TesfaNews: ስደት ፋይዳ ሓሶት መብጽዓ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 22 May 2015 21:20:15 +0200
eritrean-lampedusa-servivor
ኣእሙሮ መንእሰያት ዝሰልቡን ዝብድሁ ክስተታትን ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማትን፡ ጸቕጢ መሓዙትን እንዳተበራረዩ ይፈታትንዎ ደኣምበር መንእሰይ ኤርትራ ነዚ’ውን በዲሁ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ ። ተልእኾ ህንጸት ሃገር ቀሊል ከምዘይኮነ ናይ ኩላትና ግንዛበ ዝሓትት ሓቂ እዩ። ኣብ ከምዚ በዳሂ ጊዜ ብኣተሓሳስባ ክትደክምን ኢድካ ክትህብን ተኽእሎ ከምዘሎ ዘይከሓድ እዩ። ስለዝኾነ ገለ መንእሳያትና ግዳይ ናብ ስግረ-ዶብ ዘቛምት ሕማም ክጥቅዑ በቒዖም። እቲ ዝበዝሐ ስኑ ነኺሱ ዝምክት ዘሎ ተባዕ መንእሰይ ግን ክሳብ ሕጂ ሓኾት ይብል ስለዘሎ ድማ እዩ ሎሚ ኤርትራ ከም ሃገር ክትፈርስ ዘይኮነስ እኳ’ድኣ ክትስውድ ዝብቕዐት።

 ዶ/ር በረከት ፈዳይ ( ወዲ ፈዳይ)፣

 

ዘለናዮ ዘመነ-ዓውለማነት ንቴክኖሎጂ ሰረት ብምግባር ብረቂቕ ሓይሊ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ትካላትን ሃገራትን ስግረ-ዶባዊ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድናታት ፈጢርካ ዓለምና ናብ ቁሸት ንምቕያር ዘተባብዕ፡ ናይ ዘመንና ህያብ ተባሂሉ ይግምገም እዩ። ምዕራባውያን ኣዝዩ ብዝተራቐቐ ስልቲ ነቲ ዘለዎም ዓለማዊ ቁጠባዊ ዓብላልነት ርሒብ ተጠቂሞም፡ ንረቂቕ ሓይሎም ኣማእኪሎም እቲ እንኮ ተመራጺ ባህሊ ዓለምና ምዕራባዊ ባህሊ ምዃኑ ከእምኑ ንኣእሙሮ ሕብረተሰብ ዓለም ዘሪዖም ንዓመታት ስለዝሰርሕሉ፡ ብሰንኩ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝበለጸ መነባብሮ ያኢ ንኽረኽቡ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘቛምቱ ቁጽሪ ስደተኛታት ብዘስደምም ጻኦታዊ (Exodus ) ዋሕዚ ክስደዱ ዓለምና ትምስክር ዘላ። 

እቲ ዝሓየለ መሳርሒ ኣብ ኢድ ገዛእቲ ዘሎ ፡ እቲ ሓንጎል ናይቲ ግዙእ እዩ ” ክብል ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ስቲቨን ቢኮ ዝተባህለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጣባቒ ጸረ-ዓሌትነት ከምዝገለጾ፡ ወዲ-ሰብ ብኣተሓሳስብኡ እንተድኣ ተሳዒሩን ርዒሙን እቲ ቃልሲ ኣብቂዑ ማለት ስለዝኾነ፡ ኣቲናዮ ዘሎና መዋእል ኣተሓሳስባ ደቂ-ሰባት ንምስዓር ዝግበር ናይ ሓንጎል ወራር ዝካየደሉ ዘሎ ዘመን ስለዝኾነ ንቕሓትና ክንፍትሽን ክንስሕልን ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከድህበሉ መሪጸ ዘለኹ ዛዕባ፡ እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ስእሊ ዓለምና ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእሰያትና ናብ ስግረ-ዶብ ዘቛምትሉ ዘለዉ ምኽንያታት ብውድዓዊ መንገዲ ንምፍታሽ እዩ። ብወገነይ፡ መበቆል ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስግረ-ዶብ ዘቛመትሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ሓቀኛ መብጽዓ መንግስቲ ኤርትራን ሓሶት መብጽዓ ግዳማውያን ሰብ-ረብሓን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ፖለቲካዊ ግጥም ዘስዓቦ ጥምጥም እዩ ዝብል መረዳእታ እዩ ዘሎኒ።

ቅድሚ ናብቲ ጉዳይ ምእታወይ ሓደ ክበርህ ኣለዎ ዝብሎ ነጥቢ እንተሎ፡ ኤርትራ ግዳይ ናይ ናጻ ፖለቲካዊ መርገጻ ኮይና ከምዘላ፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብምምሕዳር ኣሜሪካ ውዲት ከምዝተኣልመ፡ ኣብቲ ብዊኪሊክስ ዝለሓዄ ምስጢራዊ ሰነድ ዘቃልዖ ብጻዕዳን ጸሊምን ተሰኒዱ ኣሎ። ሰበብ ዂናት ባድመ ሓደ መርኣያ ናይቲ ውዲት እኳ እንተነበረ ከም ትጽቢቶም ዕልዋ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ክትግበር ስለዘይተኻእለ፡ ብሰንኩ ነቲ ኩነታት ዝፈጠሮ ዘይርጉእነት ዞባና ከም ርቡሕ ኣጋጣሚ ተጠቂሞም ብመንገዲ ትካላት ዘይመንግስታውያን-ማሕበራትን፡ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ዕሱባት መንግስታትን ውልቀሰባትን ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝቐንዐ እከይ መርበባት ክኣልሙ እዮም ተራእዮም። ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ 2008 ፕ/ት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ናይዚ ዘመን ዘምጽኦ መስርሕ ብፍላጥ ሰብ ንኽስደድ ዝካየድ ጎስጓሳት (ፈሊጣዊ ስደት) ቀንዲ ተሓታቲ ማእከል ወኪል ስለያ ኣሜሪካ ( ማወስ) ከምዝኾነ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቶም ሓተቲ ጋዜጠኛታት ንባዕሎም ነቲ መግለጺ ሚዛን ክህብዎ ትብዓት ኣየጥረዩን።

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብፍላጥ ዝካየድ ዝነበረ ምስዳዕ መንእሰያት ኣመልኪቱ ዓገብ በሉልና ዝብል ጥርዓን ድሕሪ ምቕራብ፡ ሓንቲ ናጻ ፍልይቲ መርማሪት ኮሚቴ ክትቀውም እሞ፡ ብዝቐረበላ መርትዖታት ተሰንያ ነቶም ኣብዚ ናይ ዘይሕጋዊ ምፍላስ ደቂ-ሰባት ናብ ስግረ-ዶብ ተዋፊሮም ዘለዉ ውልቀሰባትን፡ ማሕበራትን ትካላት-መንግስታትን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ዓለም ንኽቐርቡ ዝጠለበ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጅ ሰማዒ እዝኒ ኣይተረኽበን ዘሎ። ኤርትራ ከም ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መጠን መልሲ ክወሃባ መሰላ እኳ እንተነበረ መሰላ ከምዘይተሓለወን፡ ድርብ ዕያረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣነጺሩ ዘርኢ ኣጋጣሚ ስለዝኾነን ካብዚ ተበጊሰ ናብቲ ነጥብታተይ ክምለስ።

ግጥም ኣብ መንጎ ሓቀኛን ሓሶትን መብጽዓታት

ህዝባዊ ግንባር ከምቲ ኣብ ሓርነታዊ ገድሊ “ቃልስና መሪርን ነዊሕን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ” ብምባል ብጊሓቱ ንተጋዳላይን ህዝብን ፖለቲካዊ ቅንጅውና ከየታለሎ እቲ ሓቀኛን ውድዓውን ኩነታት ብምግላጽ ንህዝቢ ኣሳቲፉ ኣብ ዓወት ዘብጽሖ፡ ድሕሪ ናጽነት እንተኾነ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ሓራ ሃገር ክትህነጽ እንተኾይኑ እዚ ወለዶ መንእሰይ ካብ ሰማይ ማና ከይተጸበየ ብማእገሩ ሃገሩ ክሃንጽ ከምዘለዎ ብምእማን እቲ ሓቀኛ ውድዓዊ ኩነታት ብመንጽር ናይተን ቀዲመን ናጽነተን ዝኣወጃ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕጂ ዘለውኦ ናይ ድሕረት ኩነታትን ኣዛሚዱ ብምርኣይ፡ ጉዕዞ ህንጸት ሃገር ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንላዕሊ ዝኸበደን ዝነውሐን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብምርዳእ፡ ኣብ ትሕቲ መደብ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ ብዓይነቱ ኣብ ኣፍሪቃ ብርቂ ዝኾነ ውዳቤን መደብ ስራሕን ሓንጺጹ ሓንቲ ምዕብልትን ሕፍርትን፡ ህዝባ ብሰላም ርህይዎ ዝነብረላ፡ ሰሪሑ ዝኣትወላ፡ ጽሩይ ማይ ዝሰትየላ፡ ፍትሕን ርትዕን ዝነገሰላ፡ ኮታ ብዝኾነ ዘይትድፈር ምዕብልቲ ሃገር ክሃንጽ እዩ መብጽዓ ኣትዩ። እቲ ምንታይ ውድዓውነትን፡ ሓቅነትን፡ ርእሰ-ተኣማንነትን ባህሉ ስለዝኾነን እምነት ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ህዝቡ ስለዝገበረን። ኣብ ኣፍሪቃ ነዚ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግስ መስርሕ ኣብ ባይታ ክትግበር እንተኾይኑ ድማ ኤርትራ እታ እንኮ ፊተውራሪት ሃገር ትኸውን ከምዘላ ከይዘንጋዕና፡ ድኽነትን ድሕረትን ሕማምን ብልሽውናን ክትምሑ ነዊሕ ጊዜን ሓያል ጻዕርን ዝሓትት ስለዝኾነ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ነቶም ናይ ለውጢ ሃዋርያት ዝኾኑ መናእሰያት ኣዋፊሩ፡ ኣብ ገዛእ ማእገሩ ተኣማሚኑ ክሰርሕ እዩ ተበጊሱ።

ህዝቢ ኤርትራ እጅግኡ ሰብሲቡ ኣብ ልምዓት ሃገር ተጸሚዱ እንከሎ ግን ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ እዩ ገጢምዎ። ስለዝኾነ ልዑኡላውነት ሃገር ከውሕስ ስለዘለዎ ድማ ኤርትራ ህላዌኣ ንምዕቃብ ኣብ ዘይንቡር ኩነታት ክትጽመድ ተገዲዳ ኣላ። ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን እገዳታት ዘስዓቦ ጸቕጢ ደሚርካ ፡ ናህሪ ዋጋታትን ክብሪ መነባብሮን ዓለምና ዝፈጠሮ ድፍኢት ወሲኽካ ነቲ ዘይንቡር ኩነታት ዝያዳ እዩ ኣግዲድዎ። ናይ ሎሚ ወለዶ ኣብዚ ዘይንቡር ኩነታት ኮይኑ ክቡር ዋጋ ክኸፍልን እጃሙ ከልዕልን ድማ ታሪኽ ስለዘሰከሞ ግቡኡ ይገብር ኣሎ።

ኣእሙሮ መንእሰያት ዝሰልቡን ዝብድሁ ክስተታትን ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማትን፡ ጸቕጢ መሓዙትን እንዳተበራረዩ ይፈታትንዎ ደኣምበር መንእሰይ ኤርትራ ነዚ’ውን በዲሁ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ ። ተልእኾ ህንጸት ሃገር ቀሊል ከምዘይኮነ ናይ ኩላትና ግንዛበ ዝሓትት ሓቂ እዩ። ኣብ ከምዚ በዳሂ ጊዜ ብኣተሓሳስባ ክትደክምን ኢድካ ክትህብን ተኽእሎ ከምዘሎ ዘይከሓድ እዩ። ስለዝኾነ ገለ መንእሳያትና ግዳይ ናብ ስግረ-ዶብ ዘቛምት ሕማም ክጥቅዑ በቒዖም። እቲ ዝበዝሐ ስኑ ነኺሱ ዝምክት ዘሎ ተባዕ መንእሰይ ግን ክሳብ ሕጂ ሓኾት ይብል ስለዘሎ ድማ እዩ ሎሚ ኤርትራ ከም ሃገር ክትፈርስ ዘይኮነስ እኳ’ድኣ ክትስውድ ዝብቕዐት።

ዝኾነ ፈታሺ ሓንጎል ዝውንን ሰብ ክሓቶ ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶ፡ ኤርትራ ነዚ ኩሉ ውዲታትን ሽርሕታትን ብዘይ ግዳማዊ ሓገዝ በዲሃ ብሩህ መጻኢኣ ከተማዕዱ ካብ በቕዐት ፡ ናጻ ተገዲፋ ነይራ እንተትኸውን ኣብዛ ጸላም ኣፍሪቃ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒዶት ናይ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት እንታይ ዓይነት ተኣምር ከተርኢ ምስከኣለት ነይራ? ዝብል እዩ።

ብኣንጻሩ ግዳማውያን ተጻባእትና ነቲ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ዘበገሰቶ ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ዝኣምን ፍልስፍና ርእሰ-ምርኮሳ ክኣልዩ፡ ብባድመ ኣመኽኒኻ ዘበገስዎ ፈተነ ምስፈሸለ፡ ኣድህበኦም ኣብቲ ዲናሞ ናይ ለውጢ ዝኾነ መንእሰያት ብምቕናዕ ልብን ቀልብን መንእሰያት ዝስሕብ ናይ ሓሶት መብጽዓታት ብምንዛሕ ንኽብርታት መንእሰያት ዝድውን፡ ህዝቢ ባዕሉ ሃገሩ ክሃንጽ ብቕዓት ከምዘይብሉ ዘእምን፡ እቲ ብማእገሩ ርሂጹ ዘበርክቶ ከኣ ምስ ባርነት ብምዝማድ ዘይተኣደነ ጎስጓስ ብምክያድ፡ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ምዕራብ ሃገራት እንተመጺኦም ፍሉይ ዑቕባ ሂብና ኣብ ገነት ከንስፍሮም ኢና ክብሉ ስነ-ኣእሚሮኣዊ ኲናት ከካይዱ እዮም ተራእዮም።

ኣብ 2009 ፕ/ት ባራክ ኦባማ ከይሓነኸ “ኣብ ምስግጋር መንእሰያት ኤርትራውያን ምስ ኣስገርቲ ነጋዶ ደቂ ሰባት ተሰማሚዕና ነጢፍና ንዋሳእ ኣሎና፡ ገለ ሃገራት ኣብዚ ከምዝተሓባበራና ጌርና ስለዘሎና ለውጢ ክንርኢ በቒዕና ኣሎና ” ክብል ነቲ ብሰንኩ ኤርትራውያን ምስወጻእና ሃገራት ምዕራብ ክቕበላና እየን ኢሎም ብሓሶት መብጽዓ ሰዲዖም ክስደዱ ዘተባብዐ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክዛረብ ዝተሰምዐ። ብድሕሪዚ መግለጺ ጎሊሑ ዝተኸስተ ፍጻሜን ኣብ ዊኪሊክስ’ውን ዝተጋህደ ውዲታት ኣሜሪካ እንተነይሩ ድማ “ኣብ ደገ ንዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራውያን ብስም ተቓወምቲ ክንቀሳቐሱ ምውዳብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መምርሒ ኣሜሪካ ተዋፊሮም ሃሱሳት ብምዕሳብ ዘካይድዎ ስርሒት ኮይኑ፡ እንሆ ሎሚ ኣብ ምስጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተዋፊሮም ብስም ተጣበቕቲ ስብኣዊ መሰል ዝጽውዓ ገበነኛታትን፡ ገሊኦም ድማ ናይ ሃይማኖት ስም ተሓንጊጦም ኣብ ጥሕለት ዜጋታትና ተሓታቲ ዝኾኑ ከም ብስም ኣባ ጥሕለት ዝግለጽ ዕሱብ ሰብ ዘለዎ ናይ ሓሶት መብጽዓ ዝሰብኩ ሃዋርያት ጥፍኣት ከም ቃንጥሻ ዓሶ ክዕንብቡ ተራእዮም። እዚ ተርእዮ’ዚ ነቲ ፕ/ት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ 2008 ( ቅድሚ ሓደ ዓመት መግለጺ ፕ/ት ኦባማ ምዃኑ እዩ) ዝሃቦ ቃለ-መሕትት ተራ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ምዝራግ መንእሰያትና ከምዝተዋፈሩ ዘረጋግጽን ሓቅነቱ ዘርጉድን መርትዖ እዩ ነይሩ።

ብሰንኪ’ዚ ሓሶት መብጽዓ ምምሕዳር ኣሜሪካ እቲ “ኤርትራዊ ”ዝብል መንነት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ተበሃግን ኣርባሕን እንዳኾነ እዩ መጺኡ። ምኽንያቱ እንተድኣ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ምምሕዳር ኣሜሪካን ንኤርትራዊ መንነት ዝሓዘ ሰብ ጥራሕ ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝህብዎ ኮይኖም፡ ኩሉ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ኤርትራዊ እየ ክብል ስለዘተባብዕ።

እዚ ናይ ሓሶት ኩነተ-መብጽዓ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሰለስተ ረቛሕቲ ሃስያታት ኣለዎ። መጀመርታ ቁጽሪ ናይቲ “ኤውሮጳ ወይ ሞት” ኢሉ ዘንቀደት ሓንጎል ኤርትራዊ መንእሰይ ንኽዛይድ ድርኺት ፈጢሩ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ መንእሰይ ኣብ ጉዕዞኡ ክምህ ከይበለ ሓደገኛ ውሳኔ ንምውሳድ ኣተባቢዕዎ እዩ ። ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ግዳይ ናይ ዘይተደልየ ሞትን ከርተትን ኮይኖም እዮም። ካልኣይ ነዚ ብዓይኒ ረብሓ ክርእይዎ ጊዜ ዘይወሰደሎም ናይ ዘመንና ሓደስቲ ናይ ደቂ-ሰባት ኣፍለስቲ ነጋዶ ክፍጠሩ ኣኺልዎም እዩ። እዚ ካብ ውሽጢ ሃገር ጀሚርካ ናብ ዶባት ኤርትራ ብምስጋርን ካብኡ ተቕቢሎም ክሳብ ምስጋር ማእከላይ ባሕሪ ዝተዘርገሐ እከይ መርበብ ዘካይዱ ኮይኑ፡ ንኹነታት መዝሚዞም ኣብ ታሪኽ ስደተኛታት ዓለም ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ኣካላት ሰብ ዝሸጡን፡ ምድረበዳ ስሃራ ኣስጊሮም ኣብ ሲናይን ሊብያን ከነብጽሓኩም እንዳበሉ ኣብ መንጎ ኣጻማእ በረኻ ዛሕዚሖም ንኣሞራ ብምሕዳግ ናይ ኣማኢት ሂወት ዝቐዘፉን ፡ ብግህሰት ደቅንስትዮ ዝተቖማጥዑን፡ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምሕታት ንደቂሰባት ከም ኣብጊዕ ዝሸጡን ዝልውጡን ጨካናት ገበነኛታት ክፍጠሩ ማዕጾ ስለዝኸፈተ። እቲ ሳልሳይ ነጥቢ ኩሉ ናይ ጎዶቦና ዝኾነ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ናይ ኤርትራ መንነት ሒዙ ናብ ጻኦት ክውሕዝ ስለዘተባብዐ፡ እቶም ክፋእና ዝምነዩ ሃንደስቱ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገር ራሕሪሑ ከም ዝኾብለለ ገይሮም ብምቕራብ ኤርትራ ብግህሰት መሰል ደቂ-ሰባት ንኽትክሰስ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ስለዘካየድሉ እዩ።

ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዘሎና ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ ኣብ መንጎ ኩነታት ቀውጢ እንተኾነ’ውን ክምህ ዘይብል ሓቅን፡ ውድዓውነትን ፡ርእሰ-ተኣምንነትን ከም ክብሪ ዘማዕበለ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራን በቲ ሓደ ወገን፡ ሓሶት ከም መለኮታዊ ሓይሊ ገይሩ ዝኣመነ ፖሊሲ ምምሕዳር ኣሜሪካ ድማ በቲ ካልእ ወገን ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ጥምጥም ምዃኑ እዩ። ስለዚ መጋጥምትና ወያነ ኣይኮኑን፡ ንወያነ ድሎ ብድሎ ስዒርናዮም ኢና። እምበኣርከስ መጋጥምቲ ኤርትራ ፍርዙናት ሓይልታት ምኳኖም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ዘገርም ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ ዘይውንኑ ምእዙዝነቶም ንምምሕዳር ኣሜሪካ ከርውዩ ኣንጻር ረብሓኦም ስጉምቲ ዝወስዱ ብምዃኖም፡ ኣብ ዓሚቕ ቁጠባዉ ቅልውላው ተጸሚዶም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ብሓሶት መብጽዓ ዝሰድዑ ዘይሕጋውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት፡ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ህርዱግ ምስበልዎም ዘስዕቦ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስግኣት እዩ።

ብቐንዱ እቲ ድሌትን ባህግን ምዕራባውያን እቲ ብፍላጥ ካብ መነባብሮኡ ዘመዛበልዎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራሕ ተወሲኑ ቁጥዐ ከስምዕ እሞ ነቲ ኣውያት መዝሚዞም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት ኣሳቢቦም ፖለቲካዊ ዓመጽ ንምፍጣር እዩ ነይሩ። ሓሶት መብጽዓ ግን ዕምሪ ስለዘይብሉ እቲ ብስም ኤርትራዊ መንነት ኣብ ድርኩኺት ገዝኦም ዝመጸ ዘይሕጋዊ ስደተኛ መብዛሕትኡ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ መበቆል ዘለዎ ምኳኑ ድሕሪ ምእማን፡ ነቲ ኸታልሉ (ዑቕባ ወሃብቲ ኢና ) ኢሎም ዝወሰድዎ መርገጽ ውሒጦም፡ ስደተኛታት ናይ ፖለቲካ ዘኮኑስ ናይ ቁጠባ ስደተኛ ስለዝኾኑ ካብ ምቕባሎም ተሓሲሞና ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ። ምኽንያቱ ባዕላቶም ዝኣጎድዎ ሓዊ ተመሊሱ ስለዘንደዶም። ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ቁጠባዊ ውዕላት ብምድሃብ ኣብቲ ኤርትራ ዝዓደመቶ ጽምዶ ሽርክነት ብምርዓም ብሓባር ክሰርሑ ይበጋገሱ ኣለዉ።

ኣብ መንጎ ሓቀኛ መብጽዓ መንግስቲ ኤርትራን ሓሶት መብጽዓ ምምሕዳር ኣሜሪካን ዝካየድ ዘሎ ግጥሚ ብሳላ ጽንዓት ኤርትራውያን እንዳተቓጠነ ይመጽእ እኳ እንተሎ ኣጸቢቑ ምእንቲ ክብለል ነቲ ሓቂ ኣብ ምቅላሕ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ተራን ሓላፍነትን እዩ። ብሕልፊ ኣብ ስደት እንርከብ ዜጋታት መጋጥምትና ኣለሊና ፡ ሓይሎም ኣብ ግምት ብምእታው ኣገባብ ቃልስና ምስ ቴክኖሎጂ ኣዛሚድና ብርዕና ስሒልና ክንምክት ክንግደድ ኢና። ብወገነይ ነዞም ብሓሶት መብጽዓ ዘስድዕኦም ናይ ቁጠባ ስደታኛታት እተን ሃገራት ክቕበልኦምን ዝግባእ ኣገልግሎት ክገብራሎምን ኣለወን ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ ብሓሶት ኣስዲዐን ስለዘምጽእኦም። ኤርትራዊ ስደተኛ ግን ኣብ ዝኸዶ ከይዱ ሃገሩ የሕሊፉ ስለዘይህብ ኩሉ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ክተሓባበሮምን እግሪ ከትክሎምን ታሪኻዊ ሓላፍነት ክስከም ይግባእ። ምኽንያቱ ኤርትራውያን ደቂ ሳዋ ግምጃ ሃገር ስለዝኾኑ፡ ኩልጊዜ ሓለይቲ’ዛ ሃገር ምዃኖም ከይዘንጋዕና ነቲ ከም መርገም ዝወረደና ናብ ምርቓ ክንልውጦ ስለዘሎና።

ብዝተረፈ፡ ነቶም ብተጻባእትና ተዓሲቦም ዘለዉ ሃሱሳት ገበነኛታት ኣስገርቲ ነጋዶ ድማ ብሕጋዊ ኣገባብ ተማሕዮም ክልቀሙ ስለዘለዎም ናይ ኩሉ ዜጋ ምትሕብባር ክሓትት እዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ከም ወትሩ ብናይ ሓቂ ሓዊ ዝተፈተነ ወርቂ ስለዝኾነ ኣብ ህንጸት ሃገር ተጸሚዱ ንጽንኩር ኩነታት ናብ ረብሕኡ ንኽልውጥ ኣብ ውሽጡ ብርሃን ኮሊዑ ይሳግም ስለዘሎ ብናይ ሓሶት ትኪ ከምዘይመክኽ ዳግማይ ንናይ ታሪኽ ተጻባእትና ምሂርዎም ኣሎ።

“ኤርትራ፡ ልምዓት ብጽንዓት ከምዘወሓስ ዝኣምን ህዝቢ ዝተኸበት ሃገር እያ!”

ዓወት ንሓፋሽ !

Received on Fri May 22 2015 - 15:20:15 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved