Tesfanews.net: ወያነ፥ 40 ዓመት ዝኽሪ ልደት ዶ? ወይስ መፋነዊ ዕርበት?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 16 Feb 2015 00:12:05 +0100

ወያነ፥ 40 ዓመት ዝኽሪ ልደት ዶ? ወይስ መፋነዊ ዕርበት?

40 ዓመታት፡ ንደላይ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝጸምኦ ህዝቢ፡ ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ።

ብ ተወልደ ብእምነት፡

እቲ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት እገብር፡ ዝምርሓሉ ንጹር ስነ-ሓሳባውን ፖለቲካውን ፕሮግራም ከይሓዘ፡ መስመሩን ኣንፈት ጕዕዙኡን ከይፈለጠ፡ ደደቢት ኣብ ዝተባህለ በረኻ፡ ወርሒ ለካቲት 1975 ዝተኣኻኸበ ጕጅለ፡ ነታ ወርሒ ከም ናቱ ፍልይቲ ብጽሒት ወሲዱ፡ ዓመት-መጸ፡ “ዝኽሪ ብረታዊ ተጋድሎ” ተባሂላ ክትብዓል ከም ልምዲ ኣተኣታቲውዋ ጸኒሑ።

ኣብ 1975 ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽን ቅልጡፍን ምዕባሌታት ዝተኸስተሉ ወቕቲ ኾይኑ፡ ብሰንኪ’ቲ ን14 ዓመታት ዝካየድ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ እቲ ኣብ’ቲ እዋን ዝመጸ ሓያል ደርቅን ተደማሚሩ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘስዓቦ ከቢድ ሕሰም፡ ህዝባዊ ናዕቢ ተወሊዑ ። ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ተነንዩ ምስ ወደቐ ኸኣ፡ ነቲ ሃጓፍ ናይ ስልጣን ዝትክእ ዉዱብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ስለ ዘይነበረ፡ ብቐሊሉ ናብ ኢድ ወታሃደራት ክትወድቕ ኪኢላ።

እቲ ናይ ወታሃደራት ጥርናፈ ንባዕሉ ኣብ ዉሽጡ ዝነበረ ሽግራት ገዲፍካ፡ ሲቪላዊ ምምሕዳራዊ ተመክሮን ፖለቲካዊ እንዶን ፍልጠትን እዉን ኣይነበሮን። ነቲ መኣዝን ኣጥፊኡ ኣብ ሕንፍሽፍሽን ዘይርጉጽነትን ዝገላበጥ ዝነበረ ህዝቢ፡ ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ዝተፈላለየ ጠለባት፡ ብሰላምን ምስትውዓልን ክኣልን ከተሃዳድእን፡ ዲሞክራሲያዊ ጠለባት ህዝቢ ብብቕዓት ክምልስ ኢልካ’ውን ትጽቢት ክትገብረሉ ዘይካኣል’ዩ ኔሩ። ኩነታት እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሽበራዊ ኣንፈታት ኣምሪሑ። ሃንቀውታ ህዝቢ ተኾሊፉ። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት፡ ብፍላይ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ፡ ነቲ ኣብ ጎድኒ ሸቃሎ ኮይኖም ዘካይድዎ ዝነበረ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ዘጋጥሞም ዝነበረ መጥቃዕትታ እናገደድ ስለ ዝኸደ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት በብመንገዶም ፍታሕ ንምንዳይ፡ በቢዝመስሎም፡ ዝተፈላለየ ምንቅስቓሳት ከበጋግሱ ተራእዮም።

 

እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ጭፍራ ድማ፡ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት ኢዩ ተዳፋፊኡ ንበረኻ ነቒሉ። ምስ ህዝቢ ትግራይ እተቃራረቦ ሓንቲ ልሕልሕቲ ፈትሊ፡ ደቂ’ቲ ከባቢ ብምዃን፡ እታ ካላኣይቲ ድማ “ወያነ” እትብል ጭራም ጭርሖ ጥራይ እየን ኔረኦ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ንመቃለሲ ዝኸውን ስሩዕን ንጹር ዕላማታት ምስ ህዝቢ ከረዳድእ ዝኽእል ብሱል፡ ርጡብ፡ ቛንቛን ትሕዝቶን ኣይነበሮን። ኮይኑ ኸኣ ነቲ ዝነበረ ብሄራዊ መጽቐጥቲ መዝሚዙ፡ መድሕን ህዝቢ ትግራይ ንኽመስል ብዙሕ ተቛጻጽዩ።

ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት (1985) ክሳብ እቲ ብማለሊት ዝፍለጥ ሰልፊ ብወግዒ ዝእውጅ፡ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ፖለቲካዊ ጭርሖታት ሒዙ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ አጎሳጉስ ኔሩ። መጀመርታ፡ “ብሄራዊ ኣድልዎ ክንውግድ” ክብል ጸኒሑ፡ “ናጻ ረፓብሊክ ትግራይ” እንደገና ተመሊሱ፡ “ማኒፈስቶ ዓባይ ትግራይ” እናበለ ኣብ’ቲ ህዝቢ ዘየድሊ ድንግርግራት ስለ ዝፈጠረ ሚዛኑ ፈዅሱ። ህዝቢ ትግራይ በቲ ዘይርጡብ መርገጺኡ ኣይተኣማመነን። ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበሮ ጸቢብ ኣመለኽኽታን ኣኣተሓሳስባን ድማ ኣብ ነንሕድሕዱ ብኣውራጅነት ተመቓቒሉ: ነቲ ፍልልያቱ ኣብ’ቲ ህዝቢ ከላብዖ ብምፍታኑ ኸኣ ተስፋ ዘቑርጽ ዕግርግራት ፈጢሩ።

ነቲ ውድዓዊ ጠለባት ህዝቢ ንምምላስ ድልውነትን ኣድህቦን ኣይነበሮን። ንጹርነት ስነ-ሓሳባዊን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ዘይምህላው ተወሲኽዎ ድማ፣ ሓደ ጊዜ ክብርሆ እንከሎ “ማርክሰ-ለኒናዊ” ካባ ለቢሱ ኣብ ኣደባባያት ክውጭጭ እርአ። ገለ ወገናት ዓይኖም ከፍጥጥሉ እንከለዉ ኸኣ፡ ነቲ ክብሎ ዝጸንሐ ዓጀውጀዋት ኣመንጉዩ ጭርሖ “ኣብዮታዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ” የቓልሕ፡ ካልእ ባንዴራ የውለብልብ። ንፋስ ነናብ ዝነፈሶ ክነፍስ ንዓመታት፡ ትርጉም ዘይብሉ ስራሕ ከይሰርሐ ፡ ነቲ ብግብሪ ዘይነበረሉ እዋናት፡ ብበዓላትን ዝኽርታትን ጥራይ ከም ዝነበረ ጌሩ ነብሱ ኸፋልጥን ክመርሕን ሒጊግ ክብል፡ ዝነበረሉን ዘለወሉን ኢዩ።

ዝገደደ ካብ’ዚ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ድማ፡ ነቶም ኣብ’ቲ እዋን እቲ፡ ንፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ክቃወሙ በቢወገኖም ክጋደሉ ንበረኻታት ዝወፈሩ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያን፡ ነቲ ዝነበረ ውድዓዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘየእቱ ናይ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያትን ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ብምግፋሕ፡ ካብ ቖይቝን ንትርኽን ሓሊፉ ናብ ምትህርራማት ደፊእዎ። ከም ዝዝከር፡ እቶም ሓይልታት ብውሕዱ መበገሲ ዝኾኖም ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሒዞም ንሜዳ ዝወፈሩን ዝንቀሳቐሱን ምንባሮም እፍለጥ። እዚ ጃንዳ’ዚ ግን በታ ንእሽቶ ሓንጎሉን ጥምዓዊ ፍልጠቱን፡ ንኣባላት ናይ’ተን ዝተፈላለያ ሓይልታት፡ ከም ኢትዮጵያውያን መጠን እተፈልየ እምነትን ኣተሓሳስባን ክነብሮ ከም ዝግባእ፡ ክሰምዕን ክቕበልን ሞት ኮይኑ ተርእይዎ።

ተመያይጡ ከረድእ ብስለትን ሕጽረት ተመክሮን ስለ ዘይነበሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክብገስ እንከሎ ንዅሉ ነገራት ክብሕትን ክግብትን ካብ ዝነበሮ ድሑር መስፍናዊ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን፡ ልዕሊኦም ኮይኑ ክወጽእ ዝነበሮ ኣዕናዊ ምትህልላኽን፡ ነቲ መሰረታዊ ፍልልያት ዘይነብሮ ደቀቕቲ ጉዳያት ኣተዓባብዩ፡ ናብ ዘየድሊ መኣዝን ኣዕሪግዎ። ብሓይሊ ብረት፡ ብጎነጽ ክፈትሖ ኸኣ፡ ስጉምቲ ወሲዱ። ህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ሕጂ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማቱ፡ እዚ ንፍትሕን ርትዕን እቃለስ ኣለኹ እናበለ ህይወት ብዙሓት ምሁራት ዘጽነተ ጉጅለ፡ በቲ ምስሉይ ኣቀራርባ፡ ባህርን ባህልን ናይ’ዚ ጭፍራ’ዚ ናይ ሓያሎ ዓመታት ሱር ዝሰደደ ሕማም ጸኒሕ ምዃኑ ክዝከር ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ እውን እንተኾነ፡ እዚ ጭፍራ’ዚ በቲ ሽዑ ዘልዕሎ ዝነበረ ጭርሖን ፖለትካዊ ቆይቝን ክርድኦ ኣይከኣለን። ካብኡ ክርሕቅን ክጥንቀቕን እምበር፡ ክስዕቦ እውን ኣይመረጸን። ዝያዳ ዘስግኦ ዝነበረ ተግባራት ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተንቀሳቐስቲ ሓይልታት (ግንባር ሓርነት ገድሊ ትግራይ፡ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ፡ ማሕበር ገስገስቲ ትግራዎት፡ ኢትዮጵያዊ ዲሞክራሲያዊ ሕብረት- ኢዲዩ፡ ሕብረ-ብሐራዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን- ኢፒኣርፒ) ኣዘንጊዑ ዝወሰዶ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲታት፡ ደም ንጹሃት ደቁ ብኸንቱ፡ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ክዛሪ ዝተዓዘበ ህዝቢ ፈንፊንዎ። ብልቢ ድማ ኪዒብዎ።

ከም መርኣያ ናይ’ዚ ተቓውሞ፡ ኣብ ሓደ እዋን ህዝቢ ተምቤን ዓቢ ዓዲ፡ “ንምውላድ ህወሓት” ምኽንያት ጌሩ ዝኽሪ በዓል ከዳሉ ብተደጋጋሚ ኣብ እተሓተተሉ እዋናት፡ ዕጭ ሓንፊፉ ኔሩ። ሓደ ጊዜ ግን፡ ብርቱዕ መጠንቀቕታን መፈራርህን ስምዕታ ተዋሂብዎ፡ ኹሉ ህዝቢ፡ ቆልዓ-ሰበይቲ ከይተረፈ ብመስርዕ ኣብ ኣደባባይ፡ ቀትሪ መዓልቲ ተሰሊፉ ከም ዝወጽእ ተጌሩ። ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣቀዲሞም መጺኦም ኣብ’ቲ ቅርዓት ክጸንሑ እንከለዉ፣ ኣብ ምኽፋት ናይ’ቲ “በዓል” ቃል ክውሃብ ምቅርራብ እናተገብረ እንከሎ፡ ሃንደበት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት፡ በቢሓደ ተመራሪሖም ካብ’ቲ ቅርዓት መመሊቖም ክስወሩ ተራእዮም። ጸኒሑ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ነፈርቲ ኵናት ስርዓት ደርጊ ዘምበየን፡ ነቲ ስፍራ ድማ ብዘይንሕስያ ተገላቢጠን ደብዲበንኦ፡ ቦምባታት ዘኒቡ፡ ሰብን ሓመድን ተሓዋዊሱ። መሬት ብዝሞቱን ብዝቖሰሉን ናብ ዘስካሕክሕ ምርኢት ተለዊጣ። እቲ ኣደባባይ ናይ’ቲ “በዓል ልደት ” ድማ ናይ ደስ-ደስን እልልታን ስፍራን መዓልቲን ምዃን ተሪፉ ናብ ኣውያትን መልቀስን ከም እተለወጠ እፍለጥ።

እዚ ንምእማኑ ዘጸግም ፍጻመ፡ ንመሪሕነት ወያነ፡ ኣይንቕበልን ኣይንድግፍን ዝብለ ህዝቢ፡ ብጸላኢ ኣህሪሙ፡ ጸቕጢ ፈጢሩ ሰባት ከምበርክኽን ናይ ጸግዑ ከሰልፍን፡ ካብ ዝተጠቕመሎም ፋሺስታዊ ሜላን ተግባራትን ኢዩ ዘርኢ።፡ ህዝቢ ተምቤን ዓቢ ዓዲ ኸኣ ኣብ ዝኽርታቱ ቀሪጽዎ ኣሎ። ኣይተ ገብሩ ኣስራት፡ ሓደ ካብ’ቶም መራሕቲ ነበር፡ ሽዑ ኣብ’ቲ ውራይ ዝወዓለ፡ ሎሚ ‘ውን እንተኾነ ናይ ጣዕሳ ምልክት ኣየርኣየን። ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ፡ ምስ’ቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ዘሎ ጽልእን ቅርሕንትን፡ ሕነ መፋደዪ ክጥቀመሉ ክብል፡ ንመማቕርቲ ዛንታን፡ ናይ’ታ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐት መጻሓፉ ንማለቱ ጠቓቂሱ ሓሊፍዎ ኣሎ።

40 ዓመታት፡ ንደላይ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝጸምኦ ህዝቢ፡ ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ። እዚ ዓማጺ ጉጅለ፡ ብዘይምሕረት ክጭፍልቕ ድሕር ከምዘይብል’ውን ትዕዝብቲታት ብዙሓት ኪኢላታትን ተንተንትን ናይ’ቲ ዞባ፡ ክእምቱን ከጠንቅቑን ይርኣዩ ኣለዉ። ይኹን እምበር ንኹሉ ጊዜ ስለ ዘለዎ፡ ትዕግስትን ልቦናን ሓፋሽ ህዝቢ፡ ውዒሉ-ሓዲሩ ደረት ስለ ዝህልዎ፡ ዓቕሊ ምስተጸንቐቐ ዝግንፍል ማዕብል መዕገቲ የብሉን። ነዚ ብንዕቐት ተበርጢጡ ኣህዛብ ክድህጽ ዝጸንሐ መራሕ መኪና፡ ካብ’ቲ ክቛጻጸሮ ዝጸንሐ ጽርግያ ተኣልዩ ናብ ገደል ክድርበ ዝሕብር ደወላት፡ ጻዊዒት ምትእኽኻብ የቓልሓ ኣለዋ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ’ታ ሃገር፡ ኣህዛብ ሕርቃኖምን ነድሮምን መቖጻጸሪ ተሳኢንዎ። ህዝባዊ ምልዕዓላት ረስኑ፡ ጊዜኡ ናብ እሳታዊ ተባራዒ መልክዕ ክሕዝ ዘላቡ ኣይመስልን። እቲ ስቓይ ልዕሊ’ቲ ዝግብኦ ስለ ዝኸደ። እታ ሃገር ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ንኸይትሽመም ከኣ፣ ንድሕነታን ንቐጻልነታን፡ ዕቱብ ሓባራዊ ልፍንታዊ፡ ስሙር ግንባር ናይ’ዘን ዝነጥፋ ዘለዋ ውድባት ክቀላቀል ባህርያዊ ኢዩ።

ስርዓት ወያነ፡ ካብ’ቲ ናይ ባዕሉ ጸቢብ ጃንዳዊ ባህርያቱን፡ ነጽዋም ጠባያቱን ዝተበገሰ፡ “ጨፍሊቕካ ምኻድ” ዝብል ስነ-ልቦናዊ ሕማምን ሒዙ ኢዩ ክስሓግ ጸኒሑ። ኣብ ቀጻሊ ውሽጣዊ ናይ ምውሕሓጥን ምትሕንናቕን ቁርቁሳት እውን ብዘይ ዕርፍቲ ክመናጨትን ክጠላለፍን፡ ህይወቱን ህይወት ካልኦት በሊዑን ተበሊዑን ኣባሊዑን። ቡዙሓት ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ብሓባር (ዝመስል ዝነበረ) ክሰርሑ ዝጸንሑ፡ ገሊኦም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓለም-በቓኝ ተደርቢዮም ይበልዩ ኣለዉ፣ ገሊኦም ናብ ስደት ተባሪሮም፡ ገሊኦም ድማ ብእተራቐቀ ጥበባዊ ኣቀታትላ ተቐንጺሎም። ሎሚ ቑንጣሮ ኣባላት ናይ’ቲ ጃንዳ፡ ኣብ ቀንዲ ቍልፊ መንግስታዊ መዋቕር ልጓም ተቛጻጺሮም ኣለዉ። ነናቶም እሙናት ብዝብልዎም ቤተ-ሰብ ኣዝማድ ተኸቢቦም ኣብ ወጥሪን ምትሕልላውን ከንሳፍፉ ይርኣዩ። እቲ ብግዳም ከም ጥቡቕ ምሉእን ምእኩልን ዝርአ ዝነበረ ኣካል መሪሕነት፡ ከም ሓደ ኣብ ነንሕድዱ እናተላግዐ ዘንካራሩ ኣእማን ተጨላሊፉ ዝደራቐም፡ ሎሚ ወያነ ተሸራሪፉ ሓቒቑ ኢዩ። መለለዪ ሓደ ፖለቲካዊ መንነት ዘይውንን፡ ህላውነቱ ብሓደ ዝደቐቐ ፍንጫል፡ ምስሊ ናይ’ቲ ምሉእ ቅርጺ ጥራይ ሒዙ ተሪፉ። ኣብ ናይ ግዳም ሓይልታት ጽቡቕ ፍቓድ፡ ጽግዕተኝነትን ርህራሀን ዝተኣማመን፡ ተንጠልጢሉ ዝተረፈ ሓይሊ ኮይኑ’ሎ።

እቲ ንረኣዩለይ ተባሂሉ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ “ምርጫ” ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከንጸባርቕ ይትረፍ፡ መባእታዊ ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ኣማሊኡ ስለ ዘይካየድ፡ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ዝብል ፍጡር ከምዘየሎ፡ ሎሚ ኵሎም ወገናት ብስክፍታን ፍርህን ዝከታተልዎ ድራማዊ ምርኢት ኮይኑ’ሎ። እቲ ዘፍርሕን ዘሕዝነን ምርኢት ድማ፡ ብድሕሪ’ቲ ምርጫ ሲዒቡ ዝኽሰት ህውከትን ዕግርግርን ይኸውን።

ናይ ሎሚ ዓመት “ምርጫ” ኸኣ ካብ’ቶም ኣቐዲሞም ዝተጋህዱ ተመክሮታ፡ ዝገደደን ዝኸበደን ስክፍታ ከም ዝፈጠረ ማዕከናት ዜና ዓለም ብቐጻሊ የቃልሕኦ ኣለዋ። ከም እተባህለ፡ ብዙሓት ግዱሳት ወገናት፡ ነቶም ነዚ ስርዓት’ዚ (ወያነ) ከሻድንኦ ዝጸንሓ ናይ ምዕራብ ሃገራት፡ (ኢደን ክስሕባ) ሓደ ጥዑይ ሃናጺ ስጉምቲ ክወስዳ፡ ለበዋታትን ምሕጽንታትን ኣምሪሮም ከመዝግቡ ይርኣዩ። እቲ ንመተሓጓጎሲን ንዲፕሎማሲያዊ ሃልኪን ተባሂሉ ክደጋገም ዝጸንሐ ተዋስኦ፡ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ “ምርጫ ናይ 2015” ድማ ከም ልሙድ፡ ድምጺ ህዝቢ መንዚዑ ኣብ ዝፋን ክጸንሕ፡ ሕጋውነትንት ዝለበሰ፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ንክረክብ ምዃኑ፡ ነዚ ልሙድ ጸወታ ይደግም ኣሎ።

ወያነ፡ ከም ልማዱ፡ ብጉልባብ “ጸጥታ” ነቲ ብኣግኣዚ ዝፍለጥ ብፍሉይ ዝተመልመለ ኣህዱ፡ ብዝሕን ዓይነትን ዘለዎ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ኣብ ዝለዓለ ናይ ተጠንቀቕ ኩነትታ ኣዳልይዎ ኣሎ። እዚ ካብ ስግኣትን እንተታትን ዝተበገሰ ኣተሓሕዛን ሸበድበድን፡ ነቲ ኣብ ኩለን ከተማታትን ናይ’ታ ሃገር ዝነበር ህዝቢ፡ ኣብ ዓቢ ፍርሕን ስግኣትን ተዋሒጡ እርከብ።

ኣብ መዛዘሚ ናይ’ዚ ዓንቀጽ ክጠቕሶ ዝደሊ፡ ወያነ ነዚ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኣበሳታት፡ ብምልኡ ዘርዚርካ ንምቕራብ ኢለ ዘምጻእክዎ ነጥብታት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ነቲ ኣብ ከርሲ’ቲ ውድብ ንሰላሳን ትሽዓተን ዓመታት፡ ተዓብዒቡ ዝጸንሐ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ከይተመርመረ፡ ምእንተ በዓል፡ ክብዓል ዝጸንሐ ዉራያት’ዚ ጭፍራ፡ ነቲ ክውሃቦ ዝጸንሐ ክብርን ዝኽርን፡ ክግበረሉ ዝጸንሐ “ፌስታታት” ብመንጽር’ቲ ዝፈጸሞ ኣበሳታት ኣጠማሚትካ ወይ ኣነጻጺርካ ክርአ እንተድኣኾይኑ፡ ኣብ መወዳእታ እትበጽሖ ውሳነን መደምደምታን፡ እዚ “በዓል’ዚ”፡ በዓል ልደት ምዃን ተሪፉ፡ ንዕርበት’ቲ ጃንዳ ናይ ደሓን-ኩን መፋነዊ ክኸውን፡ ምተገብኦ ንምባል ኢለ ኢየ፡ ንድሕሪት ተመሊሰ ሓደ-ሓደ መሪር ዝኽርታት ክጠቓቕስ ዝጸናሕኩ።

እዚ ክብል እንከለኹ ግን፡ ብፍሉይ ነቲ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ከላግጽ ዝጸንሐ ኣካል ድኣ እምበር፡ ነቶም ኣብ’ቲ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉ ደሞም ዝኸዓዉ፡ ኣካሎም ዝሰንከለ፡ ዝተቓለሱ ንጹሃት ዜጋታት ደቂ ትግራይ፡ ተቓላሳይ ሓው ህዝቢ ትግራይን፡ ክፉእ ንኽምነ ዘቕርቦ ዘለኹ ኮይኑ ንከይውሰድ ከተሓሳስብ እደሊ። እቲ ህዝቢ ዘብዕለሉ ሓቀኛ በዓል ክመጽእ እናተመኔኹ፡ ነዚ ብስሙን ብዕድሉን ንዓመታት ክቛመር ዝጸንሐ ጭፍራ ኣልዩ፡ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ዝነግሰሉ መዋእል፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዝሰፍን ጥራይ ምዃኑ ድማ፡ እምንቶይ ብልቢ እገልጽ።

ጽቡቕ ዕድል!!

 
Received on Sun Feb 15 2015 - 18:12:12 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved