(ቪኦኤ ትግርኛ / ቃለ-መጠይቕ )ዳንኤል ተክለሃይማኖት ምስ ዲምጺ አሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 18 Dec 2015 22:48:31 +0000 (UTC)

ዜና

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ናይ 2015 ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ብሽክለተኛ ኾይኑ ተመሪጹ


ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ኣንበሳ ዓቐብ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ናይ`ዚ ዓመት 2015፡ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተወዳዳራ ተባሂሉ ተመሪጹ።


19.12.2015 01:32

ዋሽንግተን—
ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ MTN Qubeka ዝጻወት ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ዓለም-ለኻዊ ውድድር ቱር-ዲ ፍራንስ ኣንበሳ ዓቐብ ዘጸወዖ ማልያ ከምዝወደየ ይፍለጥ።

ኣብ`ቲ ብዙሓት ተወዳደርቲ ዝተሓጸይሉ ዝበለጸ ተወዳዳሪ ንምምራጽ ዝተኻየደ መስርሕ፡ ካልኦት ሰለስተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያውን ዝተሓጸዩ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተክለሃይማኖት ቀዳማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ወዲ ጋንትኡ ሊዊስ መይንጀስ ካልኣይ ወጺኡ`ሎ።

ዳንኤል ተክለሃይማኖት ምስ ዲምጺ አሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ናይ 2015 ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ብሽክለተኛ ኾይኑ ተመሪጹ

http://tigrigna.voanews.com/content/eritrean-cyclist-daniel-teklehaymanot-best-african-cyclist-of-2015/3109425.html
Received on Fri Dec 18 2015 - 17:48:31 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved