ድሕሪ ኤሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ስማዊ ዘይኮነ ናጽነት ኤርትራ

From: More tab Tedlla <tedllam_at_earthlink.net_at_dehai.org>
Date: Tue, 19 May 2015 21:37:34 -0400

    
ድሕሪ ኤሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ሓቀኛ ናጽነት ኤርትራ
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ስማዊ ናጽነት ከምዝተለገሰለን ታሪክ ይነግረና እዩ። እዚ ናጽነት ግን ኣብ ዝርዝር ከይኣተና ንዝያዳ ባርነት የህዛብ ኣፍሪቃ ዝተቃልዓሉ መጻወድያ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል እዩ።
 ነቲ ካብዚ ሕማቅ ተመኩሮ  ዝተማህረ ህዝቢ ኤርትራ(ህዝባዊ ግንባር)  ኣብቲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝክፈል ዝነበረ መስዋእቲ ከይተደረተ፡ ንኩሉ  ክመጽእ ዝክእል ክስተታት ኣርሒቁ ብምምዕዳው ነቶም ገበቲ ከም ካልኣይን  ናይ መወዳእታን ተጠማጢሙ  ክምክቶም ኣማራጺ ዘይብሉ ምርጫ ክምዝኮነ፡ኣብ ኣተሓሳስብኡን ትልሚ ዓወት ስርሑን ጌሩ ስለ ዝሓዞ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ዕመታት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ እፎይታ ክኸውን ዝነበሮ ግዜ፡ ብምርጫ ዘይኮነ ብግዴታ ምዞም ገበቲ ተሓናኒቁ ናብ በርሃው ዝበለ ግዜ ከማዕዱ ኪኢሉ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ መጀመርታ ነጻ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ምድዃን ይርኸብ ኣሎ ክንብል ንክእል።
ኤርትራ ከም ኣካል ናይዚ ኣህጉር ብክልተ ብልሒ ክትውጋእን፡ክትጽጸን፡ ክትርመስን ዝተገብረ ዓሎቅ ፈንጢሳ፡ ነቲ ዝተተለመ መርገም ናብ ምርቃ ብምቅያር፡ ነቲ ኣፈናዊ ቀጥታዊ መግዛእቲ ብክትኣምኖ ዘጸግም ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ብምክፋል ፡ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣክሊል ናጽነት( ግርማ ናጽነት) ኣብ ክዕገት ዝይከኣል ምስ በጽሐ ንኹሎም ናይ መግዛእቲ ሓይልታት ፈቴዮም ዘይኮነ ተነሲዖም ናጽነት ከምዝቅበሉ ዝገበረት ሃገር እያ።
እዚ ከም ሓሞት ዝመረሮም ናይ መግዛእቲ ሓይልታት ፡ነቲ ካልኣይ ብልሒ ተጠቂሞም ድሕሪ ናጽነት  ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ባርነት ንምምላሱ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ተከታቲሎም ዘጥቅዑ መካልፍ ወይ ዓንቀጽቲ  ተጻብኦታት ብስያፍን፡ኩሊትን፡ብላዕልን፡ታሕትን፡ብምብራቅን፡ምዕርራብን፡ብጸልማትን፡ብርሃንን፡ብሓዘለይን፡ ተመልከተለይን ወዘተ ንቲ ነውራም ሕሱር ክብረት ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ክብረት መላእ ህዝቢ ኢትዮጲያ ሸይጡ መጋበርያ ዝኮነ ጃንዳ ወያነ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽምዶ የእቲዮሞ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ህዝቢ ኤርትራ (ህዝባዊ ግንባር) ግን ነቲ ፍቱን ሳይንሳዊ ኣገባብ ቃልሱ ቃልስና መሪር እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ ዝብል ሎሚ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ፡ልክዕ ከምቲ ብረታዊ ቃልሲ ጸኒዑ ይጥቀመሉ ኣሎ፡ ፍሪኡ ድማ ንወያነ ኣብ ዐዘቅቲ ብዘስጥም ነቶም ገበቲ ድማ ናይ ሕፍረት ካባ ዝክደኑሉ ግዜ ኣብ ቀረባ ማዕዶ ክረኣዮም ጀሚሩ ኣሎ።
እንተ ህዝቢ ኤርትራ ግን ነቶም ከም ነፋሒቶ ዝቅያየሩ ሕብሪ ናይ መጥቃዕቲ፡ መበገሲኦምን ዋንኦምን ሓደን እንኮን ገባቲ ዓለማዊ ስርዓት ምዃኑ ሎምን ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ኣይርድኦን እዩ ኢሉ ዝሓስብ ዘይ'ብሱል የዋህ እንተልዩ፡ እቲ ብነብሰ ምትሓት እናተሳቀየ፡ ዘይቅሱን መዋእል ፡ናይ ጊላን ተላኣኣኪን፡ እጃም እናተጻወተ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልእ ክፍልታት ዓለም ሰላም ንምዝራግ ዝሰርሕ ዘሎ  መንፈሱ ዝተጀልሐ  ጃንዳ ወያነ ጥራይ እዩ።
ኣብ ስነሞጎት ህዝቢ ኤርትራ (ህዝባዊ ግንባር)ጸገም፡ስእነት፡ ምረት፡ቃልሲ፡ገድሊ፡መስዋእቲ ወዘተ ኩሎም ዝይምነዮምን   ዘይደልዮምን ይኩን እምበር፡ ኩሉ ገዲፍካ ክብረቱ ከም ፍጡር ወዲ ኣዳም ክትንክፍ ዝፍትን ገባትን ከዳምን እንተልዩ ዝተከፍለ ዋጋ ድኣ ይክፈል እምበር፡ ካብ ክብረቱ ዝተነፍገ ህላወ ዘይምህላው ዝመርጽ (ባህሊ) ስነሞጎት እዩ።
እዚ ኣብቲ ካላኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ስለ ዘጋየጽካሉ ኣብዛ"ንእሽቶይ ሃገር" ውሑድ ህዝቢ ከምዝማእማኣና ክንጥቀመሉ ኢና ኢሎም ዝሓሰቡ መንቀኛታት እዚ ጽኑዕ ህዝቢ፡ ኮቶ ኣይሰለጦምን ጥርይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መገዲ ፍትሒ ስጋብ ዘሎ መሬት ክንዲ ዕንቒ ክጸብብ ከምዝክእል ሕሉፍ ተመኹሩኡ ዝመሃሮ ኾይኑ  እንተቲ ኣምበርካኪ ስነ ሓሳቦም ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ ከምዘይ ሰርሕ ብቃልን ብመንፈስን ደምን ሓቢርዎም እዩ።

ስለ ዝኮነ ድሕሪ እቲ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ውጥን ኤርትራን ኣተሓሳስባ ኤሪትራዊያን (ሕማቅ ናይ ጽቡቅ ኣብነት) ዝብልዎ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከይጠጥዐ ንምቁጻዩ ብከምዚ ሰይጣናዊ ተልእኮ  ተበገሱ።
መጀመርታ ኩሉ የዕጢቆም በቲ ሕሱር ጃንዳ ወያነ ንኩሉ ብሄራት እትዮጲያ በቲ ሕዱር ሕማም ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ብምትስሳእ፡ቅሉዕ ወራር ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ መሬት ኤርትራ ተካይዱ። ኣብዚ ድሕሪቲ ውሱን ዕንደራ ህዝባዊ ግንባር   (መንግስቲ ኤርትራ)  ንጃንዳ ወያነ ኣብ ዝጥዕሞ ቦታ ብምጥላቅ ከም ብክሊማዊ  ወቅዒ 71 ከባቢ ዓሰብን ረመጽ ሰራዊት ኤርትራን ካላኦት ውግኣትን፡ እዚ ዓውደ ጸወታ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘየዋጽእ ተኣሚኑሉ
ካልኣይ መጥቃዕቲ ትንፋስ ብዘይህብ ሆቦብላ፡ነቲ ሕሱር ጃንዳ ወያነ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ተከታታሊ ክልተ ወግዓዊ እገዳታት ብምስግዳድ ተጻብኦኦም ቀጸሉ፡እዚ ማለት ብዘይቲ ዘይወግዓዊ ዝገብርዎ ዝነበሩ እገዳን ተጻባኦን ማለት እዩ።
ማዕረዚ ግሁድ ተጻብኦ ቆጺርካ ዘይውዳእ ሽርሒ ተካይዱ ኣይሰመረን ጥራይ ዘይኮነ ዕርቃኑ ውጺኡ ኣብ መከተምታ ገጹ ዓሪጉ ኣሎ።ብናይቶም ገበቲ ሕሳባት እቲ ጸወታ ውዱእ እዩ ኔሩ። ነዚ ውሑድ ህዝቢ ቁጠባዊ ዓቅሚ ዘይብሉ፡ምጀመርታ ምስቲ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጲያ  ኣነጻጺሮሞ ፡ ቀጺሉ ቁጠባ ኢትዮጲያ ብድጎማ ስጋብ ዕንቀሩ ተኽተኽዎ፡  ኣብ መወዳእታ እቲ ጸወታ ንምውሓስ ንህዝቢ ኤርትራ ብእገዳ ጠበንጅኡ ከምዝሕደግ ጌሮም፡ ነዚ ክዳሚ ጃንዳ ወያነ ግን ስጋብ ኣስናኑ የዕጢቆሞ ጥራይ ዘይኮነ  ካብ ሰሜን ኮርያ ብገንዘቦም ኣጽዋር ክሽምት ኣፍቂዶምሉ። እቲ ጽወታ ግን ብናቶም ሕሳባት (calculation) ኣይተወድኤን እቲ ምስጢር ንዝኮንነ ፍጡር ግሉጽ እዩ፡ ነቲ ዕጥቂ ህዝቢ ኤርትራ ማለት መንፈሳዊ ሓይሉ ክቆጻጸርዎ ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኮነ ንሓዋሩ ኣይክኽእሉን እዮም ።
ዕጥቂ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሳስብኡ( መንፈሱ) እዩ እዚ ዕጥቂዚ ድማ ዝኮነ ኣባይ ክቆጻጸሮ ዝክእል ዕጢቂ ኣይኮነን። ማዕረ እቶም ዝፍጠሩ ብድሆታትን ፡ናይ ተጻባእቲ ሓድሽ  ዕጥቂታትን እናሰጎመ ዝትርንዕን ዝስውድን ዕጥቂ ፡ እዚ ዕጥቂዚ ከም ማና ካብ ሰማይ ዝነጠበ እጥቂ ኣይኮነን መበገሲኡ ኣብ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰረት ይሃልዎ እንበር፡  ብፍላይ ድማ ምስ ምቅልቃል መግዛእቲ ቅኒት ናይ ኣተሓሳስባ ፈኸም ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብቀንዱ ግን ምስ ምውላድ  ውድብ ህዝባዊ ግንባር  ኣብ ዝሓለፈ 45 ዓመታት ዝተሃንጸ ዕጥቂ እዩ።
ነዚ ዕጥቂ ብሓይሊ ቶክሲ ክዕይሮ ዝደሊ ሰብ እንተልዩ ፡ካብቶም እብ ዓለምና ኣለው ዝበሃሉ ሓይሊ ቶክሲ ማለት ክሳብ ከም (ኣቶሚክ ተቶካሲ) ዘገልግል ዕጥቂ ፍትሒ ፡ዕጥቂ ህዝቢ ኤርትራ( ህዝባዊ ግንባር) እዩ።
ድሕሪ ዝኩሉ መከተ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሒሩ ዝስዕብ ዘሎ ተጻብኦታት ናይ መወዳእታን ስዑር መንፈስ ሒዙ ዝብገስ ዘሎ  ሰብኣዊ መሰል ፡ፍልሰት ደቂ ሰባት፡ ካልእ ኢልካ መጉጠዪ ዝከውን ጉጤት እንተተረክበ ዝለዓል ዘሎ  ናይ ገበቲ ዳንኬራ ኣሎ።መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ንሕና ጉድለታት እንተሃልዩና ከም ሓበላ ዓይኒ ዘይሕባእ፡ ኣበሳና ንሓብእ መንግስትን ህዝብን ኣይኮናን። እዚ ንርዱእ ምክንያት ኣብ ኤርትራ ንረብሓ ውልቁ ዝሰርሕ ሃገራዊ ስለ ዘይብልና ድክመታትና ከም ሃገርን ህዝብን ኣይንሓንከሉን ኢና። እቲ ዘይንቅበሎ ግን ልዕሊ እቲ ህዝብን ሃገርን መንግስትን ሓላይን ተጣባቅን ናይ ዜጋታት ክትመስል ሃገር ክትብትን ማለት ከም ሊብያ፡የመን፡ሶማልያ፡ኢራቅ ወዘተ እንተኮይኑ እቲ ዕላማ ምስ ኩሉ ህዝባውን መንግስታውን ጉድለታትና ማለት  ከምህሉው ወሲድና ፡ ወራይኩም ግበሩ ትሕቲ ሃገር ዘሎ መሳልል፡ ትሕቲ ቅኒት ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ እዩ እቲ መልሲ።
ቃልስና መሪርን ነዊሕን ክኸውን ይክእል እዩ ዓወትና ግን ግድን እዩ!!!
  ዓወት ንሓፋሽ!! Sent from my Samsung Galaxy Tab® S


Received on Tue May 19 2015 - 21:39:32 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved