(ዙር ሩዋንዳ)ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ፈላሚት ዓወት ብመንገዲ እቲ ሓያል ናይ ቅጽበታዊ ውድድር መንእሰይ ሜሮን ተሾመ ተጋናጺፋ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 20 Nov 2015 15:51:39 +0000 (UTC)

ዓርቢ 20 ሕዳር 2015

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ፈላሚት ዓወት ብመንገዲ እቲ ሓያል ናይ ቅጽበታዊ ውድድር መንእሰይ ሜሮን ተሾመ ተጋናጺፋ።


ዙር ሩዋንዳ ሎሚ ዓርቢ 20 ሕዳር ካብ ከተማ ሙሃንጋ ተበጊሱ ኣብ ሩባቩ ዝዕረፈ ናይ 139.3 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሓያል ውድድር ኢዩ ነይሩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ናይ ምህዳም ፈትነ ዘይተራእዮ ውድድር ፡ 6ተ ናይ ዓቀባት ውድድር ኣብ ዝተሰርዓሉ ትስፉው መንእሰይ ኣማንኑኤል ገብረዝጋቢሄር ብካፒተን ተስፎም እንዳ ተቀለሰ ነተን ሓሙሽተ ናይ ዓቀብ ውድድራት ትዓዊቱለን።

በዚ መስረት ኣማንኑኤል ብ85 ነጥቢ ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ ይመርሕ፡ ተስፎም ዑቁባማሪያም ድማ ብ46 ነጥቢ ንኣማኑኤል ይስዕቦ። ኣብ ቁልቁል ዝተዛዘመ 5ይ መድረኽ ቱር ሩዋንዳ ሜሮን ተሾመ ንመቀዳድምቱ ኣብ ቮላታ ፈሊይዎም ቀዳማይ ኮይኑ መስመር ሕንጻጽ ረጊጹ።

ብራቮ ሜሮን !

ኣሮን ደብረጽዮን ኣብ ምጅማር እቲ ውድድር ምስ ሓደ ኬንያዊ ብምውዳቁ ብኣጋ ካብዚ ውድድር ክእለ ኢዩ ተገዲዱ። ኣሮን ቀልጢፉ ሓውዩ ናብ ኮረሻ ብሽክለታ ተመሊሱ ክንርእዮ ምሕረት የውርድ።

ኣብ መዛዘሚ ውድድር ኣባል ጀርመናዊት ባይክኤድ ዝኮነ መክሰብ ደበሳይ ምስ ክልተ ሩዋንዳውያን ተቀዳደምቲ ብምውዳቁ ቮላታ ኣይገብረን፡ መክሰብ ደበሳይ ድማ ግዜ ምስ ቶም ቀዳሞት ትሓሲቡሉ ግዜ ኣይከሰረን፡ መክሰብ ደበሳይ ብሓፈሻዊ ግዜ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ ሩዋንዳዊት ቦስኮ ብ1ደቒቕን 14 ካልኢትን ዲሒሩ መበል ራብዓይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ መትከል ኢየብ እውን ካብ ቀዳማይ ብ1ደቂቕን 25 ካልኢት ዲሒሩ መበል 7 ይ ድረጃ ሒዙ ኣሎ።

ቱር ሩዋንዳ ክዛዘም 2 መድረኻት ተሪፎንኦ ኣለዋ። መክሰብ ወይ መትከል ንዘለዎም ፍልልይ ኣማሊሶም ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ይክእሉ ዶ? ከመይ? መልሲ ናባኹም


ሙሉእ ውጺኢት ንምርኣይ ኣብዚ 'ኣ ተውቑ

Stage 5 results


http://www.procyclingstats.com/race/Tour_du_Rwanda_2015_Stage_5

General Classification

http://www.procyclingstats.com/race/Tour_du_Rwanda_2015_Stage_5_GC

Credit: FB Eritrean Cycling
Received on Fri Nov 20 2015 - 10:51:39 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved