ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃም ዓ/ብርጣንያ መበል 25 ዓመት ቡሩራዊ እዮቤልዮ ስርሒት ፈንቅል ብሉዑል ሃገራዊ ወኒ ጸምቢሎም..ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን…

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 19 Feb 2015 16:39:09 +0000

ኣብቲ ብቀዳም 14 ለካቲት 2015 ኣብ ዓ/ብርጣንያ ከተማ በርሚንግሃም ንመበል 25 ዓመት ቡሩራዊ እዮቤልዮ ስርሒት
ፈንቅል ንምጽንባል ዝተካየደ መደብ ሓያሎ ህጻናት መንእሰያትን ወለድን ዝተረክብሉ ኣጋጣሚ : ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ሃገረ
ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣየርላንድን ኣቶ ሳልሕ ዓብደላ ንሓያልነትን ጽንኩርነት ምሕራር ከተማ ባጽዕ ዝተከፉለ
መስዋእትን ብምጥቃስ : መልእክቲ መበል 25 ዓመት ቡሩራዊ እዮቤልዮ ስርሒት ፈንቅል ዘመሓላልፎ መልእክቲ ነዛ ብከቢድ
መስዋእቲ ዝመጸት ኤርትራ ሓድነትካ ብምድልዳል ንኩሉ ተጻብኦታት እና መከትካ ኣብ ኩሉ ህንጸትን ድሕነት ሃገር መሪሕ ተራ
ምብርካትዩ ኢሉ።

ብድሕሪዚ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃም ነቲ ዕለት ዘንጸባርቅ ግጥምታት ብምቅራብ ካብ ለንደን ብዝመጸት ድምጻዊ
ሓይልኣብ /ሰላሊዓ/ ብዝርከባ ጉጀለ ባህሊ ኽዘናግዑ ኣምስዬም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዓባይ ብርጣንያ ኣየርላንድን ኣቶ ሙሉብሃን በርሀ ተረኪቡ
ምንባሩ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ።
ንተወሳኪ ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ https://adalvoice.wordpress.com/





oie_animation125.gif
(image/gif attachment: oie_animation125.gif)

Received on Thu Feb 19 2015 - 15:33:37 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved