An Answer to Brother Fishaye on Toronto Priest

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 20 Feb 2015 15:16:12 +0100
An Answer to Brother Fishaye on Toronto Priest
Selam Brother Fishaye.
20.02.2015
First of all,  I convey you  my warm greetings. How are you? I hope you do well and healthy. I am a bit surprised and annoyed about your Massage on the „Toronto Priest Tekle”, who allegedly  said on the occasion of the 25th Silver Commemoration of  Heroic and proud “Fenkil Operation” by the brave fighters of the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF).
 
Dehai Eritrean Forum is not responsible for articles, which is written by individuals and posted on Dehai’s page. So, instead you blame Dehai, you should confront that person or write your contra-idea precisely without shallow emotion.
 
In your own admission, you are not Coptic Orthodox Church nor you know the Priest and I assume you were not in the Church session that the priest claimed going to celebrate the “Fenkil Operation’s Commemoration” is a “sin”. So, how can you accuse the writer sharing the truth about the Priest Tekle and some ideas on the religion?
 
Unlike you, I am proud to be Human Being (Human) and Eritrean, but not Religious, Atheist or otherwise. The reason is Religion is private matter and belief –not scientific- you can worship in Jesus, Mohammed, Buddha, Hindu, nature or you can be non-believer, but being Human and then Eritrean  are real.
I wish you all the best!
Your Brother
BerhaneMeskel
 
 
ተወሳኺ: ብዛዕባ ሓርበኛታት ካህናት ኦርቶዶክስ ኮነ ካልኦት ከም ምሳሌ ከዕልለካ፣ ብግዜ ማሕበር ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ዘይነዓቕ ክፋል ሕዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ወጊኑ ጋምማን ክብል እንከሎ፣ ኣቦሓጎይ ኦርቶዶክሳዊ ቐሺ ካፍል ዓንደሚካኤል ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ሓርበኛታትን ንሓራ ኤርትራ ዝቃለሱ ካብ ዝነበሩ ክቡራት ጀጋኑ ኤርትራውያን ሓደ ኮይኑ ከም’ዚ ዝስዕብ ሓረግ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ሓቀኛን ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተሰረተን ንነገራት መሪሚሩን ፈሊጡን ንመጻኢ ራእይ ወይ ዝኸውን ነገር ዝእምት ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ ድማ “ኣብ`ዚ እዋን እዚ ንኢትዮጵያውያን ክትብሉን ምስኦም ጸጊዕኩምን ብዘይ ጫማ ጋምማን ትብሉ ኣሎኹም፣ ጽባሕ ንግሆ ግን ተመሊሶም ጋምማን ከብልኹም እዮም”። እዚ ታሪኽ እዚ ንዓይ ዘዘንተወትለይ ክብርቲ ወላዲተይ እያ፣ ምኽንያቱ ኣነ ኣብ`ቲ ግዜ`ቲ ኣይተወለድኩን ኔረ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኽውለድ'ውን ኣይተሓሰብኩን።
 
ኣስተውዕል፣ እዚ ሓረግ እዚ ብሓቅን ብዕምቆትን እንተ መርሚርካዮን ተረዲእካዮን፣ እዛ ሓጻር ዓረፍተ-ነገር ኣብ ውሽጣ ዓቢ ቁም-ነገርን ሓቅነትን ኣማቲ ክውንነትን ኮታ ኣብቲ ጊዜ’ቲ “ ዓደይ-ዓደይ” ምስ ኢትዮጵያ ጋምማን ዝበሃለሉ ዝነበረ አዋንን ካብኡ ስዒቡ ዝመጸ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ደማውን ነዊሕን ጀግንነታዊ ሰውራዊ ቃልሲን፣ ኣብ ሞንጉኡ ገለ ገለ ዝነበረ ሃገራዊ ክድዓትን ንሕጂ ዘሎ ብገለ ጠላማትን ኮራኹር ገዛእቲ ኢትዮጵያን ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ደገ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ተጸጊዖም ናኣሽቱ ናይ ረብሓን ንዋይን ድኳናት መስሪቶም ኣንጻር ሓራ ኤርትራ ዘካየድዎ ዘሎው ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን ግብራዊ ጥልመትን ሓቂ ብሓቂ እትነገርን ንዜጋታት ኤርትራ እትምህርን ዘለኣለማዊት “ሓረግ” እያ። ብጭብጢ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ዓመታት ርኢናዮን ሕጂን ንዕዘቦ ዘሎና እዩ።
 
ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ሰውራዊ ቃልሲ እንተኾነውን ኩሎም ካብ ኩሉ ማእዝናት ኤርትራን ኣመንቲ ኩሉ ሃይማኖታትን ዘይኣመንቲ (ነጻ ካብ ዝኾነ ሃይማኖታትን) ካህናትን ዲያቆናትን መሻይኽን ከይተረፉ ተሳቲፎምን እጃሞም ኣበርኪቶምን ደኺሞምን ተወጊኦምን ተሰዊኦምን እኳ እዮም። ስጋብ ሕጂ`ውን ከነዕርፍ ከይበሉ ብዘይ ዓስቢ ክሳብ ናይ መጨረስታ መስዋእቲ ንሃገር ይሰርሑን ይከላኸሉን ኣለዉ። እሞ ደኣ ነዚ ሓቂ`ዚ እናፈለጥካ እንታይ እዩ ጻዕጻዕ ዘብለካ ዘሎ?
 
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብረን ንሰማእታት ኤርትራ!
ዓወት ንሓፋሽ!
 
ብርሃነመሰቀል ሃብተማርያም
Received on Fri Feb 20 2015 - 09:16:14 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved