TesfaNews: መስዋእቲ፡ ዋጋ ሓርነት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 13 Jun 2015 12:34:10 +0200

መስዋእቲ፡ ዋጋ ሓርነት

መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ምኳኑ ብኣጋ ኣለልያ ግቡእ ዕዳኣ ትኸፍል ሃገር
ፍረ ጻማ ናይዚ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእትነት፡ ንኹሉ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብር ህዝባ እትሓቁፍን እተርውን፡ ኣብ መንጎ ገጠራትን ከተማን ዘሎ ዘይንቡር ፍልልያት ኣጽቢባ ማሕበራዊ ፍትሒ እተንግስ ዝያዳ ተበሃጊት ሃገር ምሕናጽ እዩ። መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ምኳኑ ብኣጋ ኣለልያ ግቡእ ዕዳኣ ትኸፍል ሃገር ድማ ኣላትና።

ዶ/ር በረኸት ፈዳይ (ወዲ ፈዳይ)

  |

ሓደ ሕብረተሰብ ህላዌኡ ዘውሕስ ብዘይካ’ቲ ኣብ ውልቃዊ ሂወቱ ዘርእዮ ህርኩትነት፡ ኩሉ እንተንኡ ወፍዩ ንድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ብንቕሓት ከገልግል ድሉው ዝኾነ ዜጋ ምስ ዝህልዋ እዩ። እዚ ክሳብ’ቲ ሂወቱ ከይተረፈ ከበጁ ቁሩብ ዝኾነ ተባዕ ህዝቢ እትውንን ሃገር ኢና ንዛረብ ዘሎን። ኣብ ኤርትራ ነዞም ተባዓት “ጅግና ተጋዳላይ/ተጋዳሊት” ዝብል ስም ኢና ሰሚናዮም።

መስዋእትነት ሓንቲ ሃገር ንዜጋታታ እትሓቶ ናይ መጨረሽታ ጻውዒት እዩ። ኤርትራ ንህላዌኣ ልዕሊ ዓቕሚ ዜጋታታ ዝኾነ ሂወት እያ ሓቲታ። እዛ ብጀጋኑ ዝተኸበት ሃገር መንእሰያታን ዓበይታን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታን ሃይማኖትን ኩሎም ንመስዋእቲ ስለዝተቐዳደሙላን ዝተሰየፉላን ድማ ንርእሰ ሓያላን ገጢማ ንሕግታት ወተሃደራዊ ቅድታትን፡ ፖለቲካዊ ትንታኔታትን ዓለምና በርጂና ሓደስቲ ናይ ታሪኽ ምዕራፋት ከፊታ ክንዕወት ዝበቕዐት። ስለዝኾነ ድማ እዩ፡ ክብራ ረዚን፡ ፍሉይነታ ድሙቕ፡ ህዝባ ስሙርን ሕቡንን፡ መርገጻ ድማ ጽኑዕ ኮይኑ ዘሎ። 

መቐረት ናጽነት ንዓና ንኤርትራውያን ኣዝዩ ክቡር እዩ። ምቁር እዩ። ብዋጋ ዘይትመን ህያብ ስውኣትና እዩ። እቲ ምንታይ ውሑዳት ክንስና፡ ኣብ ታሪኽ ዝኣበስናዮ በደል ዘይብልና ከሎና፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ስለዘጋጠመና ግን መግዛእትነት ንምምሓው ልዕሊ ዓቕምና መስዋእትነት ከፊልና። እዚ ትዕድልት’ዚ መሪጽና ዝኣተናዮ ዘይኮነስ፡ ካብ ባርነት ንምግልጋል ሓደ ምዕቡል ወለዶ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ሓርነት ስለዝኾነ ክቡር ዋጋ ክንከፍል ድልዋት ስለዝኾና እዩ።

ንስለ እዛ ሓላል መሬት ዝተበጀዉ ጀጋኑ ስዉኣትና ክንዝክር እንከሎና ኩልጊዜ ኣብ ኣእሙሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝቕጀሉ ነገራት እንተሃልዮም እቲ ጅግንነቶም፡ ተወፋይነቶምን ሓልየቶምን እዩ። ቅንያቱ ሰማእታትናን ህልዋትናን ብመንፈስ ገጽ ንገጽ እንራኸበሉ እዋን ስለዝኾነ፡ ንነብስና እንፍትሸሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ድማ ይግባእ። ሰማእታትና ኣበይ ኣለዉ? ኢልና እንሓተሉ፡ ንነብስና ንቑሩብ ደቓይቕ ዝኸውን፡ ዋላ’ውን ንሒዶት ክልኢት ትኣክል ኣብቲ ሰማእታትና ዘለውዎ ስፍራ ኣቐሚጥና ብጽሞና ነስተንትነሉ ህሞት እዩ . . . እወ! መትንታትና ደም ሓርቢትዎ ነቒጹ፡ ኣካላትና ምስትንፋስ ስኢኑ ተዓቢሱ፡ ህዋሳትና ንዘልኣለም ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ብሓመድ ተጸቒጡ በሪሱ. . . . ነስተንትን እሞ ኣሓት ኣሕዋት . . . “ለካ እዛ ሩሕና እስትንፋስ ረኺባ ኣብ ጎደናታት ሸናዕ እትብል ሂወትና ዋጋ ተኸፊልዋ እዩ” እዩ ዘብል ተዘክሮኦም። ምኽንያቱ ብመንፈስ ተጋደልቲ ተኸቢብና ስለዘሎና።

ኤርትራ ልዕሊ ህላዌኦም ህላዌ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሰርዑ፡ ጀጋኑ እንተዘይተፍሪ ነይራ፡ ሎሚ ቃልሲ ሓርነት ካብ ዝብገስ ልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ኣቑጺሩ እንዳበልና ዘመነ መግዛእትነት ነማርረሉ እዋን ምስኮነ ነይሩ። ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ኣብ ኣጋጣሚ 20 ሰነ ዝበሎ ድማ “ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ኣብ ኮለጃት ሳልሳይ ዓመት በጺሐ፡ ራብዓይ ዓመት ወዲአ እንዳበሉ ዝምረቑ ዘለዉ. . . ኣብ ቃልሲ ሓርነት ካብ መስዋእቲ እንተተሪፎም ሰለስተ፥ ኣርባዕተ ጊዜ ተወጊአ እንዳበሉ ዘዕልልሉ እዋን እዩ ምስኮነ ነይሩ”።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽንብል ናጽነቱ ካብ ካልኦት ሃገራ ኣፍሪቃ ብዝተፈልየ ስምዒትን ወንን ድምቀትን ዝጽንብለሉ ምኽንያት እንተሃልዩ እምበኣርከስ ኣብ መትንታቱ ዝለሓኰ ምስጢር ሰማእታት ስለዘለዎ እዩ!  ከምቲ ቆጽሊማይ ሰትያ ተጉለዕልዕ፡ እዛ ድምቕቲ ባንዴራና ኣብ ትሕቲኣ ዝዛሪ ደም ሰማእታትና ስለትሰቲ ዘላ ድማ እዩ ካብ ከባቢኣ ዘለዋ ናይ ካልኦት ሃገራት ባንዴራ ንላዕሊ ደሚቓ እተንበልብል ዘላ።

እዚ ኣብዚ ቅንያት ብመርማሪ ኮምሽን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ብዝኾነ መለክዒ ሙያውነትን ውድዓውነትን ዝጎደሎ ዘሕፍር መግለጺ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና ምስ እንዝክር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብግፍዕታት መግዛእትነት ክበርስ እንከሎ ዓገብ ዘይበለ ቤት ምኽሪ፡ ብሰንኩ ነዞም ሎሚ ንዝክሮም ዘሎና ጀጋኑ ሓርበኛታትና ዋጋ ክንከፍል ከምዝተገደድና እዩ ዘዘኻኽረካ፡ ስለዝኾነ፡ እዛ ተባሃጊት ሃገር ናብ ዘይዋናታታ ንኽመልስዋ ዝካየድ ዘሎ ውዲታት ብንቕሓት ክንምክቶ ይግባእ። ፍረ ጻማ ናይዚ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ስርዓት ክትሃንጽ ክትግደድ እያ፡ ንኹሉ ዝተሃሞሸ ዝሰፍሐ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብር ህዝባ እትሓቁፍን እተርውን፡ ኣብ መንጎ ገጠራትን ከተማን ዘሎ ዘይንቡር ፍልልያት ኣጽቢባ ማሕበራዊ ፍትሒ እተንግስ ዝያዳ ተበሃጊት ሃገር ክትከውን እያ። ምኽንያቱ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ምኳኑ ብኣጋ ኣለልያ ግቡእ ዕዳኣ ትኸፍል ስለዘላ።

እዛ ሃገር ገለ ኣለዋ !

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
ዓወት ንሓፋሽ !!!

Received on Sat Jun 13 2015 - 06:34:11 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved