ኣብ ኣፍደገ ቤ/ጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው ውፉያት ኤርትራዊያን ብመገዲ ወከልቶም ኣቢሎም ምስ ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣኒያ ክራከቡ ኢዬም "ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 4 Jul 2015 15:37:23 +0100

መቀጸልታ ናይቲ ብ22 ሰነ 2015 ኣብ ጀኔቫ ዝተካየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራዊያን ተቀማጦ ዓብርጣኒያ ብዝዎሰድዎ
ተበግሶ ካብ 26 ሰነ ጀሚሮም ኣብ ለንደን ኣብ ኣፍደገ ቤ/ጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ ብምሕዳርን ምውዓልን ብመሰረት
ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዬጲን ሰርዓት ወያነ ካብ ሒዝዎ ዝርከብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእ, ኣብ ልዕሊ
ኤርትራ ዝተነብረ ዘይፊትሓዊ ማዕቀብ ክላዓል, ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብቀጻሊ ዝካየድ ተጻብኦታት የብቅዕ,
ብስም ብሂማን ራይት ራፓርተር ዝቀረበ ጸብጻብ ንኣብ ደገን ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ኣይኮነን, እዚ
ስለ ዝኮነ እቲ ሓቂ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጉኒ ሓቀኛ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዶወ ክብል ዝጽውዕ ጠለባት
ብምሓዝ’ዬም ካብ 26 ሰነ 2015 ጀሚሮም ጉቡእ መልሲ ስጋብ ዝረክቡ ኣብ ኣፍደገ ቤ/ጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ
ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው።


ካብቶም ኣብ ኣፍደገ ቤ/ጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው ኤርትራዊያን ሰነ ጥበባዊያን፤ ብዕድመ
ዝደፉኡ ኣቦታት ኣዴታትን፤ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዬን፤ ደቂ ኣንስትዬን ይርከብዎም።


እዚ ድሮ ሓደ ሳምንቲ ኣቁጺሩ ዘሎ ኣብ ኣፍደገ ቤ/ጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ ናይ ምሕዳርን ምውዓልን መደብ ስጋብ
ኣዕጋቢ መልሲ ንሕቶታቶም ዝረክቡ ቀጻሊ ምኳኑን ድሮ ሓያሎ ኤርትራዊ ተቀማጦ ዓ/ብርጣኒያ ይጽንበርዎ ከም ዘለውን ካብ
ኣውሃሃቲ እቲ መደብ ንምድላው ዜና ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዓርቢ 3 ሓምለ 2015 ኣስታት1000 ሽሕ ኤርትራዊ ተቀማጦ ዓ/ብርጣኒያ ነቲ ድሮ ቀሪቡ ዘሎ
ሕቶታት ደገፎም ንምግላጽ ኣብ ኣፍደገ ቤጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ ካብ ስዓታት 9:00 ቅድሚ ቀትሪ ስጋብ ስዓት
8:00 ምሸት ደገፎም ክገልጹን ነቶም ብቀጻሊ ኣብ ጽርጊያ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለው ውፉያት ኤርትራዊያን ከተባብዑ
ዘምሰዩ ኩኮኑ ከለው ኣዴታት መግብን ማይን ኣቅሪበን።


እዚ ብውሑድ ቁጽሪ ዝተበገሰን ልዕሊ ሓደ ሳምንቲ ኣቁጺሩ ዘሎ ኣብ ኣፍደገ ቤጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ ናይ ምውዓልን
ምሕዳርን ሱጉምቲ ኣቃልቦ ቡዙሓት ይስሕብ ከም ዘሎን በዚ ድማ ኣብ ቀረባ ምዓልታት እዞም ውፉያት ኤርትራዊያን ብመገዲ
ወከልቶም ኣቢሎም ምስ ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣኒያ ክራከቡ ሙኳኖም ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ዝበጽሓና ዜና ኣረዲኡ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ መደብ ቀጻሊ ምኳኑን ኩሉ ኤርትራዊ ተቀማጢ ዓ/ብሪጣያ ብቀጻሊ ነቶም ስርሖም, ስድራቤቶም, ዕለታዊ
 መንባብርኦም, ኣወንዚፎም ሃገር ቅድሚ ኩሉ ብማለት ኣብ ኣፍደገ ቤ/ጽ 1ይ ሚኒስተር ብርጣኒያ ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው
ከም ሉሙድ ኤርትራዊ መከተ ክሓብርዎም ነዚ መደብ ንምዕዋት ዝክኣሎም ከበርክቱ ጸዊዑም።

ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ -
https://adalvoice.wordpress.com/






oie_animation115.gif
(image/gif attachment: oie_animation115.gif)

j1YatyQguSb5__1_19.jpg
(image/jpeg attachment: j1YatyQguSb5__1_19.jpg)

Received on Sat Jul 04 2015 - 10:37:25 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved