Tesfanews.net: “ኣብ በዓል ፈንቅል ከይትኸዱ፡ ሓጥያት ኢዩ”- ካህን እንዳ መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስቲያን ቶሮንቶ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 18 Feb 2015 12:38:57 +0100

“ኣብ በዓል ፈንቅል ከይትኸዱ፡ ሓጥያት ኢዩ”- ካህን እንዳ መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስቲያን ቶሮንቶ

ዓገብ ካህን እንዳ መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስቲያን ቶሮንቶ! ኣብ ሃገራዊ በዓላትን ዝኽርታትን ኤርትራ ምስታፍ መዓስ`ዩ ከም ሓጢያት ተወሲዱ? መልሲ ንጽበ።

ካብ ነባሪት ከተማ ቶሮንቶ

18 February 2015.

ነዛ ጽሕፊቲ ከቕርብ ዘገደደኒ ክልተ ነገራት ኢዩ። ቀዳመይቲ ኣዛ ኣብ “ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ! ክትኸውን እንከላ፡ እታ ካልአይቲ ኣብየተ ክርስቲያናትና ብስለያ ናይ ወያነ ተጨውየን ይኸዳ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ስለዘሎ ብተኸታተሊ ንምቕራብ ኢዩ።

ነቶም ኣብ ሰንበት ሰንበይ ኣብ ኣብያተ ቤተክርስቲያን ዘለው ምእመናን፡ ብዘይካ መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ንሰላምን ፍቕርን ኣበርቲኦም ክሰርሑ ከምዘለዎም፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ሰላምን ፍቕርን ክምስርቱ ከምዘለው ኣብ ናይ ትምህርቲ ንሰንበት ብካህን ኮነ ብዲያቆናት ዝንገር ኩሉ ንምትግባር፡ እቶም ካህናትን ዲያቆናትውን ኣብዚ ናይ ሰላምን ፍቕርን ስብከት፡ ንገዛእ ርእሶም የእዳዎምን ልቦም ንጹህ ኪኸውን ይግባእ።

ቤት ክርስቲያን ካብ ዝኾነ ይኹን ነጻ ዝኾነን ፖለቲካዊ ጽግዕ ከምዘይህልዎ፡ ፍልጡ’ኳ እንተኾነ፡ “ልኡላውነት ሃገር” “ናጽነት ሃገር” ርግኣትን ሰላምን ሃገርን” ልምዓትን ዕብየትን ሃገር” “ክብርን ምክልኻልን ሃገርን” ልዕሊ ኩሉ ይምልከቶም ኢዩ። ሃገር ክትምዕብል፡ ሃገር ኣብ ምክልኻል፡ ሃገር ኣብ ህንጸትን ዕብየትን ተሳትፎ ምብርካት ፖለቲካዊ ጸግዒ ኣይኰነን።

“ደጊም የለን ቆሬጣ ልማኖ” ይብል እቲ ሕቡብ ስነ ጥባባዊ የማነ ባርያ። ሎሚ ኤርትራ ነጻ ኰይና፡ ኣብ ዓለም ባንዴራ ኣውለብሊባ ከም ሃገር ክትቁጸር ዘኽኣላ፡ ማና ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣይኰነን ናጽነትና ዘጭበጥና። ቅዱስ ሚኪኤል ወይ መድሃኔ ኣለም ኣይኰነን ናጽነትና ባሪኾሞ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወርቃውያን ዝኾኑ መስዋእቲ ከፊሎምሉ። ኣስላማይ ክስታናይ፡ ካቶሊክ ኦርቶዶክስ ከኒሻ ኣሚኖም ኣይኮነን፡ ንመስውኣቲ ግንባሮም ዝሃቡ። ንኩሉ ሃይማኖት ኣብ ውሽጦም ጸይሮም፡ ንእምነቶም ዓቒቦም ልዕሊ 30 ዓመታት ደማዊ ኵናት ኣካይዶም። ኩለን መሳጊድንን ኣብያተ ክርስቲኣንን ከኣ፡ ናይ ዓወት ደወል ብሓባር ኢየን ኣስምዐን።

ስለዚ እዛ ኤርትራ ሎሚ እንተዘይትህልው ነይራ፡ እዘን ኣብ ቶሮንቶ ዝርከባ ብስም ኤርትራውያን ዚስመያ ኣብየተ ክርስቲያናት ኣይምሃለዋን። እቶም ነዘን ኣብያተ ክርስቲያን ንኸገልግሉ ኢሎም ክህናትን ዲያቆናትን ዘለው፡ ብኣካል’ውን ኣብዛ ሃገር ኣይምሃለውን። ስለዚ፡ ኤርትራ ህላውነታ ስለዘረጋገጸት፡ እዘን ኣብየተክርስቲያን ብስም ኤርትራውያን ተቀዲሰን ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ። እቲ ሕቶ ግን ብሓቒ ኤርትራውያን ድየን፧

ታሪኽ ከምዚሕብረና፡ ኣብዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብየተ ክርስቲያን ዓቢ ግደ ከምዚነበረንን፡ ኣብቲ ቃልሲ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪ መንገድን እጃመን ከምዘበርከታ ይንገር ኢዩ። እሞ እዘን ኣብየተክርስቲያን ኣብ ቶሮንቶ ዘለዋ እንታይ ኢዩ ግደአን፧

ኩልና ክንከታተሎ ከምዚቐነና፡ ንጽንብል “ፈልቅል” ብደረጃ ሃገር ዓብይ ብዓል ኰይኑ ንሓደ ሳምንቲ መመላእታ ተዘክሮታትን ዕውታት መስተንክራት ብኤረ-ቲቪ ክነከታተሎ ቀኒና። ከምኡውን ነዚ ጽንብል ብዝምልከት ኣብዚተፈላለየ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ” ካናዳ፡ ኣፍሪቃን ኣውስትራሊያን ንዝኽሪ “ፈንቅል” ብኮማዊ ማህበራትን መናእሰያት ህግደፍ ዚተዳለው ዝኽሪ ብክብ ዝበለ ብዓል ክጽንበል ቀንዩ።

ከተማ ቶሮንቶ ሓንቲ ካብተን ነዚ ብዓል ንምብዓል፡ ብመናእሰያት ህግደፍ ዚተዳለው ዓብይ በዓል ተካይዱስ ኣዚዩ ዝሕጉስ ብምንባሩ እቶም ብኣካል ዝነበርና ከምተሓጎስናን እቶም ብኣካል ዘይነበርኩም ብሕልፊ ነቲ ብካህን ናይ እንዳ መድሃኔ ኣለም “ኣይትኺዱ” ዝብል ምዕዶ ሰሚዕኩም ዚተረፍኩም ህልናኹም ብዓሉ ይፍረድኩም።

እምብኣር ነቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽኩዎ፡ ንፍቕርን ሰላም ትሰብኽ እንተኵይንካ፡ ብቐዳምነት ንስኻ ኣካል እቲ ሰላምን ፍቕርን ክትኸውን ኣለካ። ሰንበት ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴን ማህሌትን ኣቦና ካህን ተኽለ (እንዳ መድሃኔ ኣለም) ወትሩ ኢዮም ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን ኣስተምህሮ ዚህቡ። “ቀሺ ዝበሎ ግበር፡ ቀሺ ዝገብሮ ኣይትግበር” ይብሉ ኣቦታትና። ምክንያት ኣለዎም። ኣብዛ ናይ ዕለተ 15/02/15 ግን የእዛነይ ክኣምኖ ዘይክኣልኩ ዘረባን ትምህርቲ ኣመሓላሊፎም። ብርግጽ ብዙሕ ግዜ ሰባት ‘ዛዕብኦም ክዛረቡ እንከለው፡ ናይ ጽልእን ቅንኣትን ይመስለኒ ነይሩ።

ቀሽ ተኽለ ኣብ ግዜ ናጽነት ተለሚኖም ከምዚኸዱ፡ ኣብ ግዜ ዝኽሪ ሰማእታት ደንጕዮም ከምዚመጹ፡ ኣብ ግዜ ፈሲቲቫል መኽፈቲ እቲ ብዓል ከምዚገይሹ ተገይሩ ዝሕመይሉ ብዙሕ ኢዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ብኩሉ ሸነኻታ ባንዴራ ናይ ኤርትራ ተሰቒሉ ዝርኣየላ፡ ኣባላታ እቶም ዝበዝሑ ኣባላት ህግደፍ ዝኾኑን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ከምዚኾኑ ዚንገረሎም ብምዃኖም ነዚ ኩሉ ዝሕመይሉ፡ “ሕሜታ” ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ ነይሩኒ።

እምብኣር፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዚግበር፡ ሓበሬታታት ክህል እንከሎ፡ ብቐዳምነት ዝንበብ ኣብ ኣብየተ ክርስቲያን ኢዩ። ሰንበት ሰንበት ብዙሕ ሰብ ዚሓቕፋ ብቐሊሉ መልእክቲ ክትሕልፍ ምችኡ ኢዩ። ተወሳኺ ምስቲ ሰንበት ምዃኑ ጥምቀት፡ ተስካርን ካልእ ፍጻሜታት ስለዝህልው ብርክት ዚበለ ስብ ኢዩ ዚርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ካብ ሽማግለ ብዓላት ዝተልኣኸት ደብዳቤ (ሓበሬታ) ንምሸቱ ንዝካየድ ናይ “ፈንቅል” ጽንብል ተነቢቡ ከብቕዕ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ኩሉ ሰብ ክሳተፍን ነዚ ዓብይይ ታሪኻዊ ብዓል ሓቢሮም ንኽውዕሉ ትዕድም ሓበሬታ እያ ነይራ።

ኰይኑ ግን ቀሺ ተኽለ ነታ ማይክሮፎን ትቕብል ኣቢሎም፡ ነቲ ብዓል ምስቲ ንጽባሒቱ ዚተኣታተው ጾመ ኣርብዓ ኣተሓሒዞም፡ ነቶም ኩሎ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ብዚተነበበ ሓበሬታ፡ ዚትሓጎሱን ናብቲ ብዓል ንኸምርሑ ዝሓሰቡ፡ ምእመናን፡ ዓው ኢሎም፡ “ህዝቢ ኦርቶዶክስ፡ ጓይላ ኣይኸይድን ኢዩ። ጽባሕ ጾም ስለዚኾነ ኣብዚ ብዓል ከይትዱ ኢሎም” ዘረብኦም ሕርቃን ዚመልኦ ስለዚመስል ኣትሪሮም “ኣይትኺዱ” “ኣይትኺዱ” ኢሎም። “ሃይማኖትና ናይ ክብሪ ቦታ ዘይተረኸበሉስ፡ ኣብ ጓይላታት ክትዕንድሩ ሓጥያት ኢዩ” ብዝብል መልእክቲ ክሳብ ክንደይ ነቲ ንዓመታት ዝሰምዖ ዚነበርኩ ሕሜታ ሓቒ ምዃኑ ተበሪሁለይ።

ከተማ ቶሮንቶ ኣርብዓተ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ብስም ኤርትራውያን ዝተጠመቓ ኣገልግሎት ዚህባ ኣለዋ። መድሃኔ ኣለም (ኦርቶዶክስ) ቅዱስ ሚካኤል (ኦርቶዶክስ) ቅድስት ማርያም (ካቶሊክ) ቅዱስ ይውሃንስ (ከኒሻ) ካልእ ናይ ጅሆቫ ጵንጠን መቁጸሪ የብለንን። ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ከም ቫይረስ ተባዚሐን ይርከባ። ካብዘን ኣርብዓተ ኣብያተ ክርስቲያን እታ ዝሓሸትን ምስ ሃገርናን መንግስትናን ምትእስሳር ዘለዋ ናይ ቅዱስ ዮውሃንስ ሉተራን (ከኒሻ) ቤተክርስቲያን እያ። ናይ ቅድቲ ማርያም ካቶሊክ ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ከምዘላ ከማን ዝኣምኑ ኣይኰኑን። ናይ ቅድስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን ብግስ ክብሉ ምስ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ኦርቶዶክስ ምምሕዳር ምትእስሳር ኢዩ ዘለዎም። ናይ መድሃኔ ኣለም ብደገ ዝርእይዎ ምናባት ሃገራውያን ይመስሉ ይኾኑ፡ ኣብ ውሽጡ ምስ ኣተኻ ግን ጸግዒ ሓዚሎም ኢዮም ዝንቀሳቐሱ።

ብዓብዩ እቲ ስእሊ ክንርእይ እንከሎና፡ እንዳ መድሃኔ ኣለም ኣብ 2001 ብስም MEDHANIE ALEM ERITHREAN ORTHODOX TEWAHDO CHURCH ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ተመዝጊባ። ኣስተውዕሉ ኣብዚ ነዛ ኣንዳ መድሃኔ ኣለም ዝብል ስም ሂቦም ሕጋዊ ቅጥዕታት ዝመልኡ ሎሚ ኤርትራውነቶም ዘጠራጥር ሰባት ኰይኖም ብዓብዩ ዝሕመዩ ሰባት ኢዩም። እታ ኤርትራ ትብል ቃል “H” ተሓዊስዎ ንረኸቦ። ብሓቒ ኣጸሓሕፋ ናይ ኤርትራ ብቋንቋ እንግሊዝ ዘይፈልጡ ሃገራውያን ድዮም ኣብቲ ቅጥዒ ኣስፊሮሞ ወላስ “ትርጉም” ኣላታ። ዘገም እንዳበልና ኣብ መጻኢ ክንርእዮ ኢና።

ርግጽ ኢዩ ካብ “ኣግሪ ኣፍ ይዕንቀፍ ኢዩ” ዝብሃል ምስላ ኣሎ። ምናልባት ዶ ተሃዊኾም ቅጥዒ መሊኦሞ ይኾኑ ዝብል ግምት ክህልው ይግባእ ኣኳ እንተኾነ፡ ካብ 2001 ክሳብ ሕጂ 15 ዓመታት ኮይኑዎ ኣሎ ስለምንታይ ክእረም ዘይተኽኣለ፧ ወይስ ብቋንቋ ፈረንሳይ ንኸመሳስልዎ ዝተጽሓፈ ይመስል : “Érythrée”

ይቕጽል!

Received on Wed Feb 18 2015 - 06:38:58 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved