(VOA Tigrigna-Audio)ሕብረት ኣፍሪቃ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽ ጸቕጢ ክገብር ኤርትራ ከምዝሓተተት ተገሊፁ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 6 Feb 2015 05:50:59 +0000 (UTC)

ሕብረት ኣፍሪቃ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽ ጸቕጢ ክገብር ኤርትራ ከምዝሓተተት ተገሊፁ
05.02.2015 22:57

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ቕነ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻፈለ ብኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝተመርሐ ጉጅለ ኤርትራ፣ ምሕንጻጽ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር ከምዝጸወዐት ተገሊፁ'ሎ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪቃን ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣምባሳደሩ ኣርኣያ ደስታ ብመሰረት እቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ውሳኔ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽን ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ክስሕብን ሕብረት ኣፍሪቃ ጸቕጢ ክገብር ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ መፀዋዕታ ከምዘቅረቡ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ገሊፆም ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

http://tigrigna.voanews.com/content/tigrigna-eritrea/2630756.html
Received on Fri Feb 06 2015 - 00:51:36 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved