Tesfanews.net: ወኻሩ ወኻሩ … ካብዚ እንታይ ትመሃሩ?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 23 Mar 2015 22:50:23 +0100

ወኻሩ ወኻሩ … ካብዚ እንታይ ትመሃሩ?

tplf-lie-machine

ብማይ ዘይጠፍእ ሓዊ እንተሎ ቅንኢ ጥራሕ እዩ። ሓቂ ምሳና`ያ ፡ ሓቂ ምዝራብ ድማ ክቡር ህያብ`ዩ ፡፡ ካብ ኣፍ ሑሱራትን ንዱያትን ትወጽእ ማለት ግና ዘበት።

ካብ ሚካኤል ይሳቅ

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ እዩ። ግና’ቲ ብመንነቱ ዝኾርዕ ፡ ብሃገራዉነቱ ዝሕበን ዜጋ: ህዝቢ ሃገር መንግስቲ ክትንከፍ ከምዘየፍቅድ ፡ ድሮ ኣብዚ ሳልስቲ ደጋጊሙ ኣነጺርልኩም። ህደማ ሓሶትኩም ዒቕ ኢልዎ። ዝደቀሰ እንተመሰለ ቋሕ ኢሉ ከምዘሎ ደኣ ኣርኣየኩም። ከምቲ ወትሩ ዘበርክተልኩም ገጸ በረኸት ድማ ዲኖ ህበይ ደኣ ከደነኩም። መዓልታዊ መዓልቲ ሓሶት ኣሎ ዲዩ? እንድዒ ከኣ ሓድሽ ዓዉደ -ኣዋርሕ ከይህሉ ሎምስ ካን ናብ ጸለል ጸለል እዩ ግዲ ኣድሂብልኩም።

ወዳጀ ሃበስ ቀደስ። ኣንጭዋ ጸደፈት ድሙ ተዓንቀፈት ። ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥ ዓዲ ከይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ ቂቂቂቂቂቂ ክንድዚ ደሮና ቦኾኽ፡ ቀዳሞት ኣቦታት ሓቅነቶም ንኸነጽሩ ‘ኣነ እጠርጥ እምበር ኣይፈስውን እየ’ ዝብልዎ ዝነበሩ ብሂል የዘኻኽረካ ። ወረግ ነቲ ዉዳቕ ሓሶትኩም ኣቐንይ ኣቐንይ ዘይተብልዎ ገለ መሳለዪ ተኾነኩም። ካን ንግፍ ንግፍ ፡ ዶስ ዋላ ወያ ገመድኩም ትጸበኩም ያ ዘላ ?? የግዲ ደም ሰማእታት ከደኣ ኣበይ ክገድፈኩም፡ ህዝብን ንብረት ህዝብን ክትንከፍ ዕልል ምባል ናበይ ንምብጻሕ ዩ? ኤኤኤ 60 ኣላታ ንፋለጥ እሞ ንማለጥ። 

ኣብ ታሪኽ ፍጡራት ኸልቢ ጥራይ`ዩ ትፍኡ ክልሕስ ዝረኣና። እንሆ ድማ ሎምዘበን ወድሰብ ትፍኡ ክልሕስ ብሪኦ ንርኢ ኣሎና።

ጥርሑ ፊስቶ ሻንኬሎ ጌርካ ክትመልኦ ግቡእካ ዩ፡ ኩባያ ጌርካ ክትሰቲ ድማ መሰልካ ዩ ፡ ነዚ ጎሲኻ ግና ሃበስ ቀደስ … ንሙካኑ ሓዉ ቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ዲኻ?
ኣዴታት ህጻናት እናወቓዕኻ … ሃገር ሓዊ ክኣትዋ ፥ ህዝቢ ክጭፍጨፍ ፥ ሓድነት ክበታተን ፥ ጥሙሕ ተሃንካ እናጉሳዕካ ፡ ፍትሒ`ዶ ፍትፍት ክንተክል ኢና ፡ ቀሪብና ኢና ፡ መዓልትና ኣኺላ`ያ ገለመለ ምባል …ቂቂቂቂቂ ኣበይ ፥ ብኸመይ? ኣብ መናድቕ ኮምፒዩተር ኮንካ? ሓርማዝ ኣብ ቅድሜኻ ከሎ አሰር ሓርማዝ ምንዳይ ይበሃል ከምዚ ናትኩም ንዱያት ምስዘጋጥም ኢዩ።

ደይ ብቐደሙ ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም እንድዩ ተባሒሉ። መዓልትኹም ጥራሕ ተጸበዩ።

image: http://www.tesfanews.net/wp-content/uploads/2015/03/fake-bisha-bombing-pic.jpg

COWARDS. Taking the lousy doctored picture aside, one thing is telling here: Woyane and its puppets are simply acting out of a pipe-dream, a dream and temper tantrum, always wishing to destroy anything good that's Eritrean.

COWARDS. Taking the lousy doctored picture aside, one thing is telling here: Woyane and its puppets are simply acting out of a pipe-dream, a dream and temper tantrum, always wishing to destroy anything good that’s Eritrean.የሕወሓት መንግስት በኤርትራ ላይ የአየር ጥቃት ፈጸምኩ የሚለው ቅዠት ነው ተባለ * “እንኳን የአየር ድብደባ ይቅርና ሞቅ ያለ ጭብጨባም አልተሰማም 

 
Received on Mon Mar 23 2015 - 17:50:23 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved