ብ28/11/2015 ኣብ ከተማ ሞንትሪያል፡ ኮሙኡ ውን ብ29/11/2015 ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን ብጠ/ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ጥዑምዝጊ ተስፉ ዝተኻየደ ልልይ፡ መግለጺ መኸተን ብልዑል መንፈስ ተኻይዱ

From: Eritrean Media <erican.media_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 11 Dec 2015 11:02:05 -0500

ብ28/11/2015 ኣብ ከተማ ሞንትሪያል፡ ብ29/11/2015 ድማ ኣብ ከተማ ኦታዋ ኣገዳሲ ሰሚናር ብሓዲሽ ጠ/ቆንስል
ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ዝተመደበ ኣቶ ጥዑምዝጊ ተስፋ ተኻይዱ። ኣቶ ጥዑምዝጊ ምስ ህዝቢ ድሕሪ ምልላዩ፡ ተልእኽኡ፡
ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ምድልዳል፡ ዝምድና ኤርትራን ካናዳን ድማ ናብ ዝሓሸ ንምምዕባል ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣስዕቡ
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦ ንምብዳህ፡ ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ሓያል መኸተ ከካይዱ ተላቢዩ።
ብድሕሪ’ዚ ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሱ፡ ንርእይቶታቶም ድማ ሰሚዑ።



እዚ ዝስዕብ ውሳኔታትን ለበዋን ካብ ከተማ ኦታዋ ቐረቡ፡-

1. ነቲ ከም ዓረ ተሪሩ ነጻነት ዘምጽኤ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓድነቱን: ሓድነት ግንባርን ንምልሕላሕ ዝካየድ ዘሎ ፍሹል
ፈተነታት ንኹንን፤

2. ብወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርጋጋጽ ዝካየድ ጻዕርታት
ድማ ብፍላይ ነመጉስ፤

3. ኤርትራ ነቲ ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚራ ኣንጻር ሽበራታት እተካይዶ መኸተ ምስክር ዘድሊዮ ከም ዘይኮነ ብምርዳእ፡
ብኣሜሪካን ፖሊስን መሻርኽታን ምስሊ ኤርትራ ንምቕያር ዝካየድ ፈተነታት ብትሪ ንነጽግ፤

4. ንኹሎም ኣብ ናይ ተበላጽነትን፡ ተምበርካኽነትን ዝወደቑ፡ ብናይ ዲሞክራሲ ሸፈጥ ተደናግሮም፡ ተወላዋሊ መርገጺ
ሒዞም ዘለው ኤርትራውያን ፡ ንሓድነትን ድሕነት ህዝቦምን ክስርሑ ንጽውዕ፤

5. ብናይ ግዳማዊ ውዲታትን፡ ብመደብ ወያነን ተሓባበርቱን ተዓሲቦም፡ ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብጥልመት ላዕልን
ታሕትን ዝብሉ ዘለው ወይጦታትን ሃሱሳትን ብዝላዓለ ክንምክቶም ምዃና ነረጋግጽ፣

6. ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሞንትሪያል ብግድኦም ልዕሉላውነት ኤርትራ ንምኽልካል ኩሉ ካብኦም ዝጥለብ ከማልኡ
ድልዋት ምዃኖም ኣረጋግጾም።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስወኣትና!


IMG_6517.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_6517.JPG)

015.JPG
(image/jpeg attachment: 015.JPG)

018.JPG
(image/jpeg attachment: 018.JPG)

019.JPG
(image/jpeg attachment: 019.JPG)

IMG_6481.jpg
(image/jpeg attachment: IMG_6481.jpg)

IMG_6481_1_.jpg
(image/jpeg attachment: IMG_6481_1_.jpg)

IMG_6507.jpg
(image/jpeg attachment: IMG_6507.jpg)

IMG_6515.JPG
(image/jpeg attachment: IMG_6515.JPG)

Received on Fri Dec 11 2015 - 11:02:06 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved