“ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትክተሎ ፖሊሲ ስጋብ ዘይቀየረትን ወያነ ካብ ግዝኣት መሬት ኤርትራ ዘይወጸ ዕጥቅና ዝዘልቅ ኣይኮነን” ክቡር ኣምባሳዳር እስቲፎናስ…

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 23 Feb 2015 21:46:34 +0000

ክቡር ኣምባሳዳር ሃገር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ኣምባስዳር እስቲፎናስ ሃብተማርያም
ብ22ለካቲት2015 ተቀማጦ ከተማ ቨፈልድን ከባቢኣን ከሙኡዉን ኣካየድቲ ሽማግለ ከተማታት ሊዲስ ማንችስተርን ካልኦትን
ከተማታትን ኣብ ዝተረክቡሉ ብቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣየርላንድን ኣቶ ሳልሕ
ዓብደላ፣ብሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዓባይ ብርጣንያ ኣየርላንድን ኣቶ ሙሉብሃን በርሀ ፣ብሓላፊ
ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዓባይ ብርጣንያ ኣየርላንድን ኣቶ ስሌማን ሓሰን ተሰኒዩ፣ ንተሳተፈቲ ኣብ
ሓፈሻዊ ዘቤታዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ተራ ኤትራዉያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩን ኣገዳስነት ንቅሓትን ዉደባን፣ ዲብሎማስያዊ
ምዕባሌታት፣ ቁጠባ ኤርትራ በጺሕዋ ዘሎ ደረጃ ፣ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባዉን ኣህጉራዉን፣ጉዳይ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ
ኤርትራ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሕዝባን መልክዓቱ እናቀያየረ ብቀጻሊ ዝካየድ ዘሎ ዉዲታት ኣብ ዝብሉ ዓበይትን እዋናዉን
ኣርእስትታት ኣተኩሩ ሰፉሕ መግለጺ ሂቡ።

ኣምባሳዳር እስቲፎናስ ሃብተማርያም ንዉሽጣዉን ዘቤታዉን ኩነታት ኣመልኺቱ ክገልጽ ከሎ ፣እቲ ትማሊ ብዘይ ዘራይ ኣብ
ትሕቲ መግለጺ ዘይርከቦ ጽንኩር ኩነት ንነዊሕ ጠሚቱ ኑጹር ራኢታት ሲኢሉ ዝተዓወተ ህግ ሎሚ ሃገር ናብ ዋናታታ ሕዝቢ
ኤርትራ መሊሱ ከም መንግስትን ግንባርን ኣብ መንጐ ዘይጽዓት ሕዝቡ ብክልተ እግሩ ረጊጹ ደወ ኣብ ዝበለሉን፣ ካብቲ
ሕይወት ኣሽሓት ዝተከፈሎ መትከልን ኑጹር ራኢን ነቅ ከይበለ ንሰለስተ ወራራት ወያነ መኩቱ ን24 ዓመታት ዝተነግረሉን
ገና ዘይተነግረሉ ሽርሕታት መኪቱ ንዘይ ፉትሓዊ እገዳ ተጻዉሩ ገጥ ኢሉ መጻኢ ዋሎዶታት ቀሲኖም ዝነብሩላ፣ ሕዝቢማሕበራዊ
ፍትሒ ረኺቡ ዉሑስን ሙዑሩይን ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ጥዕና፣ዕድላት ስራሕ፣ ዝረክበሉ፣ ኣብ ሓያል ዕዬ ገዛ ተጸሚዱ ኣብ
ምርግጋእ ቁጠባን ምሕያሉን፣ዉሕስነት መግቢ ብዘተኣማምን መልክዑ ንምርግጋጽን ኤርትራ ንኣዉፉርቲ ምችእቲ ንምግባራ ኣብ
ሓደስቲ ትሕተ ቅርጺ ምዝርጋሕን ንዝነበሩ ብልዑል ኣገባብ ምጽጋንን ምሕናጽን፣ ምስፍሕን ወደብ፣ ምሕናጽ መዕርፎ
ነፉርትን፣ በብመድረኩ ዝትግበር ብዝሕን ዓይነትን ዘለዋ መንበሪ ኣባይቲ ምሕናጽ፣ ኣብ ርሑቅ ገጠራት ዝያዳ ምዕቡላት
ማእከላት ጥዕናን ኣብያታ ትምህርቲ ምቛምን፣ ቀጥታዊ ፖለቲካዊ ተሳታፉነት ሕዝቢ ብዝተዋሕለ ተመኩሮን ዉሑሱን ምዕቡል
ኣገባብ ንምርግጋጽ ንጹር መርሓ መንግስቲ ቁዋም ምንዳፍ ገለ ካብቶም መንግስቲ ብቀዳምነታት ዝሰርሓሎም ዘሎ ዘቤታዊ ዕዬ
ምዃኖም ንተሳተፈቲ ብዝርዝር ኣረዲኡ....ንምሉእ ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ -
https://adalvoice.wordpress.com/ <https://adalvoice.wordpress.com/>




jpg4444.png
(image/png attachment: jpg4444.png)

Received on Mon Feb 23 2015 - 16:46:39 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved