Tesfanews.net: ማዕቀብ ብበደልቲ መዋእሉ ንክብደል ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ (ቀዳማይ ክፋል)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 6 Mar 2015 23:12:19 +0100

ማዕቀብ ብበደልቲ መዋእሉ ንክብደል ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ (ቀዳማይ ክፋል)

ሃገራውነት ከም መግለጺ መንነት ኢዩ። ንሃገራውነት ንምድካም ዝትግበሩ ተጻብኦታት ንመንነትካ ንምድኻም ዝግበሩ ተጻብኦታት ድማ ኢዩ። ብኹሉ መዳያቱ ድማ ክምከት ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ።

ሃገራውነት ከም መግለጺ መንነት ኢዩ። ንሃገራውነት ንምድካም ዝትግበሩ ተጻብኦታት ንመንነትካ ንምድኻም ዝግበሩ ተጻብኦታት ድማ ኢዩ። ብኹሉ መዳያቱ ድማ ክምከት ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ።

ግርማይ በርሀ ገብረሚካኤ (ሽካጎ)፡

መእተዊ፡- እዚ ጽሑፍ’ዚ ፡ ነቶም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወስኑ ፡ ዘይሕጋውያንን ዘይፍትሓውያንን ተጻብኦታት ፡ ኣንጻር ኤርትራ ዘቕንዑ ክልተ እገዳታትን ካልኦት ብዝተፈላለየ መልካዓት ክቐርቡ ዝጸንሑን ዘለዉን ዘየቓርጹ ተንኮላትን ዝፈጥርዎ ሳዓቤናታትን ብዝበለጸ ክትዓት ክካየደሎም ንምትብባዕ ተባሂሉ ዝቐረበ ጽሑፍ እዩ ። እዞም ማዕቀባት እዚኣቶም ብመሰረቶም ብሓሶትን ብተንኮላትን ተኣሊሞም ፡ በቶም ግስጋሰን ሰላምን ኣብ ዞባና ዘይደልዩ ኣካላት ተቓሚሞም ፡ ዝተሰርሑ ብምዃኖም ሓቂ ክድፈን ስለዝተመርጸ እንተዘይኮይኑ ፡ ክሳብ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ከይተላዕሉ ክጸንሑ ኣይንተገቡኡን ነይሮም ፡ ካብ መጀመርታኡ’ውን መሰረት ዝነበሮም ኣይኮኑን ። 

ኮይኑ ግን እዞም ማዕቀባት እዚኣቶም እንታይ ንምዕዋት ከምተጻወዱ እቲ ዘሎ ክውንነት ብዝምስክሮ መርተዖታት’ውን ቐሪቦም ኣለዉ ። ከመይ እናበሉ መልክዖም እናቐያየሩ ክመጹ ከምዝጸንሑን ፡ ናይ ጸላእቲ መጻወድያታትን ንምቅዋም ዘሎና ሓላፍነትን ፡ ኣብ መንጎ ንሕናን ንሳቶምን ዘሎ ተጋራጫውነትን እውን ክንድህስሶ ኢና። ኣድላይነት ናይ ሓባር ቃልሲ ኣንጻር ናይ ሓባር ተጻብኦ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ሓላፍነትን ረብሓን ምዃኑውን ሓሳባት ቀሪቦም ኣለዉ ።

ሃገራውነት ከም መግለጺ መንነት ክረአን ንሃገራውነት ንምድካም ዝግበር ተጻብኦታት ክምከት ከምዝግባእን ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ቀሪቡ ኣሎ። ማዕቀብ ብፍላይ ንኤርትራን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራትን ንዝያዳ ስደት ህዝቢ ንምዕባይን ሃገራዊ ወኒ ንምድኻምን እንተዘይኮይኑ ዘምጸኦ መፍትሒ ከምዘየለ ዘሎ ትዕዝብቲ ከቕርቦ ክፍትን እየ ።

ንሕናን ንሳቶምን ፡ ዘሎና ተጋራጫውነትን ፡ ክህልወና ዝግብኦ ሓላፍነትን

ንሕና ክብል እንከለኹ ፡ ሰላምን ግስጋሴን ንደሊ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ዞባና ህዝብታትን ማለተይ እየ ። ንሳቶም ክብል እንከለኹ ከኣ ፡ ጸረ ሰላምን ግስጋሰን ዝኾኑ ሓይልታትን ከም መሳርሒ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ፡ በብጊዚኡ ዝተፈላለዩ ግብረ-ሽበራውያን ኣብ ዞባና ንክጫጭሑ (ንኽፍጠሩ) ክሰርሑ ዝጸንሑን ዘለዉን ሓይልታት ማለተይ እየ ።

ንኹሎም ዓይነት ወጽዓታት ነጺጉ ዝኸይድ ምስቲ ኣሜን እናበለ እናሰገደ ዝኸይድን ፡ ሕማቅ ከምዘሎ ዘይፈልጥ ጎይቶቱ ብዝበልዎ ስቅ ኢሉ ዝድብልን ፡ እቲ ዘይናቱ ዝደሊ ምስቲ ናቱ ዝደሊ፡ እቲ ዘማቲ ምስቲ ተዘማቲ ፡ እቲ ብጻዕሩ ስሪሑ ክነብር ዝደሊ ምስቲ ትካቦ ዝመርጽ ፡ እቲ ንፖሎቲካዊ ምሕደራኡ ባዕሉ ዝውስን ምስቲ እንታይ ከምዝገብር እናተነግረ ዝኸይድ፡ ብመሰረቱ ተጻራሪ ድሌትን ባህርን ዘለዎም ኣካላት ስለዝኾኑ ፡ ናይ ተጻረርቲ ኣካላት ቀጻሊ ቃልስታት ዘይተርፍ ይኸውን ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ፡ ውዮ ናጻ ኮይኑ ብሰላም ክነብር ዝደሊ ምስቲ ህውከተኛ በታኒ ፡ ክልቲኦም ኣካላት ብዘይጎንጽን ነውጽን ብሰላም ክነብሩ ዘይክእሉ ክንሶም ፡ ዘተኣማምን ሰላም ክፈጥሩ ኢልካ ምሕሳብ ገነታዊ ትምኒት ጥራይ እዩ ። ነዚ ሓቂ’ዚ ፡ ጉዑዞታት ቃልስታት ህዝብታት ዓለምን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን እውን እምስክሮን የድምቆን እዩ ። ስለዚ ተገራጫውነት ኣብ ድሌት፡ ኣጣማምታን ተጠቃምነትን ናይዞም ክልተ ኣካላት ከምዘሎ ብጉቡእ ምርዳእ የድሊ ።

ሕጊ እናዳባ ፡ ዝበደለ ይኽሓስ እዩ ዝብል ። ኣብ ባይቶ ዓዲኣቦና ኩቡራት ኣቦታትና ንዝበደለ መሊስካ በድል ክብሉ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ። ክንሰምዕውን ኣይንኽእልን ምኽንያቱ ኣብ ባይቶና ንዝበደለ ካሕስ እምበር መሊስካ በድል ስለ ዘይበሃልን፡ ባይቶና ብሞራላዊ ክብሪ ዘለዎም ኣቦታት ስለዝቀውምን ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልኦት ዞባውያን ማሕበራት ግን፡ ኣብ ብዙሕ ተግባራዊ ስራሓቶም ካብ ባይቶና ዝተፈልዩ እዮም ። ከም ናይ ባይቶ ዓዲኣቦና ዝቛዶ ባህርያትን ባህልን የብሎምን ። ስለዝኾነ ንሕና ጥራይ ዘይኮናስ ፡ ባይቶ ዓዲ ኣቦና ከይተረፍውን ምስ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝጋራጮ ጠባይ እዩ ዘለዎ ። ንበዳሊ ካሕስ ዝብልን ንበዳሊ መሊስካ በድል ዝብልን ስለ ዘይሰማምዑን ብሕጊ ርኸቦ ብሕጊ ስኣኖ ብዝብሉ ኣባላት ዝቖመ ባይቶ ምስቲ ረብሓታት ናይ ውሑዳት ንምሕላው ዝተሰርሐ ባይቶ ሓደ ክኸውን ስለዘይክእል ፡ ሓደ-ሓደ ጊዜ ማዕዶ ንማዕዶ ተረሓሒቅና ክንከይድ ግድን እዩ ። ባይቶ ናይ ውሑዳት ብኹሉ ሸነኻቱ ንብዙሓት ብማዕረ ከገልግል ምሕሳብ ነቲ ዘሎ ተጋራጫውነት ክትጥምቶ ዘይምድላይ ስለዝኾነ።

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ካባና ዝረሓሓቀሉ ምኽንያት ስለምንታይ ምዃኑ ተረዲኢና ፡ እቶም ኣብኡ “ዓለማዊ ሕጊ” ከም ዘኽብሩ መሲሎም ዝራኣዩ ፡ ስለዝተኣከቡ ከምዝሰርሑ ክንወስዶም የብልናን ። ገሊኦም ካባና ንላዕሊ ጸገም ከም ዘለዎም ፈሊጥና ቃልስና ከነሕይልን ፡ ንሓቂ ከነቃልሕን ክንዕጠቅ ይግባእ ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብተግባር ንኹሉ ኣባል ብማዕረ ከገልግል ዝቖመ ትካል ኣይኮነን ። እንተዝኸውን ነይሩ ፍሉያት ሃገራት ፍሉይ ስልጣን ክህልወን ኣይምተገበአንን ። ኮይኑ ግን ነዚ ንምሉእ ዞባና ዝሕምስ ዘሎ ሓዊ ፡ እቶም ቀንዲ ኣጎድትን ኣሳወርትን ውሑዳት ምስዚ ዝበዝሐ ህዝቢ ተሰሪጎም ዝነብሩ ዘለዉ ምዃኖም ክንግንዘቦ ይግባእ ። ብዓለም ደረጃ ይኹን ብነፍሲ ወከፍ ሃገር እቲ ዝሓየለ ሓይሊ ፡ ህዝቢ ምኻኑ ርዱእ እዩ ። እቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ህዝቢ ክዕጠቀሉ ምስ ዝኽእልን ኣዕነወቲ ኣካላት ብፖሎቲካዊ ብቅዓታት ናይ ተቓለስቲ ካብ ህዝቢ ምስዝንጸሉን ጥራይ እዩ ህዝባዊ ዓወት ክርከብ ዝኽእል ። ስለዚ እዚ ብኣህጉራያን ይኹን ብዞባውያን ማሕበራትን ካልኦት ኣዕነውቲ ሓይልታት ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም ሰላም ዝደልዩ ናይ ዞባና ህዝብታት ክምዝሃስን ፡ መመሊሱ ነንሕድሕዶም ዝጋራጨዉ ጉጅለታትን ሓይልታትን ክጫጭሑ ከምዝገብርን ምስኡ ተታሓሒዙ ናይ ግብረ-ሽበራውያን ተርእዮታት ከም ዘሕይልን ተገንዝቦ ክግበረሉ የድሊ ።

ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ዞባና ረብሓታት ፈሊኻ ከም ዘይረአን ዘጋጥሙ ዘለዉ ተጻብኦታት ከኣ ብመሰረቶም ረብሓታት ናይ ዞቦና ዘይሕልዉ ፡ ናይ’ቲ ብተንኾላት ዝተፋሕሰ ፡ ብፍላይ ኣብ ነዊሕ ጉዑዞ ፡ ከባቢና ሰላም ረኺቡ ንቅድሚት ከይግስግስ ዝዕንቅፍ ፡ ናይ ኣዕነውቲ ሓይልታት ዓማጺ እስትራተጂ ንምዕዋት መንገድታት ዘጣጥሕ ስለዝኾነ ፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ጸገም ጌርካ ክረኣ የብሉን ። በዚ መሰረት ናይ ኩሎም ህዝብታት ዞባና ሕቡር ቃልሲ ዝሓትት ጉዳይ ስለዝኾነ ፡ ኩሎም ደለይቲ ሰላም እጃሞም ከበርክቱ ፡ ንሰላም ተዓጢቆም ክሰርሑ ፡ ድልዱል ናይ ሓባር ግንባር ክህንድሱ ኣድላዪ ይኾውን ።

ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ፡ ዕላማኡን ክቅጽል ዝጸንሐ ተንኮላትን

ማዕቀብ ፡ ንኤርትራ ብቑጠባዊ ፡ ብወተሃደራዊ ፡ ብፖሎቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ኣዳኺምካ ፡ ጸላእትና ወራራት ንኸካይዱ ጥጡሕ ዕድል ንምኽፋት ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምድፋርን ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብላልን ጥራይ ዘይኮነ ፡ እገዳ ንኤርትራ ምስቲ ንዞባና ኣብ ነዊሕ ጉዑዞ ዝሕምስን ሰላም ዘይህብን ትሕዝቶ ዘለዎም ተንኮላት ዝትኣሳሰሩ ምዃኖም’ውን ክንጽር እግባእ ። ኣብ ከባቢና እንተተዓዘብና ፡ ሰላም ረኺባ እትኸይድ ሃገር የላን ። ዋላ ነተን ዝዋጥዩለን ብብልዮናት ዶላር ዝሕግዝወን (ከም ኢትዮጵያ ፡ ደቡብ ሱዳን ፡ ከንያ ..) ዝኣመሰላ ሃገራት ህዝበን ብሰላም ብሓድነት ከንብር ዘኽእል ውሕስነት የብለንን ። ናይ ሃገራት ህልውና እናተቀያየረን ፡ ብቀሊሉ ክጠፍእ ዘይክእል ሓዊ እውን እናተኣጉደን ክኸይድ ንሪኦ ኣሎና ። ብዓቕሚ ሃገራውያን ዝህነጽ ንሃገራውያን ዘዐንግል ቑጠባዊ ትካላት ብዙሕ የለን ። እተን ሃገራት ናይ ሃገራውያን ይኾና የለዋን ። በብጊዚኡ እናተባረዐ ህዝቢ ክናቑት ዝኽእል ግርጭታት እንተዘይኮይኑ ሓድነት ህዝቢ ዝሕሉን ብሰላም ባሓባር ከንብር ዝኽእል ፖሎቲካዊ ሂወት ይኹን ባህላዊ ትካላት ይምዕብል የሎን ።

ህዝብታት ከባቢና ፡ ኣብ ሃገሮም ከንብሮም ዘኽእሎም ዝነበረ ሓያል ሃገራዊ ክብርታት እናደኸመ ይኸይድ ኣሎ ። በዚ መስረት ስለዘይቃላሕ ዳኣሉ እምበር ህዝቢ ካብ ከባቢና ብብዝሒ እቲ ዘባ እናገደፎ ናብ ስደት የቕንዕ ኣሎ ። ድሮ ብዙሓት ስድራቤታት ጠቅሊለን መበቖላዊ ዓደን ገዲፈን ንስደት ዝኸዳን ኣብ ስደት ተጣይሰን ይነብራ ከምዘለዋ ምዕዛብ ዘሸግር ኣይኮነን። ካብ ብዙሓት ሃገራት እውን ፡ ተማሂሮም ሃገሮም ከገልግሉ እምንቶ ተገይርሎም ፡ ንወጻኢ ንዝላዓለ ትምህርቲ ዝተሰዱ ብዝኸድዎ ይተርፉ ኣለዉ ። ህዝብታት ከባቢና ዓዲ ገዲፎም ንምጻእ ዝጸገሞም እንተዘይ ኮይኖም ክንደይ ካብ ሚኢቲ ዶኾን ይኾኑ ነፈርቲ ቀሪብካ ፡ ያላ ንኣመሪካ ፡ ንኤውሮጳ ፡ ንኣውስራልያ … ተበገስ ተባሂሉ ፡ ብድሌቱ ኣይፋለይን ኣይስደድን መሬቴይ ገዲፈ ኣይከይድን ብምባል ንስደት ዝሕሰም? ክንድይ ንተረፈ ክንደይ ሃገሩ ገዲፉ ንተሰደ ? በዚ መሰረት እቲ ዞባ ንመን ክኾውን ከምዝድለ እናነጸረ ይኸይድ ኣሎ ።

እዚ ብግዳማዊ መልክዓቱ ክትሪኦ ኮለኻ ፡ ናይ ቑጠባዊ ናብራ ሕሰምን ምስኡ ዝተኣሳሰር ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ዝፈጠሮ ዘሎ ጸገም እዩ ክንብል ንኽእል ኢና ። ኮይኑ ግን ሃገራት ብመገደን ሃገረን ከይሃንጻን ዘለወን ጸገማት ከይፈትሓን መን እዩ ጸገም ዝኾውን ዘሎ ? ህዝቢ ብመገዲ ከይማሓደር መን’ዩ ጸገም ዝኾውን ዘሎ? ኣየነቲ ሃገር ኣላ ህዝባ ብናጻ ከተማሕድርን ጸጋታት ሃገራ ክትጥቀመሉ ዝተገድፈት? ጎንጽታት ነባሪ ዝኾኑ መፍትሕታት ከይግበረሎምን ፡ ዋላ እውን ብናይ “ዓለም ቤት ፍርዲ” ብይን ዝተዋህቦ ከይተረፈ ከይትግበር ዝዕንቅፉ ዘለዉ ሓይልታት ባዓል መን እዮም? ንምንታይ ዕላማ?

ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንዝኾነ ናይ ኣፍሪቃ መንግስቲ ፡ መሊስካ ቑጠባዊ ጸገም ተፈጢርካሉ ህዝቢ ናዕቢ ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ፡ ንህልዊ ዓለማዊ ኩነታት ዘይምርዳእ ፖሎቲካዊ ድኽነት ኮይኑ ብቀጥታ ሃገራውነት ዘዳኽምን ንስደት መደንፍዒ መሳርሕን እዩ ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ህዝቢ ዓብዪ ናይ ስደት ምርጫታት ኣለዎም ። ናይ ዝሓለፉን ናይ ሕጅን ስደታት ሓደ ኣይኮኑን ። ኣብዚ ጊዜ ህዝቢ ኣብ ሓደ ሃገር ተዓጽዩ ኣይኮነን ዝነብር ዘሎ ።

ካብዚ ሓሊፉ ፡ ሃገራውነት ብኽለተ ካልእ መንገድታት’ውን ይውቃዕ ኣሎ ። ብታሕቲ ፡ ብትሕተ ሃገራውነት ( ቀቢላነት ፡ ዓሌትነት ፡ ኣውራጅነት ፡ እንዳነት ..) እዚ ጉዳይ’ዚ ዋላ ናብ ስደት ተጓሪቱ ሃገራውነት ዘዳኽም ዘሎ ሕማም እዩ ። ብላዕሊ ከኣ ብጉሎባውነት ። ጉሎባውነት ምዕባለ ሕብረተ ሰብ ዝፈጠሮ ዘይዕገት ጉዳይ እዃ እንተኾነ ፡ ብኣገባብ እንተዘይተታሒዙ ንዝያዳ ሓይሊ ገንዘብን ንብረትን ንዘለዎም ውሑዳት ሃገራውያን ይኹኑ ባዕዳውያን ዕድል ፈጢሩ ፡ ኩሉ ቑጠባውን ካልእ ጉዳያት ሃገርን ብውሑዳት ከምዝባሓት ስለዝገብር ፡ ሃገራውያን ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ተጠቃምነት ስለዘንእስ ሃገራዊ ፍቅርን ተወፋይነትን ከምዘድኽም ብተግባር ክረኣ ዝጸንሐን ዝረኣ ዘሎን ጉዳይ እዩ ።

በዚ መሰረት’ዚ ከኣ ኩልና ኤርትራውያን ፡ እዚ ማዕቀብ እዚ ኮነ ፡ ካልኦት ዘየቛርጹ ተጻብኦታት ፡ ንናይ ካልኦት ረብሓታት ንምሕላው ዝተዋደዱ ተንኮላት ምዃኖም ተረዲእና ብሃገራዊ ሓላፍነት ክንጥምቶም ዝግባኣና ጉዳያት ምዃኖም ብጥንቃቀ ክንሪኦም ይግባእ ። ከምኡውን እዚ ማዕቀብ እዚ ፡ መቐጸልታን መለቀብታን ናይቲ ነዊሕ መዋእል ዝሓዘ ፡ ተጻብኦ ንህላው ኤርትራዊ መንነትን ሃገርን ምዃኑ ፡ ዋላ እኳ ታሪኽ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንዝፈልጡን ክፈልጡ ንዝደልዩን ኣካላት ፡ ምስጢር እንተዘይኮነ ፡ ንዝሓለፉ ዘዘኻኽሩ ታሪኻውያን ፍጻሜታት ኣታሓሒዝና ምጥማት ኣድላይ ይኸውን ። እዚ ተጻብኦ እዚ ካብ ፍሉይ ንኡስ ተርእዮ ከምቲ ብናይ ጸላእትና ሚድያ ዝቓላሕ ጥራሕ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ፡ ዓሚቝ ሱር ዘለዎ፡ ብመሰርቱ ምስ መሰል ምንባር ህዝብታት ዝጋራጮ ዕላማ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተበደልና ህዝቢ ኢና ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጸገም ክፈጥር እንተዘይኮኑ ፡ ዝረአ ንህዝቢ ኤርትራ ሓጋዚ ኣበርክቶ ዝገበረ ውድብ ኣይኮነን ።

እዚ ባይቶ እዚ (ባይቶ ሕቡራት ሃገራት) ፡ ንፍሉያት ሓያላት ሃገራዊ ረብሓታት ንምሕላው ካብ ዝብል ዕላማ ፡ ንኤርትራ ብ 1950 ዓ.ም ምስ ኢትዮጵያ ከምትቁረን ገበረ ። ብሰንኪ’ዚ ዘይቁኑዕ ብይን፡ ዝፈጠሮ መግዛእታዊ ሕሰም ፡ ን30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ተኻይዱ፡ መለክዒ ዘይርከቦ ዋጋ ተኸፊሉ። ኣብ መጨረሻ ፡ ኣብ መንጎ ገዛእትን ተገዛእትን ዝነበረ ዝምድና ብደም ጀጋኑ ኤርትራውያን ተሰይሩን ተበቲኹን ። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ረኺቡ ። እንደገና ህዝቢ ኤርትራ እግሪ ከይተኸለ ፡ ሕጂ እያ ዕድል ዘላትና ብምባል ምእዙዛት ጎሮባብቲ ፡ ሕቶ ዶብ ኣሳቢቦም መሬትና ክዘምቱን ክምንዝዑን ዳግማይ ፈቲኖም ። “መሬትካ ክዝመት ዓይንኻ ዶ እዕመት” ካብ ዝብል ሃገራዊ ወኒ፡ ህዝቢ ንምክልኻል ዓደ’ቦ ከቲቱ ። ህዝቢ ኤርትራ ብሕጊ ንዝመጾ ብሕጊ ፡ ብኵናት ንዝመጾ ከኣ ብኵናት ክገጥሞ ተገዲዱ ። እንደገና ኩቡር ዋጋ እውን ከፊሉ ።

ናይ ቀዳማይ ኮነ ናይ ዳሕረዋን ዕንወታት ተሓታቲ በዓል መን እዮም ? ህዝብና ንዝተበደለሉ ብይን ዝህብ ቤት ፍርዲ ይርከብ ዶ ? ወይስ እተማልአ ዓቅምን ሓይልን ምስ ኣጥሬኻ፡ ጥራይ እዩ ዕድል ተረኺቡ ተሰማዕነት ትረክብ ? ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ወራራት ንዘካይዱ ፡ ኣጽዋር ንዘዓጠቁ ፡ ስንቂ ብቀጥታን ብመልኽዕ ረዲኤትን ንወራሪ ሓይሊ ዘስነቁ፡ ደሞዝ ሰራዊት ዝኸፈሉ ፡ ዘሰልጥኑ፡ ዘማኸሩን በዓል መን ነበሩ ? በዓል መን እዩም ንዘይቅዱስ ዕላማ ፡ ንጥፍኣት ዓይኖም ሰለም ከየበሉ ዝሰርሑ፡ ብግብረ-ሽበራዊ ስርሓቶም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ዝግበኦም ?

ዘላቶ ተኻፊሉ ተዓንጊሉ ዝሓድር ህዝቢ ምስ’ቲ ብሕትውና ዝለመደ ጎባጢ ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ረብሓታት ቀዳምነት ዝህብ ምስ’ቲ ናይ ውሑዳት ረብሓታት ዘቅድም ፡ እቲ ብጻዕሩ ሰሪሑ ብሰላም ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ምስ’ቲ ግዝኣቱ / ስዉር መግዛእቱ ከስፋሕፍሕ ዝደሊ ሓይሊ …… ፡ ብብዙሕ መንገድታት ሲኒት ክርከብ ዝኽእል ኣይኮነን ። ንኡስ ሓይሊ እዩ ተባሂሉ እውን ኣይተናዕቀን ፡ ናጽነት ረኺቡ ብመንገዱ ዓዱ ክሃንጽ ኣይተደልየን ። ብባህላዊ ኣቃውማ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጠሚትካ እውን ተሓጋጊዝካ ምንባር ዝብል ኩቡር ባህሊ ከምዘለዎ ኣይተራእየን ። ስለዝኾነ ብዙሕ ተጻብኦታት ፈቲኖም ኣይሰርሓሎምን ። ብኻልእ ዓይነት ተጻብኦ ፡ ብማዕቀብ ክውቃዕ ምርጫ ገበሩ ። ቀጻሊ ስነ-ኣእምራኣዊ ኵናት ከኣ ዊሒዙ ኣይተጻዕደን ግን ።

ኣብ ታሕሳስ 5,2009 ዓ.ም. ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ1907 ዝፍለጥ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ቀዳማይ ውሳነ፡ መክልኻል ብቕዓትና ንምድኻም፡ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ተገብረ ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት እንደገና ኣብ ታሕሳስ 23, 2011፡ ብ2031 ዝፍለጥ ተወሳኺ ውሳነ፡ ኣብ ቑጠባ ሃገር ዝቀንዐ ማዕቀብ ኣኽረሩ ።

እዘን ክልተ እገዳታት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፡ ካብ ዝኣረገ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብ እንሰጋገረሉ እዋን እየን ተወሲደን ። ብባህልና ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና ኢልና ብሓድሽ መንፈስ ንብገሰሉ ጊዜ እዩ ። ዋላ ናይ ጊዜ ምርጫኦም ኣንጻር ጠቅላላ ህዝቢ ኤርትራ ዘቅነዐ ሓያል ስነ-ኣእምራዊ ኵናት ትሕዝቶ ዘሎዎም ምዃኖም ክንዝንግዕ ኣይግባእን ። ነቲ ባህላዊ ሰረታትና ኣጽኒዖም ይገብርዎ ከምዘለዉ እውን ክንፈልጥ እግባእ ።

ይቅጽል

 
Received on Fri Mar 06 2015 - 17:12:19 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved