Tesfanews.ne: ዓሚ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ሞይቶም ዝተባህሉ 3 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ምእንቲ `ኩሊቶም` ብሚሊሺያታት ወያነ ከምተቐትሉ ይእመት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 15 Feb 2015 23:05:28 +0100

ዓሚ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ሞይቶም ዝተባህሉ 3 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ምእንቲ `ኩሊቶም` ብሚሊሺያታት ወያነ ከምተቐትሉ ይእመት

ቃለ-መሕትት ምስ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ ኣብ'ዚ ታሕቲ ስምዑ:

https://www.youtube.com/watch?v=oo1AB6qeRpc#t=383

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ተቀቲሎም ዝተባሓሉ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትን ሓንቲ ጓል 25 ዓመት መንእሰይን

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ተቀቲሎም ዝተባሓሉ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትን ሓንቲ ጓል 25 ዓመት መንእሰይን ኣብ ኢትዮጲያ ምስ ኣተዉ ፡ ብኣንጻሩ ብኣባላት ሚሊሺያ ወያነ ከምዝተቐተሉን ኣባላት ስድራ መወቲ ኣረጋጊጾም

ተስፋኒውስ

ብ 20 ለካቲት 2014 ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ተባሂሉ በቲ ሓሶት ዝልማዳ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተጋውሓሎም ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትን ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ኣሞኦምን ጉዳይ ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ኣዚዩ ግጉይን ከምዝኾነ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጥ ኣቦ እቶም ክልተ ቆልዑ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ ኣቃሊዑ፡፡

ነዚ ሓቕነት ዘይብሉ ዘይተጻረየ ሓበሬታ መን ከምዝሃቦም ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ዝጠቐሰ ኣቶ ክብሮም ፡ ብዘይ ናቱ ኣፍልጦን ፍቓድን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ምፍታኖም ኣዝዩ ከምዝጓሃዮ ብተወሳኺ ይገልጽ።

እቲ ጉዳይ እምበኣር ከምዚ ኢዩ።

ኤርትራዊ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ፣ ጓል 15 ዓመት ጓሉ ዮርዳኖስ ክብሮም ፡ ወዲ 8 ዓመት ወዱ ሚካኤል ክብሮም ፡ ምስ ጓል 25 ዓመት ሓብቱ ኣኽበረት ፍቕረዝጊ፣ 3500 ዶላር ብምኽፋል፡ ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ትኹል – ደምበ ኳዅቶ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ከምዝገበረን ፡ እቶም ካብ ኤርትራ ዘስገርዎም ሰባትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐበሎም ጎይትኦም ብርሃነ ዘምህረት ዝተባህለ ሚሊሻን ኣብ ፈለማ እኳ ምእታዎም እንተረጋገጽሉ፣ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ 20 ሚያዝያ 2014 ግና ሞይቶም’ዮም ዝብል ሃንደበታዊ መርድእ ከምዝመጾ’ዩ ዝገልጽ።

 

ክብሮም ነቲ ኣሰንባድን ኣሻቓልን ኩነታት ናይቶም ፈለማ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ድሒሩ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሞይቶም ዝተባህሉ ክልተ ደቁን ሓብቱን ብኣካል ንምጽራይ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ነቶም ፈለማ ተቀቢልናዮም ዝበሉ ኣካላት ፡ ድሒሩ ድማ ከዝሞቱን ሬሳ ኣብ ጎበይዝጊ ዝተባህለ ቁሸት ዓዲ ሰለስተ ቀቢርና ንዝበሉን ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ምምሕዳር ዓዲ ዋዕላ ኣብ ዘዘራረበሉ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ፡ መርትዖ ዘይብሉን መልሲ ከምዝሃብዎን ፡ እቲ ጉዳይ ኣዚዩ ብምስጢር ክተሓዝ ዝተደለየን ማንም ደፊሩ ክዛረበሉ ዘይደሊ ጉዳይ ከምዝኾኖ`ዩ ዝሕብር።

ንኩነታት ኣማውትኦም ብዝምልከት መጀመሪያ ብዝብኢ ተበሊዖም ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል መልሲ እኳ እንተሃብዎ፣ ደቁን ሓብቱን ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ክዳውንቲ ኣብ ዘረከብሉ ግዜ ግና ኣብቲ ክዳውንቲ ዝኮነ ናይ ዝብኢ መጥቃዕቲ ዝመስል ኣሰር ከምዘይብሉ ክብሮም የረድእ።

ክብሮም ብዛዕባ’ቶም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ሰጊሮም ዝተባህሉ ድሕሩ ድማ ከምዝሞቱ ዝተነግሮ ደቁን ሓብቱን ንምጽራይ ናብ ኢትዮጲያ ብምኻድ ፡ ንልዕሊ 4ተ ወርሒ ከርተት እዃ እንተበለ ፡ ዋላ ሓንቲ ዘዕግብ ፍረ ከይረኸበ ገንዘቡ ወዲኡ ብጓሂ ናብ ኣሜሪካ ከምዝተመልሰን ፡ ብወገን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኢትዮጲያ ዝርከቡ ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ዝሽቅጡን ፡ ንህዝቢ ኢና ንቃለስ ዝብሉ ተቓወምቲ ፡ ነቲ ኩነታት ንምጽራይ ዝኾነ ኣይነት ተበግሶ ከምዘይገበሩን ፡ ኣይኮነን`ዶ ንኤርትራዊ ክሕግዙ ፡ ንህላዌኦም ከማን ዝሰግኡ ኮይኑ ከምዝረኸቦም ዝገለጸ ኣቶ ክብሮም ፡  በቲ ኩሉ ዘጋጠሞ ኩነታት ኣዚዮ ከምዝሓዘነን ከምዝጓሃየን ኢዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ ይብል ኣቶ ክብሮም ፡ ብኣጋ ምምላሱ ፡ ጓሉን ሓፍቱን ብሳንጃ ተወጊኦም ከምዝተቐተሉን (37:30) ፡ እንተ እቲ ወዲ ግና ዋላ ሓንቲ ሕራም ወይ መውጋእቲ ከይተራኣየሉ ከምዝተቐተለን ፡ ገለ ሰባት ሓበሬታ ወስ ከምዘበሉሉን ዝገለጸ ኣቶ ክብሮም ፡ ነቲ ጉዳይ መዕለቢ ክገብረሉ ተመሊሱ ንኢትዮጲያ ክኸይድ ከምዝኾነ ድማ ይገልጽ። እንተኾነ ይብል ኣቶ ክብሮም ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ናይ ሞራልን ገንዘብን ሓገዝ ከምዘድልዮን ፡ ነቲ ዝጀመሮ ጉዳይ ኣብ መዕለቢ ከብጽሕን ፡ ሬሳ ደቁን ሓፍቱን ከይረኸበ ድማ ቀሲኑ ክነብር ከምዘይክእል ብምግላጽ ፡ ሓገዝኩም ኣይፈለየኒ ይብል።

 

ዋላዃ ኣቶ ክብሮም እቲ ጉዳይ ገና ኣብ ምጽራይ ስለዘሎን ፡ ጥሉልን ዘየወላውል መርትዖ ክሳብ ዝረክበሉ ነቲ ዘጋጠመ ፍጻመን ምኽንያት ሞቶምን ካብ ምዝራብ`ኳ እንተተቆጠበ ፡ መን ከምዝቐተሎምን ንምንታይ ከምዝተቐተሉን ግን ክግምት ከምዘይጽግሞ ኢዩ ዝገልጽ።

ብወገና ካብቲ ቃለመጠይቕ ዝተረዳእናዮ ነገር እንተሎ ፡ ሞት እዞም ንጹሓት ኤርትራውያን ብኢድ ኣረመናውያን ምሊሻታት ወያነ ከምእተፈጸመን ፡ ድሕሪ ቅትለቶም ነቲ ሬሳ ከምዘይርከብ ጊሮም ከምዝሸረቡዎ ፡ እቲ ኣቃታትላ ድማ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኾነን ፡ ክዳወንቶም ኣውጺኦም ከምዝቐተሉዎም ፡ እቲ ፍጻመውን ነቲ ዞባ ዘነውር ኮይኑ ስለዝተረኽበ ብምስጢር ክተሓዝ ከምእተደለየን ፡ እቶም ኩሎም ደቂ`ት ዓድን ፖሊስን ገለ ኣፍልጦ ብዛዕብ እቲ ፍጻመ ከምዘለዎም እንተኾነ ደፊሩ ብዛዕብኡ ክዛረብ ዝደሊ ሰብ ከምዘይነበረ ካብ ኣገላልጻ ኣቶ ክብሮም ከንርዳእ ክኢልና ኣሎና፡፡ ኮታስ ኩሉ ኩሉ ምኽንያት ሞቶም ንንግዳዊ ኣካላቶም ከም ኩሊት ዝኣመሰለ ክፍለ ኣካላት ተደሊዮ ከምዝኾነ ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኣይኮነ።

ብዝኾነ ፡ በቲ ዘጋጠመ ኣረሜናዊ ፍጻመ ብዙሕ ከምዝሓዘናን ፡ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ፍርዲ ዝቀርቡሉ ወይውን ኣስቢ በደሎም ተመጣጣኒ ስጉምቲ  ክውሰደሎም ከምዝግባእ ኢና ንኣምን። በዚ ኣጋጣሚ ፡ ንኣቶ ክብሮምን ስድራ ቤቱን  ጽንዓት ይሓብኩም እንዳበልና ፡ ናብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቓለመጠይቕ ነሕልፈኩም።


 
Received on Sun Feb 15 2015 - 17:05:30 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved