TesfaNews: ብኢዱ ንጸሓይ ዝኽውል፡ ንሓቂ ብዓሎቕ ዝብልል፡ ሓያል የልቦን!! ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፡

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 11 Dec 2015 21:22:34 +0100
ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

  •  
  •  
  •  
  •  
  •  
  •  
  •  
  •  

ለቃ ስታፍ ስርሒታት ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ፡ እንሆ ሕጂ! ሕጂ! የውክእ ኣሎ። ንበይኑ ዘይኮነ፡ ምስቶም ኣብ ዝባና ዘይሕጋውን፡ ዘይፍትሓውን ዝተስገደደ እገዳ ክጸንዓነና እንከሎ ተዓዘብትን ደገፍትን ዝነበሩ ኣካላት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ምስ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ኢዩ ናብ ማእከል ዕደና ወርቂ ብሻ ዝበጽሕ ዘሎ።

ነዚ ብኣካል ናብ ማእከል ዕደና ወርቂ ብሻ በጺሐ፡ ናይ ዓይኒ ምስክርነተይ ይህብ ኣለኹ ዝብል ዘሎ፡ ናይ`ታ ዓባይ ዓለምና ዝኾነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተወካሊ ኣብ ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ቃል ምስክርነት፡ ኣብ ቅድሚ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝወሃብ ዘሎ ምስ ምዃኑ፡ እታ ንወርሒ ሰነ 2016 ጽሟቕ ጸብጻብ ብምቕራብ፡ ንኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ንምጽዓን፡ ተኣንጆት! ተሸበሸብ! እትብል ዘላ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተባሂላ ዝተሰመየት ጉጅለ፡ ድሕሪ እዚ ቓል ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ እንታይ ኮን ክትምህዝ ኢያ? ንሕና ኤርትራውያን ከኣ፡ በዚ ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ሂብዎ ዘሎ ቃል ምስክርነት ተነይትና ዲና በቃ ኢልና ክንዓርፍ ዘለና? ዋላስ ዝያዳ እቲ ግጥምያና ብዝበለጸ ብምሕናን ኢና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ዘለና? ምሉእ ሰነዳዊ ዝርዝር ኣብ ዝቕጽል ጽሑፋትና።

ንሎሚ ግን፡ ናብ`ቲ ሓለቃ ስታፍ ስርሒታት ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ፡ ብቛንቛ እንግሊዝ ናብ ማእከል ዕደና ወርቂ ብሻ ናይ ዘካየዶ ዕደት ዘቕረቦ ጸብጻብ ትርጉም፡ ብቛንቛ ትግርኛ ነቕርበልኩም።

ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ መራኸቢ ሕጥበ-ጽሑፍ (PDF) ጠዊቕኩም  ኣምብብዎ ኢኹም።

ሰናይ ንባብ፦

ብርሃነ ሃብተማርያም


Received on Fri Dec 11 2015 - 15:22:35 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved