(ዙር ሩዋንዳ)ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንገዲ መትከል ኢዩብ ኣብ መዛዘሚ መድረኽ ቱር ሩዋንዳ ዓወት-መድረኽ ተዓዊታ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 22 Nov 2015 14:35:04 +0000 (UTC)

22 ሕዳር 2015

ዓወት ዝልማዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንገዲ እቲ ካብ ከዋኽብቲ ኮኾብ ዝኮነ መትከል ኢዩብ ኣብ መዛዘሚ መድረኽ ቱር ሩዋንዳ ካልኣይ ዓወት መድረኽ ተዓዊታ፡ ኣባል ጀርመናዊት ክለብ ባይክኤድ መክሰብ ደበሳይ 2ተ መድረኻት ብምዕዋቱ ብሃገር ደረጃ ድማ ካብ 8 መድረኻት 4ተ መድረኽ ብምዕዋት ምስ ኣዳላዊት ሃገር ሩዋንዳ ፍርቒ ብፍርቂ ተማቂላቶ።

ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ሎሚ ዓመት ብፉለይ ደሚቁ ዝተራእየ ዙር ሩዋንዳ ሎሚ ረፋድ 22 ሕዳር ብዓወት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መትከል ኢዮብ ተዛዚሙ ፡

ኣብዚ ዝናብ ዘሰነዮ ውድድር ኣባል ጀርመናዊት ክለብ ባይክ ኤድ ኤርትራዊ ሜሮን ኣማንኑኤል ንመትከል ተከቲሉ ካልኣይ ደረጃ ሑዙ። ሜሮን ተሾመ 17 ካልኢት ዲሒሩ መበል 12 ደረጃ፡ ዑዉት ኣንበሳ ዓቀብ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣማንኑኤል ገብረዝጋቢሄር ድማ 22" ካልኢት ድሒሩ መበል 15 ደረጃ ክሕዝ ከሎ ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተስፎም ዑቁባማሪያም ድማ 2 ደቂቕን 21 ካልኢት ድሒሩ መበል 21 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብጠቕላላ ሓፈሻዊ ግዜ ንካልኣይ ዓመት ኣከታቲላ ዙር ሩዋንዳ ብሩዋንዳውያን ንሩዋንዳውያን ገይራቶ፡ ዓሚ ብመንገንዲ ቫለንስ ሎሚ ዓመት ድማ ብመንሰይ ትስፍው ተቀዳዳማይ ቦስኮ ክትዕወተሉ ኪኢላ፡ መትከል ኢየብ ድማ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ሩዋንዳ ዛዚሙዎ፡ መትከል ኢዮን ከምኡ እውን ብናይ ብሉጽ መንእሰይ ቱር ሩዋንዳ ሳልሳይ ደረጃ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ብዕድመ ይኹን ብተመኩሮ ዝናኣሰ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣማንኑኤል ገብረዝጋቢሄር ዓሚ ብስንኪ መውድቕቲ ካብዚ ውድድር ድሕሪ ምስንባቱ ሎሚ ዓመት ግን ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ብድረጃ ጋንታታት ሃገራውት ጋንታ ኤርትራ 2ይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ ኣላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ሎሚ ዓመት ዝበዝሐ መድረኻትን ኣንበሳ ዓቀብን ብዕዋታ ሞጎስ ይግብኣ ኢዩ። ዙር ሩዋንዳ ካን 2007 ኣብ መዝገብ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ካብ ዝፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ናይ ሎሚ ዓመት 4 ተ መድረኻት ዓወት ብድምር 18 መድረኻት ትዓዊታ ኣላ ሩዋንዳ ድማ 10 መድረኻር ትዓዊታ ንኤርትራ ትስዕባ፡ ብወልቒ ድማ ኣባል ጀርመናዊት ክለብ ኤርትራዊ መክሰብ ደበሳይ ብኣርባዕተ መድረኻት ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ብብዝሒ መድረኻት ዝተዓወተ ኤርትራዊ ኮይኑ ይመርሕ ኣሎ።

መክስብ፡ሜሮን፡ኣማንኑኤል፡ተስፎም፡ሜሮን፡ኣሮን መትከል ብዘርኣይዎ ቡሉጽ ውድድር ክሙጎሱ ይግብኦም ኢዩ። ከምኡ ዉን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዮናስ ዘካርያስ
Credit:FB Eritrean Cycling
Received on Sun Nov 22 2015 - 09:35:15 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved