ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ይኩን ቅድሚኡን ናይ ዝጠፈኣ ሕይወት ተሓተትቲ ገበነኛታት ኣሰጋገርቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቀርቡ ኣለዉ ገና ምትሕብባር ኩሉ ዝሓትት’ዩ.

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 21 Feb 2015 19:09:56 +0000

ኣቀድም ኣቢሉ መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋሚ ክገልጾ ከም ዝጸንሓ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ይኩን ቅድሚኡን ብገበነኛታት
ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ሊዕሊ ዜጋታቱ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ ግዜ ሕቶ እንተ ዘይኮይኑ ንሓንቲ ካሊኢት ዉን ትኩን ከም
ዘይድቕሰሉን ገበነኛታት ትሓባበርትን ጐስጐስትን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ምስ ዞባዉን ኣህጉራዉን መንግስታትን ብቀረባ
ብምስራሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቅራቦም ክሰርሓሉ ምዃኑን ኣብ ባይታ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ
ምጽንሑ ዝፉለጥ’ዩ።
እንሆ ድማ ኤርትራዊያን ወጻእተኛታትን ዝርከብወም ገበነኛታት ተሃዲኖም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቀርቡ ኣለዉ ኤርትራ ሓንቲ
ካብተን ኣብ ኣህጉራዊ ፖሊስ ምህዳን ገበነኛታት ዝፈረመት ሃገርያ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሰፈሕን ዝተወሃሃደ ዝርጋሔ ዘለዋ መርበብ ገበነኛታት ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ኣፉረይቲ
ዝኮኑ ዜጋታታ ዝተፈጸመ ገበን ከም ዘይትድቅሰሉን ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝቀርቡሉን ግዳያትን ስድራቤታቶምን
ዝካሓሱሉን ዝረጋግእሉን ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ምስ ዞባዉን ኣህጉራዉን መንግስታትን ትካላትን ብቀጻሊ ይሰርሓሉ ኣሎ...ንምሉእ
ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ
https://adalvoice.wordpress.com/ <https://adalvoice.wordpress.com/>





39k0QSV1EuUg12.jpg
(image/jpeg attachment: 39k0QSV1EuUg12.jpg)

Received on Sat Feb 21 2015 - 14:09:58 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved