Erigazette.org: “ኣንክል ቶም”

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 19 Nov 2015 23:22:17 +0100
Nov. 19, 2015
 

ኣንክል ቶም ዝበሃል ጸሊም ኣሜሪካዊ ብግዜ ባርነት በቶም ጸዓዱ ክፍቶ ኢሉ፥   ነቶም ጸለምቲ ኣሕዋቱ ናብቶም ጸዓዱ ቀሪቡ ብሕቡእ ዝሕሱ ዝነበረ ጸሊም’ዩ። ሎሚ ውን ኣብ መንጎና ቀንዲ’ኳ ድኣ ኣብ ሆላንድ ከም ኣንክል ቶም ኮይኖም ኣብ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ቀሪቦም ኣንጻር ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ዝሕስዉ ሰባት ኣለዉና። ነቶም ንኤርትራ ካብ ናይ ደገ ተጻብኦ ዝከላኸሉላ ዘለዉ መራሕቲ፥ ካብ ሰላማዊ ሓገዝ ሓሊፍና ካልእ ብዓለም ዝተወገዘ ናይ ግብረ-ሸበራ ሓገዝ ኣይንገብርን ኢና። እዞም በዓል ኣንክል ቶም ግን፥ ቅድሚ ሎሚ ውን “እዞም ኣባላት ህግደፍ ንኤርትራውያን፥ “ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክመልስኣ ይደልያ ኣለዋ እሞ ንዑናይ ታቓውሞና ነስምዕ ኢሎሞ ኣገዲዶም ን ስትራስ ብሩኽ  ወሲዶምሞም ክብሉ ጠቊሞም። “የማነ ገብርኣብ ንኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ስለ ዘየንብብኦ ብትግርኛ እንዳ ጸሓፈ ይጸርፈን” እንዳበሉ  ድማ ጠቊሞም። 

“ዕጡቓት ሰብ ስረ ኣብ ሆላንድ መጥቃዕትና ክንጅምር ኢና፥ እዞም ብናይ  ሆላንድ ገንዘብ ገይርኩም ብህግደፍ ካብ ህዝቢ ዝተመንዝዐ መሬት ዝሰራሕኩሞ ገዛ፥ ኣብዚ ድማ ንመንግስቲ ሆላንድ ክንሕብር ኢና” ኢሎም  ሓቢሮምን ኣጥቂዖምን እዮም። ከምኡ ውን 2% ብምግዳድ እዮም ዝኸፍሉ፥ ከምኡ ውን ዝኽሪ ስዉኣት 20 ሰነ ከንብዕል ዝተኻረናዮ ቦታ፥ ንዋናታት ናይቲ ዝተኻረናዮ ቦታ፥ ከይትህብዎም ኣብዚ ብሽፋን ብኸምዚ ኣክቲቪቲ ገይሮም ኣብዚ ዝተዋጽአ ገንዘብ ንኣልሸባብ ኣዩ ዝመሓላለፍ እንዳበሉ ክንደይ ግዜ ዕንቅፋት ይፈጥሩልና’ለዉ።

ቤኪ ካንሰር ምስ ሓመመት መሐከሚ ዝኸውን ብግዱሳት ኤርትራውያን ንዝተዋጽአ ገንዘብ፥  እዚ ከምኡ ውን ኣብ ፈስቲቫላት ንዝዋጻእ ገንዘብ፥ ታክስ ንመንግስቲ ሆላንድ ከይከፍሉ ኢሎም’ዮም፥ እምበር እቲ ሓቂስ ንናይ ኤርትራ ረጂም እዩ ክብሉ ድማ ንመንግስቲ ሆላንድ ሓቢሮም። ሎሚ ድማ፥ ኣብ ናይ ምትርጓም ስራሕ ንዝሰርሑ ንጹሃት ኤርትራውያን፥ -“ሚስጢራት ንመንግስቲ ኤርትራ እዮም ዘመላልፍፉ ስድራ’ቶም ዕቑባ ዝሓቱ ድማ ኣብ ኤርትራ ይእሰሩ ኣለዉ” እንዳበሉ፥ ናብ መንግስቲ ሆላንድ ስለ ዝሓሰዉ፥ ገለ ካብቶም ንጹሃት ዝትርጉሙ ኤርትራውያን ኣብ ስርሖም ዕንቃፋት ኣውሪዶምሎም ኣልዉ  እኒ በዓል   ኣንክል ቶም ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

 

Received on Thu Nov 19 2015 - 17:22:19 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved