በሉ እንሆልኩም ኣክብርዋ ብኣካሉ ነብሪ እቲ ኣብ 50ታት ባንዴሩኡ ዝተከልኤ፤ ዝተጀለጠ ብካራ ዝተሓርደ፤ ባንዴሩኡ ዝተከለ “ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን”…

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 22 Jun 2015 21:47:12 +0100

ሪኢኩሞ’ዶ ነብሪ ኣባ ፈንቅል ዲኖ ተወንዛፊ ጀለቢያ ለባሲ ቁርኣን ከታቢ ዋዜማ ዘማሪ፤ በሉ እንሆልኩም ኣክብርዋ ብኣካሉ
ነብሪ ካብ ሰማይ ተወርዊሩ ካብ ገረብ ወሪዱ ኣብ ጀኔቫ ዊዕሉ መናኒሁ ደርቢዋም ሓምሓም ርእሶም ቀዲዱ፤ ሪኢኩሞ’ዶ ነብሪ
ኣባ ፈንቅል፧ ድሕር’ኳ ኣይበለን ንዓመጽ ክነቅል ሃጀማይ ሃሮምሮማ መጺኦም ኵሕጥዋ ሓፍበጠቅ ኣቢሉ ኣብ ጀኔቫ ቀቢሩዋም።
ሪኢኩሞ’ዶ ነብሪ ኣባ ፈንቅል ንለያሕ ሕውከተኛ ቁጡዕ ትኣፊፊ ሓንፋጢ፤ ንሰላማዊ ዕጉስ ኣልሓምዲላሕ ብሃሊ፤ ኣንቱም
ሰባት ነብሪ ኣባ ፈንቅል ድሕር’ኳ ኣይበለን ትማሊ ንዓማጺ ክነቅል፤ ወድቶም ብርቱዓት ሓበን ሕዝቡ ናይ ትውልዲ ኩርዓት፤
ሪኢኩሞ’ዶ ነብሪ ኣባ ፈንቅል ኣብ ጀኔቫ፤ እቲ ትማሊ ሶደሪኡን ጀለቢኡን ደርቢ’ዩ ኣንጊሁ ጠሓሒሱ ዝከተተ ምሓውሩ
ደፉሊጹ ህይወቱ ዝሰወኣ፤ እቲ ኣብ 50ታት ባንዴሩኡ ተገዚሩ መሰሉ ዝተከልኤ፤ ዝተጀለጠ ብካራ ዝተሓርደ፤ ባንዴሩኡ
ዝተከለ ብጀግንነት ብትብዓት፤ በሉ እንሆልኩም ኣክብርዋ ብኣካሉ ነብሪ ካብ ሰማይ ተወርዊሩ ካብ ገረብ ወሪዱ ኣብ ውዕሎ
ጀኔቫ መናኒሁ ደርቢዋም ሓምሓም ርእሶም ቀዲዱ፤ ሪኢኩሞ’ዶ ነብሪ ኣባ ፈንቅል በሉ እንሆልኩም ኣክብርዋ ብኣካሉ ነብሪ
 ኣባ ፈንቅል ካብ ሰማይ ተወርዊሩ ካብ ገረብ ወሪዱ ኣብ ጀኔቫ ዊዕሉ መናኒሁ ደርቢዋም ሓምሓም ርእሶም ቀዲዱ።

ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን

22/06/2015

መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያንኣብ'ዚ ጠውቁ https://adalvoice.wordpress.com/





QXgFMk84rs60.jpg
(image/jpeg attachment: QXgFMk84rs60.jpg)

Received on Mon Jun 22 2015 - 16:47:12 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved