ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ካብ ዝተፈላለ ኩርንዓት ዓለም ዝተኣካከቡ ኣምባሳድራት ኤርትራ ኣብ ጀኔቫ ድምጻም የስምዑ ለው ”ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን”..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 22 Jun 2015 12:18:46 +0100

ኣብ ዝተፈለየ ኩርንዓት ዓለም ብዝርከባ ሃገራዊን ኤርትራዊያን ማሕበረ ኮማት ዝተውደበን ንምውዳቡ ሓጺር ግዜ ዝወሰደን
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራዊያን ህጻናት መንእሰያት ወለድን ዘሳተፈ ሰፈሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፈደገ ማእከላይ
ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ይካየድ ኣሎ።ተሳተፈቲ፤ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ዘይፈትሓዊ ማዕቀብ
ይልዓል, ብሂማን ራይት ራፖርተር ዝቀረበ ጽብጻብ ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እርከብ ኤርትራዊያን ዝውክል ኣይኮነን,
ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሕዝብን መንግስትን ዝካየድ ተጻብኦታት ኩሉ ብዘይ ቅድመ ኩነት ደው ይበል, ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን
ዶብ ኢትዬጵያ ብዘይ ቅድመ ኩነት ካብ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፉነቱ ይሰከም, ዝብሉ ጭርሖታት
ብሓያል ድስፕሊን ተሰነዬም ንየቃልሑ ምሕላዎምን ኣባል ምስንዳእ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ካብ ጀኔቫ ቦታ ሰልፈ ሓቢሩ።እዞም
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ካብ ዝተፈላለ ኩርንዓት ዓለም ዝተኣካከቡ ኣምባሳድራት ኤርትራ ካብ ትማሊ 21 ሰነ 2015
ኢዬም ስርሖም, ትምህርቶም, ዕለታዊ መነባብርኦም, ሕክምናዊን መገሻውን መደባቶም ኣቋሪጾም ኣብ ከተማ ጀኔባ ክኣትው
ጀሚሮም።ሙሉእ ጸብጻብ ምስ በጽሓና ከነቅርበልኩም ውን እንተኮና ግዝያዊ ንዝበጽሓና ሓበሬታት ብቀጻሊ ክንዝርግሓልኩም ኢና።
መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያንኣብ'ዚ ጠውቁ https://adalvoice.wordpress.com/




FhhI5eSxq2H9.jpg
(image/jpeg attachment: FhhI5eSxq2H9.jpg)

Received on Mon Jun 22 2015 - 07:18:46 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved