ ዝተሳተፈት ሃገራት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ


ደገፍቲ እታ ንመጀመርያ ጊዜ አብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ውድድር UCI ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ናይ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን አተኩሮ ክስሕቡ ቀንዮም።


ዋሽንግተን ዲሲ—“ነቲ ካብ 70 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 1000 ዝኮኑ ተወዳደርቲ ንምድጋፍ ካብ ኩለን ሃገራት ዝመጹ ደገፍቲ አብቲ ቦታ ውድድር አለዉ። ነቶም ኤርትራዊያን ደገፍቲ ግን ንምልላይ ኣይትጽገምን ምክንያቱ ነቲ ብባንዴራ ኤርትራ ዘሸብረቀ ክዳውንቶምን ዝሓዝዎ ባንዴራን ጎሊሑ ዝለዝረአ” ክብል ጽሒፉ ሳይክሊን ዊክሊ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ።ብተወሳኺ እቲ መርበብ ሓበሬታ እቶም ንውድድር ብሽክለታ ብምድጋፍ ዝፍለጡ ዳች`ኳ ነዚ ናይ ኤርትራዊያን ደገፍን ሞራልን ኣይወዳደርዎን’ ዮም ኢሉ።
“ኤርትራዊያን ተወዳደርቲ እንተተዓዊቶም ጽቡቕ እንተዘይተዓዊቶም’ውን ንሕና ሕቡናት ኢና” ይብል ካብ`ቶም አብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ደጋፍቲ ሓደ ዝኾነ ዳዊት ሃይለ።

መክሰብ ደበሳይ ንቬሎ ኒውስ አብ ዝሃቦ ቃል አብ ዓለምለኻዊ ውድድር ምስቶም ፍሉጣት ተወዳደርቲ ምስታፈይ ዓቢ ተሞክሮ’ዩ ኢሉ። መክሰብ ደበሳይ ብዘመዝገቦ ተደጋጋሚ ነጥቢ ንሃገሩ ዘጸወዓ ተወዳዳይ ክከውን ከሎ አብ ትሕቲ 23 ዕድመ አብ ዝተገብረ ውድድር መርሃዊ ቅዱስ መበል 11 ብምኳን ውድድሩ ዛዚሙ`ሎ። “ቅድመይ ዝነበሩ ብምውዳቖም መንገዲ ተዓጺዩኒ ኔሩ`ዩ” ይብል መርሃዊ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ።

መርበብ ሓበሬታ ዋሺንግቶን ፖስት ብወገኑ “ደገፍ ኤርትራዊያን አብ ውድድር UCI ገለ ካብቲ ዓበይቲ ፍጻሜታት ናይ’ዚ ሰሙን እዩ፡ ነቲ ውድድር ክፍጽም ዘይከአለ መክሰብ ደበሳይ’ውን አብ መወዳእታ ናይቲ ውድድር አብ መንኮቦም ሓዚሎም ደገፎም ክገልጹ ተራእዮም’ዮም” ክብል ጽሒፉ`ሎ።

ኣሰልጣኒ`ታ ጋንታ ሳምሶን ሰለሞን “ኣብ ፖዲዩም እንተዘይደየብና`ኳ፡ ብጋንታን ሃገርን ደረጃ ኣብ ዓለማዊ ሻምፒዮና ዘመዝገብናዮ ዓወት ንቕድሚት ዝደረኸና`ዩ” ኢሉ ።

ፕረዝደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ኣስመሮም ሃብተማርያም ብወገኑ “ 80 ዓመት ዘቑጸረ ታሪኽ ብሽክለታ ኤርትራ ገና ፈልፋሊ`ዩ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ምዝጉባት ተቐዳደምቲ ኣለዉና “ ኢሉ።

ገለ ካብ ንዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታት ርእይቶም ዝሃቦ ኤርትራዊን ደገፍቲ ድማ ራእሲ ማህራይ ከምዚ ይብል “ንዓይ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን ስለዝኾነ’ከአ አብዚ ዘለኹ።”

“ሪችሞድ ገና ትምዕብል ዘላ ከተማ’ያ ፡ ህዝቢ አሜሪካን ህዝብናን ድማ ብዙሕ ተመሳሰልለት አለዎ፡ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ተቀበልቲ ጋሻ’ዮም” ኢሉ ሳይሞን ማሮቲ።

አብቲ ካብ መስከረም 19-27,2015 አብ ሪችሞን ክፍለ ግዝአት ቨርጂንያ ዝተካሄደ ዓለምለኻዊ ውድድር ብሽክለታ ዝተሳተፉ ኤርትራዊያን ተወዳደርቲ መክሰብ ደበሳይ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል ኢዮብ፡ ዮናስ ተከስተን አማኑኤል ገብረእግዚአብሄርን’ዮም።

አብ ክሪስታል ሲቲ ሸራተን ሆቴል ዝተካየድ ናይ ምፍናው ስነ-ስርዓት ተወልደ ወልደገብሬል ተረኺቡ ነቶም ኣባላት ጋንታ አዘራሪብዎም አሎ፡

ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡


ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ አብ ሪችሞንድ ዝለዓለ ትኩረት መራከቢ ብዙሓን ይስሕቡ

http://tigrigna.voanews.com/content/eritrean-cyclists-fans-in-richmond-virgina/2984472.html
Received on Wed Sep 30 2015 - 11:58:07 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved