Happy Wedding -Mazel Tov (Tigrigna Poem)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 18 Feb 2015 18:11:41 -0500

 
ርሑሱ ጋማ
(ማዘል ጦቭ)
 
ኣብ ኒውዮርክ ከተማ
ሓንቲ ኣውቶቡስ
ሰብ መሊኣ ንቑሸት ትግስግስ
ተወርድ ሰብ ጸጸኒሓ
ኣብ መወዳእታ ተረፈት ጥራሓ
ምስ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ሰባት
ኣብ ዝተፈላለዩ መቀመጢታት
በበይኖም ኮፍ ዝበሉ
ክንዲ ከም ልማዶም ብሓንሳእ ዘዕልሉ።
ክልተ ካብኣቶም ኣንስቲ ምስ ቆልዓ
ዝተረፉ ሓደ መንእሰይን
ሓደ በዓል ማእከላይ ዕድመን ከኣ
እቲ መንእሰይ ስቶፋ ምስ ቦው ታይ
ጌሩ ክፍሳሕ ዝረኣየ ሰብኣይ
ርእሱ እናሓኸኸ....
ብልቡ ከምዚ ኢሉ ሓሰበ፡-
"እዚ ሸናዕ ወዲ ዓድና
እንታይ ኣምጽኦ....
ኣብዙ ጉሉል ስፍራና?
ናይ ግድን ኣይተርፍን
ኣንታ'ወ ኣዋልድ ክሃድን
ንዛህራ ጓል ኣያ ተድላ
ኣንታ'ወ ድዩ ዝደልያ?
ኣይመስለንን....
ንሳ ትዓብዮ ግን።
ንለታይ ጓል ኣያ ገብሪሄት
እታ ዝተፈትሔት?
ንለምለም ጓል ኣያ ኣርኣያ
ድሓን ንፈልጦ እንዲና ሕጹያ።
ንጓል ኣያ ክፍሊት
ንሳ'ውን ጓሻ ኢያ በጻሒት።
ንብርለ ጓል ኣያ ገብረወልድ
ንሳ'ውን ቀሪባ'ያ ክትወልድ።
ኣንታ ንመን ድኣ ድልዩ?
ንመን ድኣ? ንመን ድኣ?
ኣሕ.......
ክንድ'ዚ ክንፋሕ!
ኣካ ገጠምክዋ ሕጽይቱ
ሃንሱ ኢያ! ሃንሱ ጓል ሰንበቱ!!!"
ኢሉ መንእሰይ ቀሪቡ፡-
" እንቋዕ ብደሓን መጻእካ
ናብ'ዚ ጸምጸም ከተማ
ኣንታ ሃንሱ....
እወ ሃንሱ.....
ሕጽይትኻ ኢያ ኢሎማ
ርሑስ ጋማ!"
ምስ በሎ ብስምባደ
"እወያ!እወያ!
ግን ዝገርመኒ ኣያ
ከመይ ጌርካ ፈለጥካያ?"
ኢሉ እንተሓተቶ
በራሕ ርእሱ እናሓኸኸ....
" ኣብ ስደት ርኣያ ዓለምና
ማለት ዓለም ኤርትራውያን
ኣመና! ኣመና! ጸባብ ኢያ!
ኣሽንኳይ'ዶ ናይ መራዑ
ንፈልጦ ኢና ኣብ ገዛኹም
እንታይ ከም እትበልዑ
እንታይ ከም ተኾምስዑ?
ወዲ'ዛ ቀዋዕትየ
ንዓይ ድዩ እዚ ኹሉ ኩርንዕትዬ!"
 
(ካብ ወግዒ ይዲሽ ብዝጥዕም ዝተዘተየ።
 ይዲሽ ብቋንቋ እብራይስጥን ጀርመንን
ስሎቫኒክን ዝተሓናፈጸ ኢዩ። መብዛሕትኦም
ኣይሁዳውያን ኣብ ጀርመንን ምስራቅ
ኤውሮጳን ሩሲያን እስራኤልን ይዛረብዎ።
"ማዘል ጦፍ" ብይዲሽ ዮሃና ወይ ብእንግሊዝ
ከንግራቹለይሽን ማለት ኢዩ።
-ሃይለ
Received on Wed Feb 18 2015 - 18:11:42 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved