ስርዓት ወያነ ሎሚ ኣብ ጀኔቫ ብገዛእ ሉኡካቱ ዳግማይ ተቃሊዑ...”ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን”..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 26 Jun 2015 18:28:12 +0100

ስርዓት ወያነ ብስም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሎሚ 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀኔቫ ዝወዶቦን፤ ዝመርሖን፤ ዝመዎሎን፤ ክሳብ
ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ካድራት ወያነ ዝተሳተፉዎ ንጽብጻብ ሂማን ራይት ራፖርተር ዝድግፊ ሰልፊ እዃ እንተወደቡ፤ እቶም
ኣብ'ቲ ሰልፊ ክሳተፍ ዝተነግሮም መብዛሕትኦም ነበርቲ ኤሮፖ ዝኮኑ ኢትዬጲያዊን መጋበርያ ወያነ ፤ ባንዴራ ኢትዬጲያ
ሂዞም ብምምጽኦም ነቲ ብስም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምስልዋ ዝፈተኑ ሰለማዊ ሰልፈ፤ እቶም ኢትዬጲያዊያን ኣብ'ቲ ሰልፊ
ምስ ባንዴራኦም እና ተሳእሉ ኣብ ሾሻል ሜዲያ ክዝርግሑ ብምጀማሮምን ካድራት ወያነ ስንባደ ስለ ዝፍጠረሎም ካብ ሾሻል
ሜዲያ ክድምስስዋ ከም ዘርፈዱ ካብ ጀኔቫ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ስርዓት ወያነ ሉኣላዊ መሬት ጉቢጡ ኣብ ዘለወሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ዘይፊትሓዊ እገዳ ንክናዋሕ ካድራቱ ኣዋፊሩ
ምስ ልኣክቱ ኣብ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ዘለወሉ ኣጋጣሚ ንጉዳይ ንጽብጻብ ሂማን ራይት ራፖርተር ጉልባብ ተጠቂሙ ፤ ብስም
ኤርትራዊያን ስደተኛታት፤ መብዛሕትኦም ነበርቲ ኤሮፖ ዝኮኑ ኢቲዬጲያዊያን መጋበርያታቱ ኣሰሊፉ ምርኣይ ምስ ሑሉፍ
ተግባራት ወያነ ኣመዛዚንካ ዝገርም'ዃ እንተ ዘይኮነ ስርዓት ወያነ ሎሚ ኣብ ጀኔቫ ብገዛእ ሉኡካቱ ዳግማይተቃሊዑ'ሎ።

እዚ ነቶም ንጹሃት ብ 22 ሰነ 2015 ልዕሊ 22 ሽሕ ኤርትራዊያን ስርሖም፤ ትምህርቶም፤ ዕለታዊ መነባብርኦም፤
ሕክምናዊን መገሻውን መደባቶም ኣቋሪጾም ኣብ ከተማ ጀኔባ ተረኪቦም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ዘይፈትሓዊ ማዕቀብ
ይልዓል፤ ብሂማን ራይት ራፖርተር ዝቀረበ ጽብጻብ ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከብ ኤርትራዊ ዝውክል ኣይኮነን፤ ኣብ
ልዕሊ ኤርትራን ሕዝብን መንግስትን ዝካየድ ተጻብኦታት ኩሉ ብዘይ ቅድመ ኩነት ደው ይበል፤ ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብ፤
ኢትዬጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ካብ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፉነቱ ይሰከም፤ ዝብሉ ጠለባቶም
ዘቅረቡ ልዕሊ 22 ሽሕ ኤርትራዊያን ዓቢ ዓወት'ዩ።


​መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ኣብ'ዚ ጠውቁ https://adalvoice.wordpress.com/


nYtWALnar6WF.jpg
(image/jpeg attachment: nYtWALnar6WF.jpg)

Received on Fri Jun 26 2015 - 13:28:11 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved