ነቶም ሕብሪ ግመን ትክን ክሓዋውሱ እንቅዓ ዝርህጹ እናመከትና ኣብ መስመር ዓወት ረጊጽና ኣለና "ርሑስ ዝኽሪ በዓል ፋንቅል" ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 6 Feb 2015 16:48:59 +0000

ትካቦ ንምርካብ ክንብል ርእስና ኣይነድንንን እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣብ ልዕሊ ኣዳም ዘሕለፎ ፍርዲ ከምዚ ይብል፦ *ካብኣ
ኢኻ ተፈጢርካ እሞ ናብታ ዝተፈጠርካላ ምድሪ ክሳዕ እትምለስ እንጌራኻ ብረሃጽካ ብላዕ።* ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 3.
19 ትእዛዝ ፈጣሪ እዚ ካብ ኮነ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድማ ብረሃጽናን ብጽፍርናን ጽዒርና ክንነብር ኢና
እንተበለ፡ ትእዛዝ ኣክበረ እምበር ኣየፍረሰን። ስለዚ ሰሪሕካ ምንባር ህዝብካን ሃገርካን ምምሕያሽ ጽድቂ ደኣምበር ኣበሳ
የብሉን። እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ንምንታይ ዕላማዩ ተጻባእትናን ገለ ውሑዳት ዕሱባትን ተመጽዊትናን ተንበርኪክናን
ክንነብር ዝብህጉ ዘለዉ?።

ንምንታይከ ክንድዚ ተጻብኦ? እንታ`ዩከ እቲ ኣበሳ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝብልዎ። እስከ ንተዓዘብ፦ 1፡ ኤርትራ
ብመትከል ርእሰ ሙርከሳ ሃገራዊ ህንጸት ከተሰላስል ዘንቀደት ሃገር ብሙኳና፡ ንካልኦት ሃገራት ናይ ጽቡቅ ሕማቅ ኣብነት
ከይትከውን 2፡ ኤርትራ እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ብመልክዕ ባርነት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ንምውሳድ ዝግበር
ዝነበረ ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ኣብዚ እዋን`ዚ መልክዑ ብምቅያር፡ ብስም ለገስትን ወሃብቲ ረድኤትን ካልእ ቅጽላት ኣስማት
ብምጉልባብ ኣብ መሸጣ ቆልዑ ኣፍሪቃ ተዋፊረን ናይ ዘለዋ እኩያት ትካላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብኣጋ ነቂሑ ባይታን
ዕድልን ብዘይምፍጣሩ። 3፡ መንግስቲ ኤርትራ ኩልና ከምእንፈልጦ ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭታት ዘለዎ መርገጺ ንጹርን
ዘየሻሙን`ዩ...​ንምሉእ ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ - https://adalvoice.wordpress.com/
<https://adalvoice.wordpress.com/>





oie_overlay__4_44.gif
(image/gif attachment: oie_overlay__4_44.gif)

Received on Fri Feb 06 2015 - 11:49:07 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved