Tesfanews.net: “ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 18 Feb 2015 12:31:13 +0100

“ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ!

ካብ ቆርበት በጊዕ ዝተጎልበቡ ተዃሉ ተጠንቀቑ። ብናይ መቐለ በርበረን ሽሮን ዝተጠበሩ ዑሱባትን፡ ብስም ኤርትራዊ ካብ ትግራይ ዝፈለሱን፡ ኤርትራዊ ተመሲሎም ኣንጻር ህዝቢ ካብ ዝንቀሳቀሱ ተወላድቲ ደቂ ትግራይን ተጠንቀቑ።
 

ካብ መንእሰያት ህግደፍ (ላስ ቬጋስ)፡

18 February 2015.

ናይ ከዳሚ ስርዓት ወያነ ላዕለዎት ሓለፍቲ “ኤርትራዊያን ውሻጤኦም ጹቡቅ ጌርና ስለ እንፈልጦም ልክዕ ከም ሶማል ፋሕ ከነብሎም ኢና።” “ኤርትራዊያን እታ ኤርትራ ትብል ቃል ረሲዖም ብእንዳን ቀቢላን ኣዉራጃን ከም ዝዛረቡ ክንገብሮም ኢና” ክብሉ ብተደጋጋሚ ክፍኩሩ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ዘይግሃድ ጠፋሽ ሕልሞም ግብራዊ ክገብሩ ድማ ሓድነት ኤርትራዊያን ክብትኑ ስለ ዝነበሮም እቲ ዝልዓለ ባጀት ሰሊዖም ክንቀሳቀሱ ካብ ዝጅሙሩ ድሮ ዓሰርተታት ዓመታት እኳ እንተቁጸሩ ብዘይካ በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ምዉዳብ ካልእ ዘፍረይዎ ነገር ኣይነበረን።

ሎሚ እዉን እንተኾነ ከደምቲ መራሕቲ ወያነ ንኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ሓድነቱ ንምዝራግ ሓድሽ ሜላ ብምኽታል ለይትን ቀትርን ክሰርሑ ይርኣዩ ኣሎ። እዚ ድማ ነቶም ብስም ኤርትራዊያን ካብ ትግራይ ናብ ዲያስፖራ መጺኦም ከም ኤርትራዊያን ተመሲሎም ኣንጻር ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ በቶም በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ኣቢሎም ነቲ ናይ ኤርትራዊያን ሓድነት ምብታን እከይ ተግባራቶም ንምቅጻል ሽፋን ዝኾኖም ናይ “ኤርትራዊያን ማሕበረ ኮም” ምምስራት ዝብል እዩ። ነዚ ሓቂ ዘግህድ ተርእዮ ድማ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ላስ ቬጋስ ተጌሩ ዝተባህለ ብኣዝማሪኖን ኣሰናን ዝተሓበረ ወረ እዩ።

እቲ በቶም ብዘይጠቅማ ቁንጣሮ ገንዘብ ተዓሲቦምን፡ በተን ኣዲስ ኣበባን መቀለን እንዳተመላለሱ ዘምጽእወን፡ ሽሮን በርበረን ዙርያን ተጠቢሮም፡ ናይ ሓሳድ ወያነ ኢደበይዛ ብሙኻን፡ ንሓድነት ኤርትራዊያን ነበርቲ ላስ ቬጋስ ንምብታን፡ ለይትን ቀትርን ከይተሓለሉ ዝሰርሑሉ ግብረ እከይ ተግባራቶም፡ ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ስለዝተረፈ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ይኣይ ስትራተጂ ተቀይሩለይ ተባሂሉ፡ “ንሕና ናይ ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ ካብ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ጽልዋ ነጻ ዝኾነ ማሕበር መስሪትና ኣለና” ክብሉ፡ በተን ስርዓት ወያነ ዘማሓድረን መርበብ ሓቤሬታ ኣዝማሪኖን ኣሰናን ከይሓፈሩ ከምዘጋዋሕዎ ዝዝከር እዩ። ዘገርምዩ!! ካድራት ወያነን ኣሰናን ኣዝማሪኖንን ብኣካል ዝተሳተፍኦን ኣብ መርበባተን ብእልቢ ዘይብሉ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኣነዋሪ ጸርፍታት ኣሰንየን ዘጋዎሖኦ ዜና ካብ ፖለቲካ ጽልዋ ነጻ ዝኾነ ማሕበር ምባለንሲ ኣየናይ ኤርትራዊ እዩ’ሞ ክደናገር!!

እቲ ኣብ ኣዝማሪኖን ኣሰናን ዝለጠፍዎ ናይ ሃበስ ቀደስ ጹሑፋቶም ገዲፍና፡ እዞም ሕጂ ቆርበት በጊዕ ተጎልቢቦም፡ ብስም “ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ”፡ እቲ ናይ ዑሱብነት ስራሕ ክቅጽሉዎ ዝህቅኑ ዘለዉ ግብረ እከይ ተኳሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ዝተፈላለያ ጉጅለታት፡ ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ጉጅለ “ሰራዊት ሕድሪ”፡ ጉጅለ “ስምረት መንእሰያት ንለውጢ”፡ ጉጅለ “ደለይቲ ፍትሒ ላስ ቬጋስ”፡ ጉጅለ “ስመር ፓልቶክ”፡ ጉጅለ “ምንቅስቃስ መንእሰያት ንለውጢ”፡ ጉጅለ ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ሽመልባ”፡ ጉጅለ “ኣቡነ ኣንበስ ዛላምበሳ”፡ ጉጅለ “እንዳ መስፉን ሓጎስ”፡ ጉጅለ ዘብሔረ ዓዲ ቀይሕን ዝኣመሳሰሉ ካልኦት ናይ እንዳታት ጉጅለታት መስሪቶም ንሓድነት ኤርትራዊያን ነበርቲ ላስ ቬጋስ ንምብታን ዘካየድዎ ኩሉ ሃቀነታት በርዒኑ እዩ ተሪፉ።

ሎሚ እዉን እታ ነዞም ዑሱባት ተኸድሞም ከዳሚት ስርዓት ወያነ፡ ብሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጲያ ዋላ እዉን ብህዝቢ ትግራይ ከይተረፈ ተፈንፊናን ተናዒቃን፡ ብዝተፈላለዩ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ኢትዮጲያዊያን ሓይልታት ትጭፍለቅ ኣብዘላትሉ እዋን፡ በዞም ብናይ መቀለ በርበረን ሽሮን ዝጥበሩ ዑሱባት ኣቢላ ሓድነት ኤርትራዊያን ኣብ ላስ ቬጋስ ንምብታን ትገብሮ ፈተነ ፋይዳ ክትረኽበሉ ከምዘይምኳና ካብ ሑሉፍ ዉድቀታታ ክትምሃር ምተገብኣ።

ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ብዘይካ በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ገዲፍካ፡ ብሙሉኦም ፈተውትን ተሓለቅትን ህዝቦም፡ ንሃገሮምን መንግስቶምን ንጸላእትን ጓኖትን ኣሕሊፎም ዘይህቡ፡ ሙዑታትን ውፉያት ሃገራዊያን ምኳኖም ምግላጽ ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን። ብተወሳኺ ግን ነቲ ካብ ላስ ቬጋስ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና፡ ሓቀኛ ምስሊ ኤርትራዊያን ነበርቲ ላስ ቬጋስ ክህልዎ መታን፡ እዚ ዝስዕብ ብሰነዳት ዝተረጋገጸ ሓቂታት ምጥቃስ ይክኣል።

1./ ከተማ ላስ ቬጋስ ይትረፍ እቶም ነባራት ኤርትራዊያን፡ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ መንእሰያት እዉን “ንሕና ምስ መንግስትናን ህዝብናን ሃገርናን ይሕሸና” ኢሎም፡ እቶም ዝበዝሑ ናይ ጣዕሳ ዝመልኡ መንእሰያት ዝርከብዋ ከተማ ምኳና ሰነዳት የረጋግጽ።

2./ ብኣንጻሩ ድማ፡ ከተማ ላስ ቬጋስ፡ እቶም ናይ ኤርትራዊያን መንነት ተጠቂሞም፡ ካብ ትግራይ ዝመጹ ቡዙሓት ተጋሩ መንእሰያት ዝርከብዋ ከተማ ምኳና ሰነዳት የረጋግጽ።

እቲ ሓቂ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ኮይኑ፡ እዞም ቁንጣሮ ዘይኣኽሉ ዑሱባት፡ ከምቲ ባዕላቶም ብመንገዲ ናይ ወያነ ቃል ኣቀበልቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ኣዝማሪኖን ዝገለጽዎ፡ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝነብር ኤርትራዊ ከዳናግርዎ ስለዘይክእሉ ካብ ዝተፈላለያ ስተይትስ መደራዕታ ክኾንዎም ዝኽእሉ ሃሱሳትን ተጋሩን ከምዝዓደሙ ሓቢሮም እዪም። ብተወሳኺ እዉን እቶም ናይ ኤርትራዊያን መንነት ሰሪቆም ከም ኤርትራዊያን ተመሲሎም ላስ ቬጋስ ዝኣተዉ ቡዙሓት ተጋሩ መንእሰያት ኣኪቦም ድማ፡ ኣብቲ “እዚ ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝኾነ ናይ ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ እዩ” ኢሎም ንሰብ ከታልሉ ዝፈተንሉ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ጓይላ፡ ሓደ ወዲ ኣስመራ ዘይብሎም ክንሶም፡ “ኣስመራዶ ብህግደፍ ትሕሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ” ክብሉ ምሕዳሮም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎም ዝኻሓነ ውሽጣዊ ጽልኦም ዘግሃደ ተርእዮ እዩ ኔሩ።

ኣብ መጨረሽታ ክንብሎ እንደሊ ነገር እንተሃልዩ፡ ኤርትራዊ ሓድነትና፡ ብናይ መቀለ በርበረን ሽሮን ዝጥበሩ ዑሱባት ይትረፍ፡ በቶም ናይ ዓለምና ሓያላን መንግስታት ናይ ስለላ መርበብ ከማን ክንቅነቅ ኣይተኻእለን እሞ፡ ምናልባት ገለ የዉሃት በዞም ብሃገራዊ ክድዓትን ጥልመትን ዝሕተቱ ዑሱባት ተደናጊሮም ኣብቲ ከም ሽፋን “ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” ዝብል ሽም ኣጠሚቆም ኣንጻር ሃገርን ሃገራዉነትን ዝነጥፉሉ ዘለዉ ማሕበር፡ መሻርኽቲ ናይቲ ይቅረ ዘይብሃሎ ገበኖም ከይገብሩዎም በዚ ኣጋጣሚ ሕዉነታዊ ምኽርና ክንልግሰሎም ሃገራዊ ሓላፍነትና ምኳኑ ንሕንሮም።

ዓወት ንሓፋሽ!

መንእሰያት ህግደፍ
ላስ ቬጋስ

 
Received on Wed Feb 18 2015 - 06:31:14 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved