Food: To Each In His Own Way (Tigrigna Poem)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 14 Feb 2015 02:03:42 -0500

 
መግብና ከም ባህልና
ጸብሒ ቅጫ ፒዛ
ሉስሉስ ዶልሺ ሃንዛ፡
ታኒካ ጸብሒ ቀይሕ ቺሊ
ምስናይ ጥጥቆ ፋጆሊ
ኣይጥዕምን ከም ዝግኒ ጻሕሊ።
ታኪን መረቅ ስታፍድ ፍትፍትን
ሰኣን ቀመም ንኣፍ ኣይምቅርን።
ባርብክዩ ጥብሲ ብዘይ ኣንጒዕ
ብጀካ በርበረ ጠስሚ ዘየጒስዕ።
ፍራይድ ችኪን ቅልዋ ደርሆ
ኣይባህልናን ሆ! ሆ!
ኣብ ክንዲ ምኽሻን ጋሕ-ጋሕ ንግሆ።
ቡን ዕምባባ መበኮሪያ ዕጣን
ዒግ ትኪ መብረሪ ሰይጣን
ምስ በዓል ኣቦይ፡ ኣደይ፡ ኣያ
ሓቢርና ክንዝቲ ንስተያ
ብጻዕዳ ፍንጃል ብኽንዲ ኩባያ።
ብሱል ድንሽ ምስ ቆርቦቱ ጻዕዳ
መዓስ ይወርደላ ብሻምቡቆ ክሳዳ
ናብ ጋህሲ ቀላይ ከብዳ
ኣይልማዳን! ኣይልማዳን ብዓዳ
ኣይተዋርዳ ሕደግ ኣይተዋርዳ።
ኣይንበልዕን ጥረ-ጠስሚ
ካብ ኰነ መቅመሚ
ንጸብሒ መጥዓሚ።
ሸዊት ዑፉን ኣይነብስሎን ኢና
እንታይድኣ ጠቢስና ገልቢጥና
ነድርቆ ነንቅጾ…..
ዱልዱል ስኒ ኣሎና
ዝግህጾ፡ ዝፍልጾ፡ ዝምውጾ።
ኣይከም ፈተውቲ ሽኮር በዓል ጃኒ
ምስናይ ችኮላታ ማልመላታ ባኒ
ቅድሚ ምእራጎም ስኒ ዘርግፍ
ንምርኣዩ ኣዝዩ ዘሰክፍ።
ደጊም………
ባህሊ….ባህሊ’ዩ ልማድ ዓዲ
ተኸተሎ ከም ጽላሎት መንገዲ
ፈቲኻ ጸሊእኻ ብግዲ።
-ሃይለ
Received on Sat Feb 14 2015 - 02:03:46 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved