Eritrean's in NY Celebrated Independence day

From: Ibrahim Idris Suliman <eboeri30_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 29 May 2015 20:31:52 -0600

*መበል** 24 **ዓመት* *ብዓል* *ናጽነት* *ኤርትራ* *ኣብ* *ኒውዮርክን፡* *ኒውጀርሲን፡* *ክኔክቲክት*
*ብዝቕመጡ* *ኤርትራዊያን* *ብዓቢ* *ድምቐትን* *ሃገራዊ* *ወንን* *ሰንበት* *ዕለት** 24 **ጉንበት**ተኸቢሩ*
*ውዒሉ*




     ኣብዚ ሓጎስን ቕሳነትን ዝሰፈኖ ጽንብል መንእሰያትን ሕጻናትን ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ተስፋንዘንጸባርቓ
ግጥምታት ኣቕሪቦም።

አብ ስታድዮም ኣስመራ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተገብረ መደረ እውን ብቪድይዮ ተቐሪጹ ብተሳተፍቲከምዝርኤን ከምዝሰማዕን
ተገሩ። ኣቦ መንበር ብዓላት ሽማግለ ብ/ዜናይ ኣስፍሃ ናይ እንቛዕ ድሓንመጻእኩም መልእኽቲ’ዉን ኣቕሪቡ።

ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ብወገኑ ኣብዚ ናይ ነጽነት በዓል ብኣካል ተረኺቡ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ዮሃናመልእኽቲ ተጻባእትና
ንማሕበራዊን ቁጠባዊ ምዕባለናን ኣጀንዳናን ንምዕንቃፍን ሓድነትና ንምዝራግን ኣብልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ
ዘካየድዎን ዘካይድዎ ዘለው ሸርሕታትን ተጻብኦታትን ጸለመን በቲሕድሪ ስውኣቱ ኣኽቢሩ ከይተሓለለን ከይተደናገረን ዝዓጠቖ
ስረ ከይፈትሔን ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነትኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ሃገሩ ኣብ ምሕናጽ ተዋፊሩ ዘሎ
ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራከምዘፈሸለን የፍሽል ከምዘሎን ገሊጹ።



[image: Displaying image027.jpg]


ኣምባሳዳር ግርማ ኣስመሮም ብተወሳኺ “እዚ ሎሚ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ተታሒዘሞ ዘለዉ ኩሉ መዳያዊ ሃገር ናይ
ምህናጽ ልምዓታዊ መደብ ብህዝቢ! ናይ ህዝቢ! ንህዝቢ! ኣብ ዝብል ንጹር ዕላማ ዝተሰረተ ስለዝኾነ ሸቶኡ ከምዝወቕዕ
ይትረፍ ፈተውትና ጸላእትና’ውን ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ድማ ክስከፍን ክጠራጠርን የብሉን” ድሕሪ
ምባል “ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ከምቲ ኣብ ግዜ ናይ ናጽነት ብረታዊ ቓልሲ ኣይምብርከኽን እየ!
ዓወትና ናይግድን እዩ! ዝብላ መትከላትን ኒሕን ዓጢቑ ብደሙን እዕጽምቱን ናጽነቱ ዝጨበጠን ዘረጋገጸን ሎሚ’ውን ከም
ትማሊ እወ ይኽሎ እየ! ክገብሮ ድማ እየ ዝብላ መትከላት ዓጢቑን ትዕግስትን ጽንዓትን ዝመለለዮኦም ኣገባባት ተጠቒሙን
ንሃገራዊ ልምዓት ረሀጹን ፍልጠቱን ብምውፋይ እጃሙ ከበርክት ኣሎዎ” ዝብል ለበዋን ምሕጽንታን ኣቕሪቡ።





ክብርን ሞገስን ንሰማዕታትና

ዓወት ንሕፋሽ!

Media Group


image027.jpg
(image/jpeg attachment: image027.jpg)

image024.jpg
(image/jpeg attachment: image024.jpg)

image004.jpg
(image/jpeg attachment: image004.jpg)

NY__1_2015.jpg
(image/jpeg attachment: NY__1_2015.jpg)

NY_2_2015.jpg
(image/jpeg attachment: NY_2_2015.jpg)

NY_3_2015.jpg
(image/jpeg attachment: NY_3_2015.jpg)

NY_4_2015.jpg
(image/jpeg attachment: NY_4_2015.jpg)

NY_5_2015.jpg
(image/jpeg attachment: NY_5_2015.jpg)

NY_6_2015.jpg
(image/jpeg attachment: NY_6_2015.jpg)

Received on Fri May 29 2015 - 22:31:52 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved