ኤርትራዊያን ተቀማጦ ሳውዝ ለንደን መደብ ሓባራዊ ምትእክካብ ህጻናትን ሰደራቤታትን ኣካይዶም "ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን"...

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 4 May 2015 16:40:49 +0100

ኣብቲ ብ3 ግንቦት 2015 ኣምባሳድር እስትፋኖስ ሃብተማሪያምን ኣባል ሃገዊ ባይቶ ዓዲ እንግሊዝ ( local MP )
Kate Hoey ኣብ ዝተረክብሉ ኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ዞባዊ ውዳቤ ሳውዝ ለንደን ኣቶ ጽጋይ ዓንዱ ናይ ዕንኳዕ ድሓን
መጻኩም ቃል ድሕሪ ምቅራቡ ንጽቡቅ መጻኢ ደቅና ኤርትራዊያን ተቀማጦ ሳውዝ ለንደን ንምሕያል ማሕበረኮሞም ኣበርቲዖም
ክሰርሑ ከም ዝግባእ ድሕሪ ምዝክካሩ፤ ኣስዒባ ክብርቲ ( local MP ) Kate Hoey ኣብ ዘስማዓቶ ቃል፤ ኤርትራዊ
ማሕበረ ኮም ሳውዝ ለንደን ብቀጻሊ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ብፉላይ ድማ ብሓያል ዲስፕሊን ዝተሃንጹ ኤርትራዊያን
እንግሊዛዊያን ህጻት ኣብ ኩስኳስ ዘካይዶን ዘሎ ሓያል ጻዕሪ ብኣድናቆት ከም ትሪኦን፤ ኤርትራዊ ማሕበረ ኮም ሳውዝ
ለንደን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፉት ብዝያዳ ክደፉኣሉን ካብኣ ዝድለ ዘበለ ኩሉ ንምዕባለ ኤርትራዊ ማሕበረ ኮም ሳውዝ ለንደን
ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምኳና ቃል ብምእታው ሓቢራቶም ምምሳያ ዝፈጠረላ ባሕታ ብኣድናቋት ገሊጻ።ብድሕሪ'ዚ ብመምህር ተክልኣብ
መንገሻ "ዝምድና መንእሰያትን ወለድን ኣብ ትምሕርቲ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምሕሮ ቀሪቡ።ኣብ መወዳእታ ጉጅለ
ባህሊ ለንደን ንዕዱማትን ንኤርትራዊያን ተቀማጦ ሳውዝ ለንደን ከተዘናግዕ ዘምሰየት ክትከውንከላ ኣብ'ቲ ኣጋጣሚ ንህጻናት
ዝመሰጠ ኮሜድያዊ መደብ ብኣማንኤል (ሕቡጭቡጭ) ከም ዝቀረበ ነቲ መደብ ዝተከታተለ ኣባል ምስንዳእ ኣዳል ድምጺ
ኤርትራዊያን መብራህቱ ወልዳይ ሓቢሩ።

​​ ዝያዳ ሓበሬታ https://adalvoice.wordpress.com/ - ጠውቁ


oie_animation.gif
(image/gif attachment: oie_animation.gif)

Received on Mon May 04 2015 - 11:40:49 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved