ኤርትራዊያን ካብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ኣንጻር ብስም መሰል ደቂ ሰባት እና ተባህለ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንዝዋደድ ዘሎ ውዲት ዝቃወም ድምጾም ይህቡ ኣለው...

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 27 Dec 2015 10:17:04 +0000

ኤርትራዊያን ካብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ኣንጻር ብስም መሰል ደቂ ሰባት እና ተባህለ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ
ንዝዋደድ ዘሎ ውዲት ዝቃወምን፤ ቅድም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝተበየነ ዘይፍትሓዊ እገዳ ክላዓል፤ ገና
ውን ብዝሓየለ መልክዑ ብስም መሰል ደቂ ሰባት እና ተባህለ ዝዋደድ ንዘሎን ብቀጻሊ ዝተፍላለዩ ኣርእስትታት ብምልዓል ኣብ
ባይታ ኤርትራ ዘየለ ዓመጻት ከም ሕሉው ኣምስልካ ንምቅራቡ፤ ብመገዲ ሂማን ራይት ራፓርተር ንዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን፤
እንተ ተካእለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብሩ ኤርትራዊያን መንእሰያት ንምግጋይን፤ ምስ ሃገሮምን ሕዝቦምን ንምብታክ ዝካየድ
ዘሎ መዘና ኣልቦ ሕሱር ውዲት፤ ብቅጽበት ደው ክብልን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጐኒ ናይ'ዚ ሸሪሒ ግዳይ ኮይኑ ዝርከብ
ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ደው ክብልን፤ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሃላፍነቱ ክስከምን መባእታዊ መሰል ሃገርን
ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከክብር፤ ስርዓት ወያነ ወሪሩ ካብ ዝሓዞ ሉአላዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ከስገድድን፤ ብመገዲ
ሂማን ራይት ራፓርተር ብቀጻሊ ዝቀርብ ዘሎ ጭብጢ ኣልቦ ንዝኮነ ጸብጻባትን ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ደወ ከብል ዝጽውዕ ኢዮም
ድምጾም ብምሃብ ስሚዕታቶምን ቁጥዖኦም ዝገልጹ ዘለው።

በዚ ኣጋጣሚ ገና ድምጽኩም ዘየመዝገብኩም ኣብ ተዳሊልኩም ዘሎ መውሃቢ ድምጽን ሪኢቶን ድምጽኩም ከተመዝግቡን ሪኢቶኩም
ከተስፍሩ መታን ክትክእሉ ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ጠውቁ -
http://www.ipetitions.com/petition/call-to-petition-to-all-eritreans-and-friends
<http://www.ipetitions.com/petition/call-to-petition-to-all-eritreans-and-friends?utm_medium=email&utm_source=system&utm_campaign=Send%2Bto%2BFriend>





S2a21obyYFfe.png
(image/png attachment: S2a21obyYFfe.png)

Received on Sun Dec 27 2015 - 05:17:04 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved