Tesfanews.net: ዘሕዝን ፍጻሜ ስድራ ቤት ክብሮምን፡ ፖሎቲካዊ ጸወታ መርበባት ሓበሬታን

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 25 Feb 2015 18:58:01 +0100

ዘሕዝን ፍጻሜ ስድራ ቤት ክብሮምን፡ ፖሎቲካዊ ጸወታ መርበባት ሓበሬታን

ኣቶ ክብሮም ፍረዝጊ ነቲ ኣብ ተስፋ ኒውስ ዝወጸ ንኣማዉታ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓፍቱን ዘዘንቱ ቃለ መሕትት መኣረምታ ክግበረሉ ይጽውእ። ነቲ ዝወረዶ ሰፍ ዘይብል ሽግር ልዕሊ ዓቕሙ ከምዝኾነን፡ ናይ ህዝቢ ሓገዝ ኣይፈለየኒ እንዳበለ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ የሰክም ከምዘሎ ምስ ሓንቲ SBS ዝስማ ራዲዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ

SBS ትግርኛ

ክብሮም ብዛዕባ ጥፍኣት ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ሬሳኦም ንምርካብ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዶብ ኤርትራ ዝገበሮ ላዕሊ ታሕቲ ኣመልኪቱ ዘዘንተዎ ዘሕዝን ፍጻመ ተዘርጊሑ። ዘይከም ትጽቢት ክብሮም ግን ነቲ ቃለ መሕትት፡ መርበባት ሓበሬታ ዘይማእዝኑ ስለዘትሓዘኦ፡ ብዛዕባኤን በዓል ታሪኽ ክብሮም ፍረዝጊ ን፡ ነቲ ቃለ መሕትት ዝገበረሉ መም/መኮነንን ተስፋይ ዝብልዎ ኣለዎም ሞ ፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ስምዕዎ።

http://media.sbs.com.au/audio/tigrinya_150224_394195.mp3

– – – – – –
ሓበሬታ፥
– – – – – –

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽናዮ ፡ መርበብ ሓበሬታ ተስፋ ኒውስ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ክብሮምን ስድራ ቤቱን ብዝወረደ ከቢድ ሓዘንን ዘሰንድብ ፍጻመን ብዝተተሓሓዘ ሓዘና ከምዝገለጽናን ፡ ነቲ ብገለ ማእከናት ሓበሬታ ንሓልኪ ፕሮፓጋንዳ ብዝጥዕም መንገዲ ነቲ ፍጻመ ካብ ሓቂ ብዝረሓቐ ፡ ብዘይ ኣፍልጦን መረጋገጺን ስድራ ቤት ኣቶ ክብሮም ንዝተጋወሐ ዝንቡዕ ሓበሬታ ንምእራምን ፡ ነቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ብልሳን ወላዲ ኣቶ ክብሮም ፍረዝጊ ናብ ህዝቢ ምእንቲ ክቐርብ ብመንገዲ ዛራ ስነ ጥበባት ንዝተዳለወ ቃለ መሕትት ከምዘለዎ ብድምጺ ከምዘቕረብና ዝዝከር ኢዩ። በቲ ኣጋጣሚ`ውን ፡ ንመልእክቲ ኣቶ ክብሮም ምርኩስ ብምግባር ፡ በቲ ፍጻመ ዝሓዘኑ ኤርትራውያንን ገለ ግብረ ሰናይ ትካላትን ሓገዞም ከበርክቱውን ጻውዒት ኣቕሪብና ኔርና።

እቲ ዝቐረበ ዜና እምበኣር ካብኡ ዝሓለፈ ትሕዝቶ ይኹን ዕላማ ኣይነበሮን። ነቲ ቃለ መሕትት ምርኩስ ብምግባር ድማ መን ቀቲሉዎም ናብዝብልን ምክንያት መቕተሊኦም ኢዩ ኢልና ንዝኣመናሉ ከም ናትና መደምደምታ ጌርና ኣቕሪብናዮ እምበር ኣቶ ክብሮም ኢዩ ከምኡ ኢሉ ተዛሪቡ ኣይበልናን። ነቲ ምሉእ ቃለ መሕትት ብግቡዕ ዝተኸታተለ ሰብ ዝበጽሖ መደምደምታ ኢና በጺሕና። ተጋጊና እንተኾይና ድማ ይቕሬታ ንሓትት።

ብኻልእ ወገን ፡  እቲ ዝቐረበ ቃለ መሕትት ብጽቡቕ ዝተዳለወ`ኳ እንተኾነ ፡ ብኸመይ መንገዲ ኣቶ ክብሮም ክምዝሕገዝ ግና ኣይሓበረን። እቶም ነቲ ቃለ ምሕትት ዝተኸታተሉ ሰማእቲው`ን ብተደጋጋሚ ዝሓቱዎ ዝነበረ ሕቶ`ዩ ኔሩ። በዚ ድማ ኣቶ ክብሮም ክንድቲ ክረኽቦ ዝግባእ ሓገዝ ኣይረኸበን።  እዚ ድማ ካብ ጉድለት ኣዳለውቲ እቲ ቃለ መሕትት ዝብገስ ይመስለና።  ሕጅውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻእወን። መርበብ ሓበሬታ ተስፋ ኒውስ ነዚ ብመርበብ ሓበሬታ ዛራ ስነ ጥበባት ዝተበገሰ ናይ ሓገዝ ጻውዒት ብምድጋፍ ክንተሓባበር ድሉዋት ከምዘሎና በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጽ ንፈቱ።

እንተ ብመም/መኮነንን ተስፋይ ዝቐረበ ናይ ምንጪ ዘይምጥቃስ ጠቐነ ግና ተስፋ ኒውስ ከምዘይቅበሎ በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጽ ንፈቱ። ተስፋ ኒውስ ነቲ ናይ YouTube ቃለ ምሕትት ከምዘለዎ ካብቲ ምንጪ (ማለት ዛራ ስነ ጥበባት YouTube link) ከም ዝረኸብናዮን ፡ ዝኾነ ኣይነት መመሓየሺ ከይገበርና ከምዘለዎ ከምዘቕረብናዮ እንዳረጋገጽና ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይቲ ቃለ መሕትት ዝተሓበረ ዛራ ስነ ጥበባት ነቲ መሕትት ከምዘዳለዎን ብንጹር ስለዝሕብር ፡ ብተስፋ ኒውስ ከምዝተዳለወ መሲሉ ኢዩ ቀሪቡ ኢልካ ምጥቓን ግና ትርጉም ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነ ኣገዳሲ`ውን ኣይኮነን።

 
Received on Wed Feb 25 2015 - 12:58:03 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved