(EritreaAt24 Series: May 13th) Eritrea: An African Nation with an Independent Independence (ኤርትራ፡ ናጻ-ናጽነት እትውንን ኣፍሪቃዊት ሃገር)

From: Dehai <dehaihager_at_dehai.org_at_dehai.org>
Date: Thu, 14 May 2015 06:16:26 -0400

*ኤርትራ፡ ናጻ-ናጽነት እትውንን ኣፍሪቃዊት ሃገር*
ብዶ/ር በረኸት ፈዳይ ( ወዲ ፈዳይ)

------------------------------------------------------------------------
ህዝቢ ኤርትራ መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነቱ ኣብ ፍሉይ ናይ ታሪኽ መድረኽ ኮይኑ እዩ ዝጽንብላ ዘሎ። ምኽንያቱ፡
ዓለማዊ ፖለቲካዊ ጭብጥታት ዘረጋግጽዎ ሓቅታት እንተሎ፡ ሎሚ ምእዙዝነተን ንግዳማውያን ሓይልታት ዘየረጋገጻ ሃገራት
ግዳይ ናይቲ ንጭካኔ ከም ጣዖት ዘምልኽን “ ዝኣመነ ብሴፍ፡ዝኸሓደ ብሴፍ ” ዝብል ኣረሜናዊ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት-
ዳዕሽ ኣሳቢብካ ዝፈርሳሉን ዝበታተናሉን፡ ማሕበራዊ ሂወት ደቂ ሰባት ዝዘርግ ሓድሽ ስልቲ ሰላሕታዊ ወራር ዝካየደሉ
ዘሎ እዋን ስለዝኾነ።

ነዚ እከይ ናይ ዝርገት ተልእኾ፡ ናብቲ ድሮ ሰላም ተሓሪምዎ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምስላኽ ፡ ዕላማ ሃንደስቱ
ከተግብር ዘሎ ተኽእሎ ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ፡ እቲ ዛጊት ብፍላጥ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንኸይሰፍን
ዝካየድ ዘሎ ውዲት ናይ “ ኣይሰላም ኣይዂናት” ሻቕሎት ክድመሮ እንከሎ ኣብ ዞባና ከስዕቦ ዝኽእል ኩነተ-ስግኣት
ሃፈጽትኡ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ እዩ ዝረኣየካ። ነዚ ተርእዮ’ዚ ብኣጋ ኣለሊኻን፡ ቅርቡነትካ ኣውሒስካ ንምግጣሙን
ዘድሊ ብልሓት ከኣ ትኩርነትን ስጥመት ናይ መሳርዕን ዝሓትት ስለዝኾነ ድማ እዩ ቀልብን ሃንደበትን መንግስቲ ኤርትራ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ሃገርን ዕማም ምዕቃብ ልዑላውነትን እቲ ዝለዓለ ቀዳምነት ብምሃብ ተጸሚዱ
ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ዘሎን። ብሰንኪ’ዚ ዘየዛኒ መድረኽ ምዕቃብ ልዑላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት
ሃገርን ህንጸት ፖለቲካዊ መስርሕን ኤርትራ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ኣብ ክንዲ ስጉሚ ዘገምታዊ ለውጢ ከስዕብ ድማ
ባህሪያዊ ይገብሮ። ነዚ ብምግንዛብ ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ዜጋታት ብቕዓት ፖለቲካዊ ንቕሓትና ኣበሪኽናን
ውዳቤታትና ከምቲ ተጻባእትና ዝምነይዎ ኣጉዲልናን መቒልናን ዘይኮነ ብኣንጻሩ ብዓይነቱ ኣራቢሕናን ደሚርናን ንሳግመሉ
ዘሎና እዋን ስለዝኾነ ዘሐብን እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ናጻ-ናጽነት ናይ ምውናን ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ዝገብሮ ምኽንያት፡ ንነዊሕ ዓመታት
ዝተሰርሓሉ ትካላዊ ናይ ግዳማውያን ሓይልታት መርበብ ምዝመዛ ሱር ሰዲዱ ስለዝገበለ፡ ብሰንኩ ሃገራት ኣፍሪቃ
ብድኽነት ተለዊሰን ብርከን ተዓጺፉ ከሳፍሓ ኣብ ዘይክእላሉ፡ ሃለዋተን ኣጥፊአን ኣብ ናይ ድሕረት ዓዘቕቲ ጥሒለን
ዝርከባ ዘለዋ። ኤርትራ ግን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊላ ዘማዕበለቶ፡ ወናኒት ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያኣ
ክትከውን ብምብቅዓ፡ ምናልባት ፈታሺ ሓንጎል ዘይውንን ሰብ ከስተብህለሉ ይጽገም ይኸውን እምበር እቶም ብዓይኒ
ረብሕኦም ዝተተንከፈ ገይሮም ዝረኣይዎ ግዳማውያን ሰብ-ረብሓ ግን ብኣግኡ ነቲ ገስጋሲ መርገጽ ኤርትራ ቆብ
ስለዘበልዎ፡ እዛ ሃገር ገና ከይተበገሰት ከላ ንምልማሳ ወግሐ-ጸብሐ ዘይምስላ ብምሃብ ኣብ ምጥቃን ተዋፊሮም ዕዮ
ገዝኦም ኣብ ምስልሳል ዝርከቡ ዘለዉ። መርገጽ ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ኤርትራ ብዓይነቱ መበቆላዊ ብምዃኑ ፍሉይነት
ኤርትራ ዘጉልሕ ተርእዮ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እዩ ካብ ኣፍሪቃ እታ እንኮ ሃገር ኣብ ትሕቲ ራዳር ናይ ግዳማውያን
ሰብ-ረብሓ ንኽትኣቱን ተጠማቲት ክገብራን ዝኸኣለ። ዕላምኦም ንምውቃዕ ንስርዓት ወያነ ብኽድምና ዓሲቦም፡ ዘይምኽኑይ
ወራር ኣካይዶም፡ ኣስዒቦም ንሕጊ ዓለም ብምጥሓስ ወያነ ኣብ ቀጻሊ ጎበጣ ንኽዕንድር ርሑብ ባይታ ፈጢሮም ዘለዉ።
ዘይተንበርካኽነት ኤርትራዊ መርገጽ ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ቅድሚ ሕጂ ማሕበረሰብ ዓለም ብስዉር እንተዘይኮይኑ
ብጋህዲ ገይሮሞ ዘይፈልጡ መርትዖን ጭብጥን ንዘይተረኽቦ ጉዳይ፡ ርኡይ ዝኾነ ግህሰተ-ሕጊ ብምክያድ ዘይሕጋውን
ዘይፍትሓውን እገዳ ኣብ ልዕሊ’ዛ ብሕጊ ዓለም ተማእዙዛ እትኸይድ ሃገር ከስገድዱ ዝተራእዩ። እዚ ብሰንኪ ጭንቀት
ዝፈጠሮ ፍጻሜ ናይ ዝርያን ዓሎቕን ነቲ ሕሱር ባህሪያት ናይቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዘቃለዐ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ
ብምንባሩ በቲ ሓደ ወገን፡ ትብዓትን ፖለቲካዊ ንጹርነትን መርገጽ ኤርትራ ድማ ዘጉልሐ ስለዝነበረ በቲ ካልእ፡ ኣብ
ሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ንኤርትራ ብጽንዓታን ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያኣን ከም ዘስምያ ዘማትእ ኣይኮነን። ዘራይ ህዝቢ
ኤርትራ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ጥራሕ ብምዃኑ ድማ እቲ ካልእ ፍሉይነትን ክብረትን ኤርትራ ዘጉልሐ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዩ።
ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩነታት ዝመረረ ይምረር ሓድነቱ ዓቂቡ ነዚ ጸፋር ዘመን ብምምካት፡ ውዲት ኣብ ርእሲ ውዲት
እንዳፍሸለ ኣብ ዘተኣማምን ታሪኽዊ መድረኽ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ምኽንያቱ መኸተ ንህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ክስተት
ኣይኮነን፡ ንህላዌኡ ክብል ዘጥረዮ ክብሪ ውጽኢት ፍረ መስዋእቱ ስለዝኾነ። “ህዝባዊ ግንባር እንክብዳህ መሊሱ
ይሓንን ” ዝተባህለ ድማ ከምዚ ምስተረኽበ እዩ። ስለዝኾነ ምውሓስ ልዑላውነት ሃገር ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት
ክኸውን ግድን እዩ።

እቲ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ርዝነት ናጽነቱ ብመንጽር ናይዘን እንዳወሰኻ ዝመጻ ዘለዋ ሒዶት ናይ ናጽነት ዓመታት
ኣስሪጽዎ ዘሎ ዕዙዝ ክብሪ፡ ምውሓስ “ቁጠባዊ ሓርነት” ዝብል ምስ ምርግጋጽ ውሕስነት ምግቢ ኣተኣሳሲሩ ዘካይዶ ዘሎ
ሓምላይ ሰውራ እዩ። ቁጠባዊ ሓርነት ብናጽነትን ርእሰ-ተኣማንነትን ምእንቲ ክትነብር፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ
ተመዝማዚ ዘይኮነስ ርቡሕ ተሻራኪ ምእንቲ ክትከውን ከም መሰረት ከተንጽፎ ዘሎካ ግድነታዊ ቅድመ- ኩነት እዩ።
ብምግቢ ርእስኻ ምኻልን ፡ ንዕቤት ቁጠባ ዝድርኽ ትሕተ ቅርጺ ምውዳድን፡ ሰብኣዊ ዓቕምኻ ብዓይነት ምምዕባልን ገለ
ካብቶም መሰረታውያን ረቛሕቲ ቁጠባዊ ሓርነት ክኾኑ እንከለዉ ዝኾነት ሃገር ብሰናይ ድሌት ከተተግብሮ ግን ዝከኣል
ኣይኮነን። ግዙፍ ማልን፡ ነዊሕ ጊዜን፡ ከቢድ ጻዕርን ገለ ካብቶም ኣገደስቲ ረቛሕቲ’ዃ እንተኾኑ፡ ኣንፈቱ ዘይስሕት
ውፉይ መሪሕነትን፡ ብጽፍሩ ዝነብር፡ ባህሊ ናይ ስራሕ ዘጥረየ ህርኩት ህዝብን ግን እቶም ቀንዲ ኣዕኑድ እዮም።
ኤርትራ ዕድለኛ ዝገብራ ድማ ነዚ ስለእትውንን እዩ። ስለዝኾነ ድማ እዩ፡ ሎሚ መንእሰያት ኤርትራ ንመጻኢ ወለዶታት
ዘውሕስ ኣብ መደብ ህንጸት ሃገር ተጸሚዶም ዝሰርሑ ዘለዉ። ጉዕዞ ህንጸት ሃገር ቀጻሊ ስለዝኾነ እዚ ዘሎ ወለዶ
ግቡኡ ከልዕል ድማ ግድን ይገብሮ። ስለዝኾነ ድማ እዪ እዚ ወለዶ’ዚ ምዕባሌ ብምጽወታን ብልግስን ብትዃቦን ዘይኮነስ
ብሃፈ-ጻማኻ ሰሪሕካ እትረክቦ ክብረት ምኳኑ ኣሚኑ ነቲ ብወለዱን ኣያታቱን ዝተረከቦ ናጽነት ኣብ ምክልካልን ህንጸት
ሃገርን ተጸሚዱ ዝሰርሕ ዘሎ። ከምተን ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምጽወታ ከቛምትን ከንቧህቑን ኣይባህሪያቱን
ስለዝኾነ ድማ ብጻዕሩ ክንነብር ሓርዩ። ጻዕሪ ህዝቢ ኤርትራ ግን ተጻባእትና ከም “ሕማቕ ናይ ጽቡቕ ኣብነት”
ስለዝቖጸርዎ፡ ሕጂ’ውን በቲ ዘለዎም ሓይሊ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቂሞም ምስልና ክድውኑን፡ትውፊት መንእሰያትና ንጻዕሮም
ምስ ባርነት ብምዝማድ ንምስድዖም ተዋፊሮም ዘለዉ። እቲ ዘገርም፡ ሓይሊ ናይቲ ስነ-ኣእሙሮኣዊ ዂናቶም ኮይኑ፡ ኣብ
ኣእሙሮ ኣፍሪቃዊ ሓንጎል ተርቢዑ ብምእታው ገለ ሰማዕትን ሰዓብትን ክረኽቡ ብምኽኣሎም እዩ። ብጽፍርኻ ሃገር ምህናጽ
ከም ነውሪ ዝቑጸረሉ፡ ህርኩትነት ብዕርበተ-ሕልና ዝትከኣሉን፡ ስንፍና ዘንግስ፡ ገነት ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ጥራሕ
ከምዘሎ ዘእምን፡ ብሰንኩ ኣተሓሳስባ መንእሰያት ናብ ስግረ-ዶብ ጥራሕ ከቛምቱ ዝሰልብ ውዲት ስነ-ኣእሙሮኣዊ ዂናት
እዩ ዝካየድ ዘሎ። ይዋእ ኣፍሪቃዊ ሓንጎል ዘብል እዩ። ስንብራት ናይዚ ስነ-ኣእሚሮኣዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ገለ
ኤርትራውያን ዜጋታትና ምድንጋራት ፈጢሩ እዩ። ( ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ የራኽበና)። እቲ ኒሕን
ዘይተንበርካኽነት ዝበዝሐ ኤርትራዊ መንነት ግን ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ ውዲት ተጻባእትና ፋይዳ ዘይብሉ እዩ ተሪፉ። እቲ
ምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናጽነት ኤርትራ ዘይጭበጥ ዝመስል ዝነበረ እሞ ብዘይ ዘራይ ህያው ዝገበሮ፡ ሕጂ ድማ
ኣብ ምርግጋጽ ቁጠባዊ ሓርነቱ ብውሕሉል ኣገባብ ኣብ ትሕቲ መደብ ወፍሪ-ዋርሳይ ይከኣሎ ዳግማይ ብዘይ ዘራይ ተኣምር
ይሰርሕ ስለዘሎ። ናይ ሎሚ ምረት ናይ ጽባሕ ርውየት ምዃኑ ዘስተውዓለ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናይ ሎሚ ጸሓይን ናይ
ጽባሕ ጸሓይን እንዳላገብ ንጥፈታቱ ይቕጽል ኣሎ። ምኽንያቱ “ልምዓት ብጽንዓት” ጥራሕ ከምዝረጋገጽ ስለዝኣመነ ።

“እዛ ሃገር ገለ ኣለዋ !!!!”

ሰናይ ቅንያት መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ !!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!!
ዓወት ንሓፋሽ !!!






Received on Thu May 14 2015 - 06:16:31 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved