" ኤርትራ ሰላማን ርግኣታን ኣውሒሳ ኣብ ልምዓት ሃገር ተጸሚዳ ዘላ ሃገርያ" ዓመጽ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክሳብ መዓስ? ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊ..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 20 Jun 2015 14:45:02 +0100

ብተኬኤ ክብሮም
መን`የን ንህዝቢ ዓለም ራህዋን ሰላምን ከሊአን እሾክ እናዘርአ ዳር ትርኢት ዘጽግብኦ ዘለዋ? በዓል መን ዲየን
እንዳማተን ልኡላውነት ደፊረን ህዝብታት ኣደዳ ሞትን ስቃይን ክከውን ዝፈርዳ ዘለዋ? ብሰንኪ መንዲ`ዩ ህዝቢ ዓለም ኣብታ
መዳሕንቱ ዝተቀብረትላ መሬቱ ቀሲኑ ክንዲዝነብር ንክስደድ ዝፈረደ? እቲ ቅኑዕ መልሲ ኣመሪካን ሰዓብታን ክነሰን።
ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና ጠቀነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን በንጻር`ዚ ክውንነት`ዩ፡ እዚ ድማ ዘሕምቆ ኣለኒ በትረይ
ሃቡኒ ማለት`ዩ።


ኣብ 1952 ኣምበሳደር ኣመሪካ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ መርገጺ ስርዓት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ
ኤርትራን ህዝባን ኣብ መገባእያ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣፉ መሊኡ ከምዚ ክብል መልእክቱ ኣመሓላሊፉ` ኔሩ * *ብዓይኒ
ፍትሒ ክርአ እንከሎ፡ ድሌትን ኣተሓሳስባን ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት**`**ኳ እንተኮነ፡ ንነባሪ ስትራተጂካዊ ረብሓ
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ጸጥታዊ ድሕነት ቀይሕ ባሕርን፡ ዓለማዊ ምቁጽጻርን ልዑል ረብሓ ኣመሪካ ንምሕላውን፡ ነዛ
ሃገር፡ ንኤርትራ ማለቱ**`**ዩ ምስታ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትቁረን ወሲና ኣለና* ክብል ኣብቲ እዋን ኣብ ማእከል ኣደራሽ
ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መሰል ህዝቢ ኤርትራ በታ መንከማይ በሃሊት ኣመሪካ ክገሃስ እንከሎ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ
`ዚ ዘይፍትሓዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ተቃውሞ ኣየርኣየን። እኻድኣ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክከውን`ዩ መሪጹ....
ንምሉእ ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ - https://adalvoice.wordpress.com/


ifnpvfcnenfc__1_2.jpg
(image/jpeg attachment: ifnpvfcnenfc__1_2.jpg)

Received on Sat Jun 20 2015 - 09:45:02 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved