Tesfanews.net: “ኣብ በዓል ፈንቅል ከይትኸዱ፡ ሓጥያት ኢዩ”- ካህን እንዳ መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስቲያን ቶሮንቶ (2ይ ክፋል)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 23 Feb 2015 11:45:26 +0100

“ኣብ በዓል ፈንቅል ከይትኸዱ፡ ሓጥያት ኢዩ”- ካህን እንዳ መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስቲያን ቶሮንቶ (2ይ ክፋል)

“ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርሀ ከኣ ብፍቕሪ ፍጺም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝርኣዮ ሓው ዘፍቅሮስ ነቲ ዘይርኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይክኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓው እናጸልኦስ ንእምላኽ ኤፍቅሮ እየ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዪ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓው የፍቅር።” - ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮውሃንስ 4ይ ምዕራፍ ፍቕዲ 18-21

“ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርሀ ከኣ ብፍቕሪ ፍጺም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝርኣዮ ሓው ዘፍቅሮስ ነቲ ዘይርኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይክኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓው እናጸልኦስ ንእምላኽ ኤፍቅሮ እየ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዪ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓው የፍቅር።” – ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮውሃንስ 4ይ ምዕራፍ ፍቕዲ 18-21

ፌቨን ብርሃነ (ጓል ቺፖ)፡

23 February 2015. 

ዘይተወሓጠሎም ግድን ክውሓጠሎም ትጽቢት የብለይን። ንሓቒ ግን ጎሲኹሞ ክትሓልፉ፡ ሕልናኹም ባዕሉ ይፍረድኩም። ሕቡብ ደራፋይ ፊሒራ “ዝራኣኹዋ ኣለኒ” ይብል። ኣብ ፍቕሪ ዓለም ዝርኣዮ ነገር ስለዚነበሮ። እሞ ኣብታ ቤተክርስቲያን ከኣ፡ “… ዝሰምኣኹዎ ኣለኒ” ዘይኰነስ “ዝሰማዕናዮ ኣለና” ልዕሊ 100 ዝኸውን ሰብ’ዩ ነይሩ። ንጸሎትን ቅዳሰን፡ ንተስካር ዝመጸን።

ጽሑፈይ ምስ ፖለቲካ ዝተሓሓዝ ኣይነበረን ኣይኰነን ከኣ። በዓል ፈንቅል ንየማን ጸጋም፡ ንላዕሊ ንታሕቲ እንተበልና፡ “ጩራ ብርሃን ናጽነትና” ስለዝኾነት ክሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ ንኽጽንብላ ምዝኽኻር ዘድልዮ ኣይኮነን።

ኣብዛ ስርሒት ፈንቅል፡ ዝነበረ ህጁም፡ ዝነበረ ጥምጥም፡ ዝወድቕ ዝነበረ ማእለያ ዘይነበሮ ቦምባታት፡ ጠያይት ዓበይቲን ንኣሹን መሳሪያታት፡ ናብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘቕንዐ ብምንባሩ፣ መሻይኽን፡ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መዘምራን፡ ዝዓበዩን ዝንኣሱን ብመርዛም ጋዝ ክቃጸሉ ሪኢናዮም ኢና። ብታንክታን ዓበይቲ መካይናትን፡ ብህይወቶም እንከለዉ ክርገጹ ርኢና ኢና። ኣሽንኳይዶ፡ ጎርዞ ኤርትራዊትይ፡ ብዕድመ ዝሽምገሉ ኣዴታት እቲ ክቡር ማህጸነን ተደፊሩ’ዩ። ህጻን ካብ ምውቲ ወላዲቱ እንዳበኸየ ጸባ ንኽሰትይ፡ ካብቲ ብባሩድ መርዛም ጋዝ ዝተቓጸለን ዝሓረረ ኣጥብዋታ እንዳመጸየ ተዓዚብና ኢና።

ክቡራት ኣንበብቲ። ነቲ ኣብዚሓለፈ ሳምንቲ፡ ንብዓል “ፈንቅል” ኣመልኪተ ዝጸሓፍኩዎ ጽሕፍቲ፡ ብዙሓት ሰባት ኣሉታውን ኣወንታውን ጽሑፋት ኣስፊሮም ኣብቲ ናይ ህየሳ ሰኬዔት ተዓዚበ። ንኩሉ ክምልስ ኣገዳሲ እኳ እንተዘይኰነ፡ ነቲ ብመርትዖን ጭብጥን ዝተተሓዘ ናይ ክቡር ኣቦና ካህን ቃል ብድምጺ ዝተቐድሐ ስለዚኾነ፡ ዘከራኽር ኣይኰነን። ኣብ መርበብ ዘርጊሕኻ፡ ህዝቢ ንኽሰምዖ ምግባር ቀሊል ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ ክቡር ኣቦይ ቀሺ ተኽለ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ ኣብቲ ኣደራሽ ቤተክርስቲያን ስለተዛረብዎ ሚስጢር ስለዘይኮነ፡ ምዝርግሑ ኣይመረጽኩን።

ኣብ ደብሪን ገዳማትን ዝነብሩ ኣቦታት እንታይ ይብሉ፡ “ካብ ኣፍ ዝወጸ፡ ካብ ልቢ ዝተሃንጸ” ይብሉ። ኣብ ልብኻን ኣኣምሮኻን ዘየለ ሃንደበት ቃላት ኣማዕረሪኻ ክተተሓናፍጽ ኣይትኽእልን። እቲ ሕቶ ክልዓል ዘለዎ፡ እቶም ክቡር ካህንሲ ነቲ ቃል ብምኽንያት ጾም፡ ካብ ኣፎም ሰሉኹ ወጸ፡ ብሓቒ ግን ኵነታት ጾም ኢዩ ከምኡ ንኽዛረቡ ደፋፊእዎም ወላስ እቲ ንዓመታት ኣብ ልቦም ተዳዅኑ ዝነበረ ቀምበይበይታ፡ ተዓቝሩን ተሃኒጹን ዝነበረ፡ ኣንጻርነት ወይ ተቓውሞ ንምግላጽ ኢዩ።

“ዓባይ በጊዕ ዕያወታ ሒዛ ትጠፍእ…” ከምዚብሃል። መብዝሓትኦም ምእመናን ነዚ ኩነታት እዚ ከም ፖለቲካዊ መርገጺ፡ ወይ’ውን ከም ቂምታን ዕንወት እቲ ቤተክርስቲያን ገይሮም ዚወስድዎ ኣለው። ጌጋ ኣብ ልዕሊ ጌታት ተደራሪቡ እንዳረኣኻን እንዳሰማዕኻን ግን፡ “ካህን” ስለዚኾኑ፡ ሓላፊ ቤተክርስቲያን ብምዃኖም ን “መድሃኔ ኣለም” ብጸሎቶም ስለዚቐርብዎ ክትንከፉን ክንቀፉን የብሎምን ንብል እንተኰይናን፡ ንሕና ዕያወት ኰይና ንሶም ከም ዓባይ በጊዕ ኰይኖም ናብ መንፈሳዊ እምነት ብጽቡቕ፡ ናብቲ ሃገራውን ማሕበራውን መነባብሮናን ነንሕድሕድናን ናብ ጸድፊ ይመርሑና ከምዘለው ክንነግሮም ይግባእ።

“ስቕ ጥዑም” ኢልና መዋእልና ዘስቐጥና ብዙሓት ኢና። ክሳብ መዓስ ግን? እወ! ዓሻ ሱቕ ተበለ ለባም ይመስል ይኸውን። ሕራይ ኣብቲ ማሕበራዊን መንፈሳውን ህይወትና ዓያሹ ንኹን፡ ግና ኣብ ሃገራዊ ስምዒትና፡ እሞ’ከኣ ን“ሰማእታትና” ኖ ኖ ዓይሹ ኣይንኸውንን ኰይንና’ውን ኣይንፈልጥን።

‘ዛዕባ ሃይማኖታዊ ክእለትን ትምህርትን፡ ዝህብዋ መንፈሳዊ ትምህርትን ምኽርን ክሳብ ክንደይ ሊቕ ምዃኖም፡ ኣይጠራጠርን እየ። ፖለቲካዊ መርገጺኦምን፡ ክፍትሽ’ውን ኣይደልይን ኣይምልከተንን። እታ ዚተዛረብዋ መልእኽቲ ቃል ብቃል ክደግሞ እየ።

“ጽባሕ ዓብይ ጾም ዚኣትወሉ ስለዚኾነ፡ ህዝቢ ኣማኒ ክርስቲያን ዝኾንና ኦሮቶዶክስ፡ ኣብ እዋን ጾም ጓይላን ሳዕሲዒትን ኣይፍቀድን ኢዩ። ስለዚ ነዚ ዓብይ ጾም ሓቢርና ክንጸውምን ንኣምላኽና ክነገልግል፡ ነዚ ሎሚ ዝሰማዕዅሞ በዓል “ፈንቅል” ከይትኸዱ፡ ከይተኸዱ፡ ከይትኸዱ (3ግዜ)፡ ተተኻኢሉ’ውን ብኡኡ ገጽኩም ከይትሓልፉ…ሓጥያት ኢዩ…..…” ዝብል መልእክቲ’ዩ ነይሩ። ካልእ መልእኽት’ውን ኣለዎ። ንግዚኡ ፈንቅል ስለዘገደሰኒ ናባኹም ኣቕሪበዮ።

ሓደ ክልተ ከም ናይ ፖለቲካ ገይሮም ዝጸሓፉዎ ኣለው። ሕጂውን ሕልናኹም በዓሉ ይፍረዶ። ንኣፍልጦኹም፡ ኣብቲ እንዳ መድሃኔ ኣለም ቤተክርስቲያን፡ ዘለው ምእመናን 98% ኣብ ኤርትራ ዝነበሩን፡ ኣባላትን ህግደፍን ሃገራውያን ምዃኑ ኣይዘንግዓኹዎን። ኣነ’ውን ሓንቲ ካብቶ ናብዚ ቤተ ክርስቲያን ንዝሓለፉ 2 ዓመታት ዝተመላለስኩ ኮይነ፡ ካብቶም ናይ 15 ዙርያ ሳዋ ዝሰልጠንኩ፣ ሳዋ ብዘይካ እቲ ወተሃደራዊ ታዓሊምን ዲስፕሊንን፡ መጽሓፍ ቅዱስን ቁርኣንን መዓረ ምዃኑ ኣስኒቓትኒ እያ።

ልዕሊ 30 ዓመታት፡ ኣብ መሪር ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱ ከወፍይ እንከሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ቁራንን ኣብ እንግድዑ ሓዚሉ ኣይኰነን ብረቱ ዘቕንዐ፡ እምነቱ ኣብ ደሙ፡ እምነቱ ኣብ ልቡ፡ እምነቱ ኣብ ሰራውሩ፡ እምነቱ ኣብ ኣእምሮኡ ሰቑሩ ኢዩ ንዓወት ዘማዕደወ። ብዓረር ጸላኢ ተሃሪሞም ኪወድቁ፡ በብዝወደቐ ቦምባታትን ዕምብሬ ባሩድን ተፋናጅሩ የዒንቶም ክጽልምቶም፡ የእዛኖም ተናዊጹ፡ ነዝነዝታ ጠያይት ኣብ ልዕሊኦም ክዘንብ፡ ብላዕሊ ዝወርድ ሃልሃልታ፡ መሬት ብህዱድ ጓህሪ ክናወጽ ዝፈሰሰ ደም፡ ምስ ዶሮና ተሓዊሱ መሪት ዕሉስ ኢግታኣን ብሓፋ ንሰማይ ክዓርግ፡ የዕጽምቶም፡ ተሓምሽሹ ሑጻን ጨው ክውሕቶምን እንከለዉ “ዓወት ንሓፋሽ” እንዳበሉ ተሰዊኦም ድኣ ኣምበር “ኣምላኽ’ረቢ” ይሓግዝና ኣይበሉን።

ኣብ ምስላ ሳሆ “ሺዓቕሊ ያሪገ፣ ሺያላ ያሪገ” ዝብል ኣሎ። ትርጉሙ፣ ዓቕሙ ዝፈልጥ እዝጊ ከም ዝፈለጠ እዩ። እቶም ብኣሽሓት ነዛ ክብርቲ ሃገረ ኤርትራ መስዋእትን ስንክልናን ዝኸፈሉ ከኣ፡ ዓቕሚ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም። ተንበርኪኾም ብጸሎት ዓወት ኣየምጹን። ኣብ መዓልታዊ ብረታዊ ገድልኦም ግን “ኣንታ ኣምላኽ/ኣላህ” እንዳበሉ ንሓይልን ጽንዓትን ክደግሞ እየ (ንሓይልን ጽንዓትን)ይልምኑ ከምዚነበሩ ፍሉጥ’ኳ ኣንተዀነ፡ ኣብ ታሪኽ ወይ መዝገብ ግን ንዝሓለፉ 23 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተጸሕፈ ጭብጥታት ስለዘየለ ሃይማኖት ዓቢ ግደ ተጻዊቱ’ዩ ክብል ኣይክእልን። እምነት፡ በብውልቅና እንዲዩ ነቶም ክሳብ 1991 ዝተጋደሉ ጀጋኑ ሰብ ዓወትን ሕድርን ብህይወት ንዘለው ሓቢርና ንሕተቶም።

ኣብ ግዜ ጾም፡ ጓይላ ከምዘይግበር፡ ሳዕሲዒትን ፈንጠዚያን ሰዓብቲ ኦሮቶዶክስ ዝኾኑ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም። እቲ ጓይላን ፈንጠዚያን ግን ፍልልያት ኣለዎ። ንስሌኻ፡ ዝሓለፈ፡ ንስለ ኤርትራ ነጻን ልኡላውነትን፡ መስዋእቲን ስንክልናን ዝኸፈለ ሎሚ ኤርትራውያን ተጸዊዕና፡ ኣፍና መልኢና ደረትናን ነፊሕና ኣብ ዓለም ክብርታትና ተኸቡሩ መሰልና ተሓልዩ፡ ካብ ጸልማት ደልሓመት፡ ሽማዓ ኰይኖም ብርሃኖም ስኢነኦም ንዓና ግን ብርሃንና ዝኾልዑልና “ፈንቅል” ኢልና ምዝኻርና ሓጥያት ኣይኰነን። እኳ ድኣ፡ ኩለን ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ከምቲ ንንግደት ሓፍ ኮፍ ኢለን ስውኣንን ሜሰንን ጸሙቝን፡ በብዓይነቱ መግብታት ቀሪበን ንዕዱማት፡ ክሳብ ዚጐስዑ ዚምግባ፡ ንዝኽሪ ፈንቅል ሰሙን መመላእታ፡ ብጸሎትን ቅዳሴን ብመዝሙርን ትምህርትን ዘኪረን እንተዝውዕላ፡ ቅዱስ ዕላማ ምኾነ።

እቲ ዝገርም፡ ኣብ መወዳእታ 2013 ኣብ ሜድትራኒያን ውቅያኖስ ልዕሊ 360 ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘለውዎም፡ ኣብ ባሕሪ ጠሊቖም ከምዚሞቱ ምስተነግረ፡ ሽምዓ ተወሊዑ፡ ናይ ሓዘን መግለጺ ተገይሩ ነይሩ፡ “ይገርም” ኢልካ ምሕላፍ ይሓይሽ። ስለምታይ ተገይሩ ዘይኰነስ፡ እቶም ሃገር ሃገር ዘውሓሱ ከምዑ ዕድል ኣይተውሃቦምን ንማለት ኢዩ።

ብረታዊ ገድሊ ልዕሊ 30 ዓመት ኪወስድ እንከሎ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት፡ ብዘይካ እዚ ሕጂ መዛረቢ ኰይኑ ዘሎ ንልዕሊ 50 ምዕልቲታት ዝወሰድ ጾመ-40 ኣብ ውሽጢ ሐደ ዓመት ሮብዕን ዓርብን ገዲፍና ልዕሊ 10 ዝኾነ ጾማት ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ልዕሊ 360 ናይ ጾም ግዜ ሓሊፉ ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣብ ግዜ ጾም ብረታዊ ጥምጥም ኣይፍቀድን ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብ ግዜ ጾም ሓራ ዝወጻ ከተማታት ባረንቱ፡ ከረን፡ መንደፈራን ካልኦት ከተማታት ጾም ኢዩ ተባሂሉ ወርቃውያን ዝኾነ ተጋደልትና ኣብ ድፍዓትን እምንታትን ኮፍ ኢሎም በብዕብረ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ነይርዎም፣ መስዋእቲን ስንክልናን ኣይፍቀድን’ዩ ኢሎም ጳጳስ መልእኽቲ እንተዝመሓላልፉ፡ ሎሚ እቲ ትማሊ ዝዘከርናዮ ጩራ ብርሃን ናጽነት ስርሒት “ፈንቅል” ኣምላኽ ይፈልጥ ንድሕሪት ክንደይ ምስተመጠጥና ነይሩ። ስውኣት ኣይምሃለውናን፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምስ ኣተወ ነይሩ።

“ዙራ’ሞ ሃገርካ ተዓዘባ…….” ብዕቁባጋድር…… “ይክኣሎ ኩሉ ዝካኣሎ…” ብተክሉ ክፍለማርያም (ወዲ ተኹል)1990 ……. ጓል ኣንከረ “ኣብ ሰማይ ዘለው ከዋኽብቲ፡ ኣብ መሬት ዘለው ተጋደልቲ፡ ኣብሪሆማ ከይዶም እዛ ለይቲ…(“ሓወልቲ ክብረይ”) ወዲ ዛግር “ፍረ ጻዕርኻ’ዩ ህዝበይ…” ኣብ ጎልጎል ሳሕል ኣብ ቅንያት ጾም ኣይምተደረፈን። ኣክሊሉ ተፎነ “መንእሰይ ወለዶ…..ኤርትራዊ ምዃንካ ኣይስቆረካን ዶ” ኢሉ ንመንእሰያት ዘነቓቕሕ ደርፊ ክደርፍ እንከሎ፡ ሓያል ሙቐት፡ ተጋዳላይ ጐረሮኡ ብጽምዒ፡ መዓናጥዑ ብጥሜት ተኣሳሲሩ ኣብ ግዜ ጾም ኢዩ ደሪፉዎ። “ጎቦታት ሳሕል” ብእስቲፋኖስ ኣብርሃም ዘማች ክድረፍ እንከሎ፡ ምኽንያት ነይሩዎ። ስርዓት ደርጊ፡ ነቲ ፈሪሓ እግዛብሄር ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓብይ ጾም ኣብዝነበረሉ ግዜ ጉልባብ ብምግባር ሓያሎ ደብዳብ ብምክያድ ክንደይ ወርቃውያን ተመንጢሎም እዮም። ካብዞም ኣብኡ ዝተሰውኡ ሰዓብቲ ኦሮቶዶክስ ከምዚነበርዎም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጾም ተባሂሉ፡ መኸተን መጥቓዕትን እንተዘይነብር፡ ዓወት ኣይምጨበጥናን ክቡር ካህን ኣቦይ ተኽለ፡ ናይ ቀሽነት ማዕረግ ተቐቢሎም ኣብ ቶሮንቶ ኣይምመጹን ነይሮም።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ሓቂ ተመርኪስና ንዛረብ፡ “ሃይማኖት” “ካህን” ረቒቕ ስለዚኾነ ህዝቢ ኣብ ጎነጽ ክኣትው ይኽእል ኢዩ ዝብል ምዅኑይ ዘረባ ኣሎ። ጎነጽ ንኸይመጽእ ኢልና ግን ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋታት ክንደራርብ ሕድሪ ኣይተቐበልናን። ኣብ ሱሳታት ሓደ ወጻእተኛ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ፡ ንጻዕርን ሓያል ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራ ተዓዚቡ “ኤርትራዉያን ሰብ በሊሕ ኣእምሮ ጀጋኑ ከለኹም ጉድለትኩም ነገር ምስ ወደቐ ኴንኩም እተተስእዎ” ኢልዎም ኔሩ። “ክንብል በለ’ምበር ኣይፈሰሰን” ይብሉ። ብኹሉ መዳያትና ምብርባር ዘድልዮ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብዙሓት ሃየስቲ ካብዚሃቡዎ ርእይቶ፡ ምስ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ቅዱስ ሚኬኤል ቤተክርስቲያን፡ ምስ ኮማዊ ማሕበር ዘተሓሕዝዎ ኣለው። እዚ ከኣ ዕሽነ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ኣብ ዓይናኻ ዘሎ ቍልዒ ዘይኣልዓልካስ፡ ናይ ካልእ ሰብ ቝልዒ ክትጸርግ” ምፍታን ዚዓይነቱ ኮይኑ። ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ክጽሕፍ እንተኰይና፡ ኣባል ናይቲ ውድብ ኪኸውን ይግብኣኒ፡ ብዛዕባ ኮማዊ ማሕበር ክጽሕፍ ግቡኣይ ዘመላኣኹ ኪወን ይግባእ። ኣብ ገገዛና ኰይና ብዛዕባ ድኽመት ናይዘን ማሕበራትን ካልኦትን፡ ክንሽምጥጥ ንውዕልን ንሓድርን። ንነብስና ንፈትሽ ጥራይ እየ ክብል ዝኽእል። ኮይኑ ግን ኣብ ጉዳይ ሃገር፡ ብሕልፊ ንሰማእታትናን ጀጋኑናን ዝምልከት፡ ናይዘን ማሕበራት ጉዳይ ገይሮም ዚወስድዎ እንተለው፡ መንነትኩም ምፍታሽ ይሓይሽ። ሰማእታትናን ጀጋኑናን ናይ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰማእታትናን ጀጋኑናን ናይ ኮማዊ ማሕበርና፡ ሰማእታትናን ጀጋኑናን ናይ ሃማኖታዊ ትካላትን ጥራሕ ኣይኮኑን። ሰማእታትናን ጀጋኑናን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነትን ሕድሪን ኢዩ።

ስለዚ ኣብዛ ከተማና፡ ቶሮንቶ ዓብይ ጸገም ኣለና። ኣብ ካልእ ዓለም ካብ ዘለው ኤርትራውያን ፍሉይ ተውህቦ ኣለና። እዚ ተውህቦ፡ ኣብ ውሽጥና ሳዕሪሩስ፡ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ነሰጋግሮ ኣለና። ብልሹው “ዓቕሊ ወይ ሸለልትነት”። ኤርትራውያን ተቐመጥቲ ቶሮንቶ፡ ኣቲ ናይ 9 ኣዋርሕ ዘሎ ቁርን በረድን ኣደንዚዙና’ዩ መስለኒ፡ ንርኡይን ግህዱን ጌጋታት ኣይንዛረበሉን። ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ንምዕጻው ዚዳርጉ ሓይልታት መዓልታዊ ዚቡቑሉን ዝጭጭሑን ኣንጻር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ውፉያትን ሃገራውያንን ዕቃቤታት ተገይሩሎም፡ እቲ ንመህወዩ ስድራ ቤት ሰማእታት ብህዝቢ ዝተሰለዐ 2% ተኣጊዱ፡ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ተሰጕጉ ክሳብ ዝወጽእ፡ እንታይ ጌርና ኢልና ንነብስና ንሕተት? ጸገማት ካበይ ኢዩ ካብ ኮማዊ ማሕበራት? ካብ ሃይማኖታዊ ትካላት? ወላስ ብዓብዩ ካብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ?

ብዝኾነ ግን “ብኣፍ ኣቲዮም ብሑጓ…” ዝብል ደርፊ ለንቅነ ክሰምእ ቀኒየ ኣለኹ…………………………ክቡራት ምእመናን እንዳ መድሃኔ ኣለም……. ንነብሪ ኣይትድፈር ምስ ተደፈርካ ኣይትሕፈር እዩ እምነቱ። ህዝቢ ኤርትራ ከይሰልከየ ጥንቁቕ ኮይኑ ብንቕሓት ክኸይድ ጸኒሑን ኣሎን። ሕማቕ ጸላኢ ከም ዘይሎ ፍሊጥና ሸለልትነትን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ሕንቓቐን ስስዐን ተጠንቂቕና ክንከይድ ምሕጽንታ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ስለዚ ቅነ “ስርሒት ፈንቅል” ከምኩለን ቅነ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ምዝግብቲ’ኳ እንተኾነት፡ ፍልይትን ክብርቲ ቅነን ኢያ። ተጋዳላይ ዘበለ ኣብዛ ስርሒት፡ ጐሮሮኦም ብጽምኢ ማይ እናሳዕ ኣንዳተመላለሰ፡ ተቖሊፉ፡ ንቁራስ እንጌራ ዘይርከቦ ቦታ፡ ሓሳዅ ከስዔ እንዳወጫወጩ፡ መዓንጥኦም እንዳጕረዕረዐ፡ ኣብታ ናይ ዜሮ ሰዓት፡ ብመኽደን ብራሽኦም ብማዕረ ተማቒሎም፡ ነታ በስም-ኣብን ተመስገናን፡ ብስሚላሃን ኣላሃምድሊላሃን ዝተሓዋወሰት ሃገራዊትን ስማዊትን መኣዲ፡ ስጋይ ስጋኻ ተባሃሂሎም ብሓባር ተመጊቦም፡ ዓወት ንሓፋሽ ኢሎም ከምዚስውኡ እንዳፈለጡ ናብቲ መስዋእትን ስንክልናን ኢዱ ዘርጊሑ ዝጽበዮም እሳት፡ ክኣትው እንከለዉ፡ ካብ ጸበባን ሽግርን ናብ ራህዋ፡ ካብ መግዛእትን ጭኮናን፡ ናብ ሓራን ናጽነትን፡ ካብ ጥሜት ናብ ጽጋብ፡ ጽዋገ ናብ ፍሽኽታ፡ ከርፋሕ ናብ ልሙጽን ምዕቡልን ነቲ ጽምኢ ናብ ርውየት ዝልውጥ ልቢ ነይራቶም።ልቢ ኤርትራውነት! ክምስ ዘይብል ጅግንነትን ተጻዋርነትን፡…. “ስለምንታይ?” ኢልና ምስ ንሓትት ግን መልስታቱ ኩሉ ብዙሕ “ስለምንታይ? ስለምንታይ? የስዕብ። ይብዛሕ ይውሃድ ግን፡ ኣብ መወዳእታ “ኤርታራ ኤርትራ ንኽትኸውን፡ ህዝባ ከኣ ብሰላምን ቅሳነትን ኪነብር”።

እዛ ልቢ እዚኣ ዝኽሪ ፈንቅል’ኳ ክውህዳ። በዓል ፈንቅል፡ ዳንኬራን ዝላን ኣይኮነን፡ ዝኽሪ ፈንቅል መዝሙርን ስብከትን ኣይኮነን፡ ቅያ ፈንቅል፡ ተጨቢጥካ ኮፍ ኣይኮነን፡ ዓወት ፈንቅል፡ ተጎልቢብካ ዘይኮነስ፡ ብሓደ ህርመት፡ ንዝወደቑ ክትዝክር፡ ብድሕሪኦም ሓዲጎሞም ንዝኸዱ ክተጸናንዕን ክተተባብዕን፡ህርመት ልብኻ፡ ከምቲ ኣባብያተ ቤተክርስቲኣያን ብምኻድ ንኩሎ ኣማልኽትን ቅዱሳትን ዘኪርና ንሰግደሎም፡ ነዞም ብደሞምን የዕጽምቶምን ጩራ ብርሃን ዘስነቑና ምዝካርን ሕድሮም ምዕቃብ እምበር፡ ብሙዚቃ ተሓጉሽና ህላውነቶም ዘረስዕ ጓይላ ኣይኰነን። ስርሒት ፈንቅል ከኣ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ተሰሚሩ ንዘልኣለም ዚዝከር ፈልፋሊ ተዘክሮታትን ሰራውርን ስለዚኾነ፡ ካህን ኢሎም ኣብቲ ብዓል ዘይተረኸብኩም፡ ግድን ኣይነበረን፡ ተዘክሮታት ኣብ ውሽጢ ልብኻ ኪኸውን ስለዚኸውን ኣብ ገገዛኹም ጸሎት ኪትገብሩ እንከለኹም ዘኪርኩም ንኽትኾኑ ተስፋ ይገብር፡ እንተ ኣብ ግዜ ጾም ተባሂሉ፡ ንሰማኣታትኩም ብዝኽሪ ጓይላ ኣይትዘክሩ ዚብል መዝሙር ዘለዘየለ እቲ ሓጥያት እቶም ኣብቲ በዓል ዝነበሩ ድዮም ክስከሙዎ ወላስ እቶም “ቀሺ ዝበሎ ድኣ’ምበር ዝገበሮ ኣይትገብር..” ኢሎም ከይዘከሩ መጽሓፍ ቁዱሶም ዚዓተሩ…. ወይ ብዓብዩ እቶም ካህን……መድሃኔ ኣለም ብዓሉ የጸብቆ። ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም!

ብዛዕባ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝጸሓፍኩዎ፡ ንሒደት ሰባት ዘቖጥዐ መስለኒ ምኽንያቱ ካብ ዚቀረቡ ርእይቶታትን ብሕልፊ ብዛይድ ገብርኣብ ኣብ ድሃይ.ኦርግ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፡ ከምዘለዎ ይነበብ ኢለ ክሓልፎ ምምረጽኩ ኮይኑ ግን፡ ኣነ ኣባል ናይቲ ሃይማኖታዊ ማሕበር ስለዘይኮንኩ ኣብ ውሽጢ ኣቲየ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልይን። ኮይኑ ግን ኩልና ክንፈልጦ ዝግባኣ ሓደ ነገር ኣሎ። ኩልና ኣቶም ንነብስና ኤርትራውያን ኢልና ንኣምን፡ ክንውለድ እንከለና ናይ ኤርትራ ዜግነት ሒዝና ኢና ናብዛ ዓለም ተቐልቒልና፡ ኣብ ውሽጢ ማእከን ሃይማኖታዊ ማሕበራት ዝተወለዱ ኣለው ኢለ ኣይግምትን ስለዚ ቅድሚ ናብዚ ሃይማኖት ዘለናዮ ምጽንባርና ኤርትራ ኢና ንፈልጥ፡ ንኤርትራ ከኣ ከፍሉጡናን ከም ኤርትራውያን ክንልለይ ዚገበሩ ሰማእታትና እዮም። ርግጽ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ምጥልላም ስለዘሎ፡ ንኤርትራ ብዙሓት ጠሊሞማ ኢዮም። ብዙሓት ከኣ እንዳዋቕዑ ክልተ ጻሕሊ ዝበልዑ ማእለያ የብሎምን። ኣብ 1999 ስርዓት ወያነ ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ምውቕ መነባብሮኦም ብዘይ ሓደ ነገር፡ ናብ ኤርትራ ክሰጎም እንከሎ፡ መጣቓዕቲ ዝነበሩ፡ ቅድሚ 16 ዓመታት ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ድምጺ ራድዮ ወያነ ኮይኖም “ንልኡላውነት ኢትዮጵያ፡ ከምዚድግፉን፡ ብዝካኣሎም ካብ ስርዓት ሻዕብያ ኪከላኸሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ክብሉ ንወራር ስርዓት ኤርትራ ዓው ኢሎም ዚኾኖኑ ኤርትራውያ ኣብ ውሽጢ አዘን ኣብያተ ክርስቲያን ከምዘለው ጭብጥታት ስለዘሎ፡ ነዚ’ውን ብመዓልቱ ናብ ህዝቢ ክወጽእ ምዃኑ ንምሕባር ነይሩ።

“መን ይንገር ዝነበረ፡ መን የልቕስ ዚቐበረ” ክምዚብሃል እቶም ዝነበርና ዚሰማዕናዮ ሰሚዕና ኢና። ኣብ ገጾም ዚንበብ ዚነበረ ቍጠዐውን ኣስተውዒልና ንኸውን፡ ስለዚ እዚ ተኣታቲናዮ ዘለና ናይ ዓርባ ጾም ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ፡ “ካብ ጾመ ኣርባዓ፡ ሓቒ ይሓይሽ” ንስለ ሓቒ ንዘረብ። ከምቲ እዞም ክቡር ካህን ደፊሮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምኡ ምባሎም፡ ኪገርመና የብሉን፡ ንሕና ሰዓብቶም ግን፡ ሰሚዒና ምስ እነስቕጥ ግን መን ከምዚገርሞን መስሓቒ መን ከምንኸውንን ምዝኽኻር ዘድልየና ይመስለኒ።

ሰማእታትና፡ ንኤርትራ፡ ነጻ ንምውጻእ፡ ብምሉእ ልቦም እዮም ንሰውራዊ ገድሊ ኣሚኖም ዝተቐበልዎ፡ ንሕና’ኸ ንሕድሮም ብምሉእ ልብና ተቐቢልና እንተኾይንና፡ ግዴና እንታይ ኢዩ? ጀግና እንኮ ህይወቱ ወፍዩ። እስኪ ኣብ ልብና ንዘለው ሰማእታትና እንዳሓሰብናን ዘከርናን መኸተና ነሐይል። ነቲ ሃይማኖት ብፍቕሪን ምልኣት ንጠምቶ፡ ንሰማእታትና ከኣ፡ ብልብና፡ ህርመት ልቦም ነድምጾ፡ ብደምና ከኣ፡ ሕድሮም ነሰስኖ!…..

“ዝብኢ ምራዅት ሓሉ እንተበልዎ፡ በይነይ ዶ በለ” ይብሃል………

ይቕጽል…

(ሓበሬታ፦ ጽሑፈይ ምስ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን፡ ጽሑፈይ ብቐጥታ ንኣቦይ ቀሺ ተክለ ስለዚምልከት፡ ምስ ሃይማኖት ኣተሓሒዝኩም፡ ህዝቢ ንምድንጋርን ነዚ ዕድል ተቐቂምኩም ኣብ ዘየድልየኩም ዓጀውጀውን ምባል፡ ሓጋዚ ስለዘይኮነ፡ ብኽብረትኩም ኣብቲ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ዘይነበርኩም፡ ኣፍልጦ ስለዘይብልኩም ነቶም ዝነበርና ሕተቱ።)


 
Received on Mon Feb 23 2015 - 05:45:29 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved