ንስኹም ዶ ፍትሒ ምሰአንኹም ?

From: Fiseha Weldemichael <fisehaweldemichael_at_sbcglobal.net_at_dehai.org>
Date: Wed, 24 Jun 2015 20:53:38 -0700

ንስኹም ዶ ፍትሒ ምሰአንኹም ? ክቡር ህዝቢ ጸገም ዘይከብዶም ደለይቲ ፍትሒ ደለይቲ ሰላም ተበላሓቲ ህዝቢ ኩሉ ዘይአግሞም ክብሪን ሞገስን ልዕሊ ኩሉ ዝግበኦም ሕጂ ከኣ ደልዮም ፍትሒ ኽኸልእኹም? ግፍዕን መከራን ተጻዊርኩም ኣሽሓት መንእሰያት መስዋአቲ ኸፊልኹም ብታንክታት ኸይተረፈ ተረጊጽኹም ሕጂ ኸአ ያኢ ብመሰል ወዲ ሰብ ተገዲሶም ኣብ መገባእያ ዓለም ሽፊጦም ኽኸስኩም ትማሊ ተዓጊብኩም ካልኣይ ኽደግሙኹም ኣንታ ኣብዛ ዓለም ዓገብ ዝብሉ ደፋራት ዶ ተሳኢኖም? ብሽም ሰብኣዊ መሰል ኽደፍሩ ገዛኹም ሓቂ ረጊጾም ሸፊኖም ሽፋፊኖም ንህዝቢ ዓለም ዓይኑ ዓሚቶም ኸም ዘይዛረብ መርበብ ናይ ሓሶት ዘርጊሖም
 ኽም ዘይሰምዕ ኣእዛኑ ኣጽሚሞም ፍትሒ ርትዒ ናይ ዉጹዓት ረጊጾም ግርምቢጥ እዩ ንዓኹም ኺኸስኹም። መንእሰይ ኽስደድ ብ ሓሶት ጎሳጉሶም ሃጽ ኢሉ ኽጠፍእ ኣንጻር ህዝቡ ኣላዒሎም ኻብ ህንጸት ሃገር ኣቦኹሮም ዘርሞ ዘርሞ ኽተርፉ መንእሰይት ኻብ ትምህርቶም መሰል ወዲ ሰብ ዚገሃሱ ኣይ ንሶም እንድዪም ባዕሎም። ነቶም ጀጋኑ ደቆም ዝወጹ ኻብ ኣብራኾም ዘይእመን ምረት ብጅግንነት ተጻዊሮም ዘይመስል ዝነበረ ትጻነት ኣውሒሶም ነቶም ጀጋኑ መራሕቲ ዶ ደአ ክሲ ምተገበኦም ! ኽግፋዕ ኽቅተል ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ኔሮም ብሰንኺ መግዛእቲ ኽእሰር ኽነብዕ ደም ዓመታት ሓሊፉ ኸም ዘይስምዑ አጽቂጦም ሓለይቲ መሲሎም
 ኽግሕጡ ዘይናቶም ሕጂ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ን መራሕትና ኽህቡ ዘይሺሞም? በሉ ተቃለሱ ኸም ቀደምኹም ገጥ በሉ ሽጥ መዓንጣኹም ትማሊ እዃ ዘይሓመቅኹም ሓይሊ ኽህበኩም አዩ ሕድሪ ስዋአትኩም እምበር ንስኹም ዶ ፍትሒ ምሰኣንኹም። ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ ፍስሃ ወልደሚካኤል


IMG_21660183414728.jpeg
(image/jpeg attachment: IMG_21660183414728.jpeg)

Received on Wed Jun 24 2015 - 23:56:20 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved