“ንስንኩላን እንገብሮ ሓገዝን ምድግጋፍን፡ ሓበን ዝፈጥር’ዩ”ኤርትራዊያን ተቀማጦ ከተማ ሽቱትጋርት.."ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 19 Dec 2015 13:31:43 +0000

ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት – ጀርመን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ምስ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ
ብምትሕብባር፡ ንስንኩላን ወገናቶም ዝገብርዎ ምድግጋፍ ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ፡ ብኣጋጣሚ 3 ታሕሳስ – ኣህጉራዊ መዓልቲ
ስንኩላን ኣብ ዝገበርዎ ናይ ዝኽሪ መደብ ኣረጋጊጾም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንስንኩላን ዝህቦ ክብሪ
ረዚን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርትን ካልኦት ከተማታት ጀርመንን ዝርከቡ ዜጋታት ንሓርበኛታት ስንኩላን
ዝገብርዎ ሓገዝ ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

“ንስንኩላን እንገብሮ ሓገዝን ምድግጋፍን፡ ሓበን ዝፈጥር’ዩ” ድሕሪ ምባል ሓላፊ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን
ኲናት ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ብወገኑ፡ እቲ ንጥፈት ዝህቦም ዕግበት ንዝያዳ ስራሕ ድርኺት
ከምዝፈጥረሎም ሓቢሩ። ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ሽቱትጋርት፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት
ጀርመን ዝተኣከበ ኣብ ረብሓ ስንኩላን ወገናቶም ዝውዕል ብሽግለታታት፡ ፍርናሻት፡ ናይ ስፌት መካይን፡ መሳርሒታት
ሕክምና፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዓላ ስንኩላን ዝውዕል ካልእ ንብረት ዝሓዘ 6 ኮንተይነራት ናብ ኤርትራ ክለኣኽ ድልው
ከምዝገበረ ይፍለጥ።
ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/




HfXSt3jjU9uM.jpg
(image/jpeg attachment: HfXSt3jjU9uM.jpg)

Received on Sat Dec 19 2015 - 08:31:43 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved