Facebook.com: Flashback- Bddho *ብድሆ*

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 9 Dec 2015 15:20:16 +0100

ብድሆ፡ ኣንጻር ኩሉ ዓመጽን ተጻብኦን!
=====================

Eritrea - E.P.L.F. Classic song "Biddho" By Zemach

https://www.youtube.com/watch?v=gjo-b9zh8yA

Elias Amares Foto.

ብድሆ፡ ብድሆ፡ ብድሆ …
ናይ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ገድሊ
ክትጐብጡ ትብገሱ ብሓይሊ
ብድሆ፡ ብድሆ፡ ንዝመጽእ ወራር
ቅልጽመይ እንሆ!

የራግፉ ነፈርቲ፡ ይዀምሩ ኣጽዋር
የጓርቱ ሰራዊት፡ ናይ ላዕሊ ናይ ኣጋር
የውሕዙ’ውን ኣማኸርቲ፡ መራሕቲ ናይ ወራር
ኣነ ኣይዕጸፍን፡ ኣነ ኣይደንንን
ፈጺመ ኣይንብርከኽን
ብደሆ፡ ብድሆ፡ ሓዴ’ና ኣብ መትከለይ
መቓብርን ሞትን።

ይነስነሶ መሬተይ፡ ዝዓብሱ ስምታት
የከዓዎ ኣካላተይ፡ መርዛም ዝዀኑ ጋዛት
ይጠቐሙ ኣብ ልዕለይ፡ ብዝሒ ፈሰስቲ ነገራት
ንሓድነት ህዝበይ፡ ንጽኑዕ መትከለይ
ኣይልውጦን’ዩ እቲ ድሑር ፋሽስታዊ
ስነ-ቀመማዊ ኣገባባት ኲናት።

ታንክታት፡ ነፈርቲ ኲናት፡ መዳፍዓት
ፋሉላት፡ ቦምባታት፡ ናፓልማት …
ብሪምሪም ናይ ሰማይ፡ ተፈንጫሊ ሓዊ
መሬት-መሬት ሚሳይላት፡ ኣጽዋራት ዘመናዊ
መካናይዝድ ኲናት፡ ስነ-ቀመማዊ
ኣይህውጾን ንዓቕለይ፡ ትሕዝቶ ግዳማዊ።

ፋሽስታዊ ተግባር፡ ኣድሓርሓሪ ውጥን
ዘይሰብኣዊ ፍርዲ፡ ንሓፋሽ ዝጭቍን
ንህዝባዊ ሓይሊ፡ ፈጺሙ ኣይልውጥን
ስጕሚ’ውን ኣይከይድን፡ ተንከስ ኢሉ ኣይብገስን
ኣብኣ’ባ ክማስን
ኣብ መጠረሽታ ‘ቲ ውጽኢት ኣልቦ ሓሳቡ
ሕፍረት ተጐልቢቡ።

ይተዓብሎዅ ብትኪ፡ ብናይ መዳፍዕ ዘራእቲ
ኣእዛነይ’ውን ይጽመሙ፡ ሕጪጭ ብዝብላ ነፈርቲ
መሬተይ ይተሓዛእ፡ በጽዋር ናእሽቱ ገዘፍቲ
እሳተ-ጎመራዊ፡ ዕርደይ ሓዊ ተፋእትቲ
ንወራር ኣምከንትቲ
ዝሕጥ ዘይብሉ ካብቲ ጽኑዕ መትከሎም
ዋላ’ውን ስጕምቲ!

 
 
Received on Wed Dec 09 2015 - 09:20:17 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved